መንግስቲ- ሕጂ'ውን ምስ 'ዘይሕጋዊ' ህወሓት ኣይዛተን'የ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት- 'ኲናት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ' ንጻዕርታተይ ሓላሊኽዎ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ'ቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንዘተ ኮፍ ከምዘይብል ደጊሙ ኣብ ዝገልጸሉ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ክልል ትግራይ ኲናት ስለዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ሓላሊኽዎ ኢሉ።

Refugees from Tigray outside a tent waiting for a humanitarian aid

Source: AFP via Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ'ቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንዘተ ብሓባር ኮፍ ከምዘይብል ደጊሙ ገሊጹ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዓርቢ ንመደበር ዜና ሮይተርስ ከምዝገለጾ ምስ'ቲ 'ሕጋውነት ዘይብሉ' ህወሓት ዝርርብ ንምክያድ ድሌት የብልናን፡ እዚ ውሳነ ኸኣ መንግስቲ ክቕይሮ ድሌት ከምዘይብሉ ንዲፕሎማሰኛታትን ዓለምለኻውያን ኣካላትን ኣፍሊጥዎም'ዩ ኢሉ።

"ንዘተ ኣብ ዝምልከት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ እዚ ምምሕዳር ምስ በርገሳዊ ማሕበራትን መራሕቲ ማሕበረሰብን ዘተታት ከካይድ እዩ። እንተኾነ ግን ምስ'ቶም ገበን ዝፈጸሙ ምዝርራብ ወይ ዘተ ምክያድ ካብ ሕቶ ወጻኢ'ዩ።" ኢሉ እቲ ኣምባሳደር።

ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን ውድብ ህወሓት ንዝርርብ ድሉው ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ ክብል እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያንኦብዘርቨር ዝወጸ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

 

እዚ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበዝሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ ቀቲለዮም ወይ ማሪኸዮም ኢሉ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን'ዩ። እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነዚ ብምንጻግ ሰላማውያን ሰባት ኣንጻር'ቲ ብ'ወረርቲ ሓይልታት' ዝካየድ ዘሎ ዝምታን ዘረፋን ብምቅዋም ኣድማ ገይሮም ወይ ሰልፊ ወጺኦም ኢሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣርቲኢ ክልቲኦም ወገናት ነዚ ዝበልዎ መርትዖ ኣየቕረቡን፡ ርክባት ቴሌኮሙኒኬሽንን ኢንተርነትን ዘይምህላዎምን ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ናብ'ቶም ቦታታት ክኣትው ኣጸጋሚ ብምዃኑን ሓቅነቶም ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። 

 

ብኻልእ ወገን ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ረዲኤታዊ ሓገዛትን ሰራሕተኛታትን ክኣትው ዝበጽሖ ስምምዕ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘለው ከባቢታት ክልል ትግራይ ጥራይ ዘካትቱ ብምዃኖምን ብዙሕ ዝተሓላለኸ ቢሮክራሲያዊ መስርሕ ክሓልፉ ስለዝግደዱን ነቐፌታ ኣቕሪቡ።

"ዝጠመዩ ህጻናት ኣብ'ቲ ካልእ ወገን ዝቆጻጸሮም ከባቢታት'ውን ክህልው ይኽእሉ'ዮም።" ክብል ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው ሕብረት ኤውሮጳ ያነዝ ሌናርቺች ንጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። መንግስቲ ድሕሪ'ዚ ርእይቶ መልሲ ኣይሃበን።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ሳመን ኮቨኒ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትን ኵናትን 'ዝለዓለ ስግኣት' ሓዲርዎ ከምዘሎ ብምግላጽ 2.4 ሚልዮን ዩሮ ንሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ከምግብረመልሲ ነቲ ቅልውላው መዲቡ ከምዘሎ ገሊጹ። ኩሎም ወገናት ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕልውን ቀረባት ረዴኤታውን ሰብኣውን ሓገዛት ክኣትው መንገዲ ክኸፍቱን ወይ ክፈቕዱን ጸዊዑ። 

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መድሃኒታትን ካልእ ቀረባትን ዝሓዘት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኻ'ላ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ወኪል ስደተኛታት ው. ሕ. ሃ. (ዩኤንኤችሲኣር) ድሕሪ'ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረባት ናብ ትግራይ ዝበጽሕሉ ጉዳይ ስምምዕ ምግባሩ ምሉእ ሰብኣዊ ንጥፈታት ኣብ ክልል ትግራይ ኩነታት ክሳብ ዝፈቐደ ክጅምር ቅሩብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። 

