SKIP TO MAIN CONTENT

ው.ሕ.ሃ. ነታ ብኲናት ዝተሃስየት ክልል ትግራይ ኣብ ምህናጽ ክሕግዝ ቃል ኣትዩ።

News
Source: AFP

1 min read

Published


Skip to article content

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ው.ሕ.ሃ. ነቲ ብሰንኪ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ዝዓነወ ይሕተ ቕርጺ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ክሕግዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።

ናይ ው.ሕ.ሃ. ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ኣገልግሎት ነቲ ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዘሎ ኣብ 'ቲ ዞባ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ዳግም ክሃንጾ እዩ ።

እቲ ፕሮጀክት ብባንኪ ዓለም እዩ ዝምወል ኮይኑ ፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንኢትዮጵያ ገንዘብ ዝህባ ናይ መጀመርታ ዕቢ ትካል ገንዘብ አዩ ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ፡ ኲናት ደው ኢሉ ፡ እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ናይ ረድኤት ዝጸዓና ቃፍላያት ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣፍቂዱሉ ይርከብ ።

ይኹን እምበር ፡ ትግራይ ከም ሓይሊ ኤለክትሪክ ፡ መራኸቢታትን ባንክን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ተኸልኪላ እያ ዘላ ፡ ው.ሕ.ሃ. ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ይገልጽ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now