SKIP TO MAIN CONTENT

ሓደ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ናብ ሽመልባ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክበጽሖም እናተጓዕዘ ደው ስለዘይበለ ተኲስናሉ ኣብ ቀይዲ የእቲናዮ

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምብጻሕ ዝጓዓዝ ዝነበረ ጉጅለ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው. ሕ. ሃ.) ተዂሲ ተተኲስዎ። ኤርትራውያን ወተሃደራት እዮም ተኲሶምለይ እንተበለ'ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣይፋሉን ንሕና ኢና ኢሉ።

Ambassador Redwan Hussein of Ethiopia
ኣፈኛ ሓይሊ ዕማም ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሪድዋን ሑሰይን Source: Getty Images

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክበጽሕ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልተ ኬላታት ደው ስለዘይበለ ተዅሲ ከምዝተኸፍተሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሉስ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኣፈኝኡ 'ከም ቆልዓ እሩሩ ዘብለና ኣይንደልን ኢና' ክብል ምኽንያት ሂቡ።

እቲ ጽጥታዊ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምብጻሕ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ክኣቱ እናፈተነ እንከሎ'ዩ ሰንበት እቲ ተኹሲ ዝተኸፍተሉ። ወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ'ዚ ጸብጻቡ ካብ ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይሮቢ ብዛዕባ'ዚ መብርሂ ክረብክ ፈቲኑ ኣይሰለጠንን ኢሉ።

ኣፈኛ መንግስታዊ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰይን ንጋዜጠኝታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ጉጅለ ው. ሕ. ሃ. ፈቓድ ናብ ዘይተዋህቦ ከባቢ ብሃውሪ ብመኪና እናተጓዕዘ ደው ከይበለ ክልተ ነቑጣታት ሓለዋ ወይ ኬላታት ሓሊፉ ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር "ሳልሳይ ኬላ ክሓልፉ ክፍትኑ እንከለው ግን ተተኲስዎም፡ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ው. ሕ. ሃ. ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ዝለበሱ ሰራዊት ኤርትራ እዮም ኣብ'ቲ ጉዕዞ ረኺቦሞ ክብሉ ክልተ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንሮይተርስ እንተሓበሩ'ኳ ክልቲኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ዶብ ሰጊሩ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሰራዊት የለን ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተማ መቐለ ተቖጻጺረያ እየ፡ እቲ ስርሒት ብዓወት ተዛዚሙ እንተበለ'ኳ መራሕቲ ህወሓት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ከባቢ'ታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኲናት ከምዘሎ ይገልጹ።

ኣፈኛ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰይን ልክዕ ከም'ቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ክህሉ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ግጭታትን ተዂስታትን ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ኣብ መግለጺኡ ተኣሚኑ'ዩ። "ውሑዳት ተረፍ መረፍ ዕጡቓት ሚሊሺያ ወይ ፍሉያት ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይኣተው ክህልው ይኽእሉ'ዮም።" ኢሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ዝበዝሑ መራኸቢታት ኣብ ትግራይ ሕጂ'ውን ዕጹዋት ብምዃኖምን ናብ'ቲ ከባቢ ምእታው ኣዝዮ ዝተደረተ ምዃኑን ክልቲኦም ወገናት ዝህብዎ መግለጺ ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። ኣብ'ዚ መንግስቲ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ ኸኣ ካብ ህወሓት ርእይቶ ክረክብ ኣይከኣለን።

ኣምባሳደር ሬድዋን "እቲ ስምምዕ ምስ ው. ሕ. ሃ. ዝኣተናዮ እቲ ውድብ ምሳና ተወሃሂዱ ክሰርሕ ኮይኑ እቲ ውሳነታት ግን ኩሉ መንግስቲ ባዕሉ ክወስዶ'ዩ ኔሩ።" ክብል ኢትዮጵያ ህዝባ ባዕላ ክትሕግዝ ከምእትኽእል ኣስሚርሉ።

ንሱ ብተወሳኺ መንግስቲ ዝኾነ ጭካነ ዝመልኦ በደላትን ቅትለታትን ተፈጺሙ ዝበሃል ጸብጻብ ክምርምሮ ምዃኑን ኣድላዪ እንተኾይኑ ኸኣ ነጻ መርመራታት ክካየዱ ክፈቅድ ምዃኑን ሓቢሩ። "ኢትዮጵያ ብሓደ ሓያል መንግስቲ እያ ትመሓደር ዘላ። ከም ህጻን እሩሩ ዝብላ ኣይትደልን'ያ።" ክብል ከኣ ገሊጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now