ኣብ ከተማ ሽረ ምስ ካልኦት መጻምድቶም ብምዃን ሰራሕተኛት ዩኤንኤችሲኣር ድሮ ማይ፡ ልዑል ሓይሊ ዝህቡ ብሽኮቲታት/ብስኲት፡ ዝልበስ ክዳውንቲ፡ ፍርናሽ፡ መደቀሲ ምንጻፋትን ኣንሶላታትን/መሸፈኒ ነጸላታትን ብግምት 5000 ዝኾኑ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ዓዲሎም ኢሉ። 

እንተኾነ ግን እቲ ወኪል ስደተኛታት ሓበሬታን ርክብን ዘይብሎም ተሪፎም ዘለው ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘዕቁቡ መዓስከራት ትግራይ ዘሻቕሉ ጸብጻባት ብቐጻሊ ይቕበል ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ምስ ወኪል ስደተኛታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባት ሎጂስቲክስ ናብ'ቶም መዓስከራትን ሰብኣዊ ንጥፈታት ቅድሚ ምጅማሩ ኸኣ ኣድላይነት ምግምጋም ኩነታት ጸጥታን ክዘራረብ'የ ኢሉ። 

እቲ ፍርሒ ዘሎ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕነት ዘለዎ ቦታታት ክረኽቡ ድሮ ካብ'ቶም መዓስከራት ስደተኛታት ሃዲሞም ወጺኦም ከይዶም ኣለው ዝብል እዩ። 

 

እዚ ከም'ዚ'ሉ'ንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኲናት ኣብ ብዙሓት ክፋላት ክልል ትግራይ ይካየድ ስለዘሎ ናብ'ቶም መንግስቲ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ቀረብ ረዲኤታዊ ሓገዝ ክህሉ ስምምዕ እንተሃለወ'ኳ ነቲ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝካየዱ ጻዕርታት ይሓላልኾም ኣሎ ክብል ምግላጹ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ው. ሕ. ሃ. ሳቪያኖ ኣብሪው ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 'ኣብ ብዙሕ ክፋላት ክልል ትግራይ ኲናት ይካየድ ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ኣለውና። እዚ ንዓና ኣስጋኢ'ዩ፡ ዝተሓላለኸ ኲነታት ኮይንና ኣሎ' ኢሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ ሓደ ሓላፊ 'ብመሰረቱ ኣብ'ዚ እዋን መንገዲ ቀረባት ዝወሃበሉ ዋላ ሓንቲ የለን።' ከምዝበለን መንግስትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምድላዋት ናይ መወዳእታ መልክዖም ክሳብ ዝሕዙ መግለጺ ከይሃቡ ክጽበዩ ኔርዎም ኢሉ። 

ንሱ ኣቐዲምካ ስምምዕ ተበጺሑ'ሎ፡ ረዲኤታዊ ሓገዝ ሕጂ ክቐርብ ክጅምር'ዩ ኢልካ ኣብ እትገልጸሉ ዘየድሊ ተስፋታትን ትጽቢታትን እዩ ዝፈጥር ክብል እቲ ኩነታት ተነቃፊ ስለዝኾነ ስሙ ከይጥቀስ ብምሕታት ኣረዲኡ ክብል እዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። 

እንተኾነ ግን ኣፈኛ ሳቪያኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኩሎም ወገናት ዝርርብ የካይድ ከምዘሎ ብምሕባር እዚ ምስ መንግስቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ገለ ፈቓድ ኣብ'ቲ ንሱ ዝቆጻጸሮም ክህበና'ዩ ኢሉ። እንተኾነ ነጻን ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዘይብሉን ፈቓድ ናብ ኩሉ ቦታታት ክህልወና ስለንደሊ ተመሳሳሊ ስምምዕ ምስ'ቲ ካልእ ወገን'ውን ከድልየና እዩ ኢሉ። 

ንሱ ድሮ ኣብ መሬት ዘለው ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ሰራሕተኛታት ስለዘለው ብዝከኣሎም መጠን ነቶም ብኲናት ዝተተንከፉን ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብረዲኤታዊ ሓገዝ ጥራይ ክናበሩ ዝጸንሑን ክፋላት ሕብረተሰብ ይሕግዙ ኣለው ኢሉ። 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
መንግስቲ- ሕጂ'ውን ምስ 'ዘይሕጋዊ' ህወሓት ኣይዛተን'የ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት- 'ኲናት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ' ንጻዕርታተይ ሓላሊኽዎ | SBS Tigrinya