ኢትዮጵያ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽራ ወጻኢ ዝኾነሉ ተርእዮ ከም ዝተፈጥረ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።
እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ነቲ ካልእ ከባቢ ኢትዮጵያ ናይ ምሕማስ ተኽእሎኡ ልዑል ከም ዝኾነ እውን ኣብቲ ብዕጹው ዝተሳለጠ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተዛረቡ ተሓቢሩ።
ዋሽንግተን ፖስት ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ፣ እቲ ብረቡዕ ብዕጽው ዝተሳለጠ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት : መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ 40% ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢታት ትግራይ ብግቡእ ዘመሓድረሉ ሓይሊ ዘይክህሉ ከም ዝኽእልን ሰራዊት ኤርትራዊ ዝእዝዘሉ ኩነታት ትሑት ምዃኑን ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት እቲ ውድብ ዝኾኑ ማርክ ሎውከክ ንተጋባእቲ ከም ዝገለጹሎም ሓቢሩ።
ሓሳብ ማርክ ሎውከክ ካልኦት ዲፕሎማሰኛታት እውን ከም ዝድግፉዎ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ እቲ ፀብጻብ እቶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሕግዙ ዝኣተዉ ካልኦት ሓይልታት ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት የሰጉሙ ከም ዘለዉ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ ኣረዲኡ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ነቲ ዝተረፈ ከባቢ ኢትዮጵያ እውን ናብ ሕምስምስ ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ልዑል እዩ ክብሉ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንተጋባእቲ ባይቶ ፀጥታ ከም ዘብርሁሎም ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ጥሜት እቲ ዘሻቕል ተርእዮ እዩ። እቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ጊዜ ኣብ እዋን ማእቶት ስለዝነበረ ሰባት ዝብላዕ ምስ ሰኣኑ ቆጽለመጽሊ ክበልዑ ከም ዝጀመሩ ሓበሬታ በጺሑኒ ኣሎ ዝብል መብርሂ ከም ዝወሃቡ እውን እቲ ፀብጻብ ሓቢሩ።
ኔትዎርክ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ረሃብ ዝኾነ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ ዞባታት ምብራቕን ማእከላይን ትግራይ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ሓደጋ ጥሜት ኣብ ራብዓይ ደረጃ ማለትውን ካብ ረሃብ ሓደ ደረጃ ትሒቱ ከም ዝቕመጥ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሓገዝ ረድኤት የቕርብ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣኼባ ብሕት ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ኢስቶንያን ዝተበገሰ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ መገዲ ክኸፍል ፀቕጢ ክግበረሉ ተሰሚሩሉ። ኣብቲ ወግዓዊ መግለጺ ዘይተውሃበሉ ኣኼባ ኬንያ፣ ኒጀር፣ ቱኒዝያ፣ ቻይናን ሩስያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ካብ ምግባር ዝተዓቀባ ሃገራት ከም ዝኾና ተገሊጹ።