ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝበሃል ጃምላዊ ቅትለት፡ ህጹጽ ኣኼባ ሎሚ ክገብር'ዩ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ምርመራ ብሲኤንኤን ን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

News

Source: Getty Images

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ሎሚ ብዕጹው ኽዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ ።

 እዚ ምዕባለ ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ምርመራ ብሲኤንኤን ን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ኣንጻር መራሕቲ ህወሓት መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ  ሲ.ኤን.ኤን.ኤን ጸብጺቡ ኣሎ፡ እቲ ማዕከን ዜና ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ዝመጽኡ ወተሃደራት ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ናይ ቅትለት ፡ መጥቃዕትታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝፈጸሙ ሓቢሩ ኣሎ ።

ድሕሪ እቲ ብማዕከናት ዜና ዓለም ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ኣብ ትግራይ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ ።

 ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶኒ ብሊንከን ፡  ብሰሉስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባዚ ጉዳይ ተዘራሪቡ  ኔሩ። ብመሰረት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ፡ "ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣውን ሰብኣውን ቅልውላው ከምዘተሓሳሰባ ንምግላጽ"  እቲ ዝርርብ ከምዝተኻየደ ገሊጹ ።

እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ወሲኹ ብዛዕባ ግፍዕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን መግሃስቲታትን ዝገልጽ ሓቅነት ዘለዎ ጸብጻባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምግንዛብ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓዊስካ ሰላማውያን ሰባት ንምዕቋብን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንኸይፍጸምን ቅልጡፍን ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስድ ተማሕጺኑ ።"  ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ፡ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ንምባልን ሓይልታት ወጻኢ ካብ ትግራይ ንምውጻእን ፡ እንተላይ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከቢድ ጸቕጢ ከምዝገብር ዘሎ ተፈሊጡ።

 ሚስተር ብሊንከን ፡  "በቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ሓፈሻዊ ቅልውላው እቲ ዞባ እናበኣሰ ዝኸይድ ኣመሪካ ኣዝያ እያ ትሻቐል ዘላ" ድሕሪ ምባል ፡ "ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጹ" ተማሕጺኑ ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ነቲ ብሊንከን ዝቐረበ ነቐፌታ ነጺግዎ እዩ: እዚ ድማ ኣመሪካ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኰነ ብፍላይ ከኣ እቲ ብዛዕባ ናይ  ክልል ኣምሓራ ሓይልታት ዝበሃል ክሲ  ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ።" ኢሉ።

 ኣብዚ ሰሙን መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ ሲ.ኤን.ኤን. ኣብ ዘካየዶ  ቃለ-መጠይቕ ፡ ናጻ ዝኾነ መርማሪ ኣካል ፡ ነቲ ተፈጺሙ ዘሎ ቅትለት ፡ ጾታዊ ዓመጽን ዓመጽን ዘጠቓለለ ገበናት ክምርምር ጸዊዑ ኣሎ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service