መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከምዘሎ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ነቲ ዝተረፈ ከባቢ ኢትዮጵያ እውን ናብ ሕምስምስ ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ልዑል እዩ ክብሉ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንተጋባእቲ ባይቶ ፀጥታ ከም ዘብርሁሎም ውን ወሲኹ ገሊጹ።

Homeland Report

Source: UN

ኢትዮጵያ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽራ ወጻኢ ዝኾነሉ ተርእዮ ከም ዝተፈጥረ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

 

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ነቲ ካልእ ከባቢ ኢትዮጵያ ናይ ምሕማስ ተኽእሎኡ ልዑል ከም ዝኾነ እውን ኣብቲ ብዕጹው ዝተሳለጠ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተዛረቡ ተሓቢሩ።

 

ዋሽንግተን ፖስት ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ፣ እቲ ብረቡዕ ብዕጽው ዝተሳለጠ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት : መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ 40% ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢታት ትግራይ ብግቡእ ዘመሓድረሉ ሓይሊ ዘይክህሉ ከም ዝኽእልን ሰራዊት ኤርትራዊ  ዝእዝዘሉ ኩነታት ትሑት ምዃኑን ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት እቲ ውድብ ዝኾኑ ማርክ ሎውከክ ንተጋባእቲ ከም ዝገለጹሎም ሓቢሩ።

ሓሳብ ማርክ ሎውከክ ካልኦት ዲፕሎማሰኛታት እውን ከም ዝድግፉዎ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ እቲ ፀብጻብ  እቶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሕግዙ ዝኣተዉ ካልኦት ሓይልታት ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት የሰጉሙ ከም ዘለዉ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ ኣረዲኡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ነቲ ዝተረፈ ከባቢ ኢትዮጵያ እውን ናብ ሕምስምስ ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ልዑል እዩ ክብሉ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንተጋባእቲ ባይቶ ፀጥታ ከም ዘብርሁሎም ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ጥሜት እቲ ዘሻቕል ተርእዮ እዩ። እቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ጊዜ ኣብ እዋን ማእቶት ስለዝነበረ ሰባት ዝብላዕ ምስ ሰኣኑ ቆጽለመጽሊ ክበልዑ ከም ዝጀመሩ ሓበሬታ በጺሑኒ ኣሎ ዝብል መብርሂ ከም ዝወሃቡ እውን እቲ ፀብጻብ ሓቢሩ።

ኔትዎርክ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ረሃብ ዝኾነ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ ዞባታት ምብራቕን ማእከላይን ትግራይ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት  ሓደጋ ጥሜት ኣብ ራብዓይ ደረጃ ማለትውን ካብ ረሃብ ሓደ ደረጃ ትሒቱ ከም ዝቕመጥ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሓገዝ ረድኤት የቕርብ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ኣኼባ ብሕት ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ኢስቶንያን ዝተበገሰ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ መገዲ ክኸፍል ፀቕጢ ክግበረሉ ተሰሚሩሉ። ኣብቲ ወግዓዊ መግለጺ ዘይተውሃበሉ ኣኼባ ኬንያ፣ ኒጀር፣ ቱኒዝያ፣ ቻይናን ሩስያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ካብ ምግባር ዝተዓቀባ ሃገራት ከም ዝኾና ተገሊጹ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከምዘሎ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም። | SBS Tigrinya