ኣብ ትሕቲ ቈርበት ዓለምለኻዊ ንግዲ ኣድጊ: ንምንታይ'ዩ እቲ ትሑት ኣድጊ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘውጽእ ዘሎ ?

ባህላዊ ሕክምና ቻይና ኢጂያኦ ካብ ዝበሰለ ቆርበት ኣድጊ ጀላቲን ዝስራሕ ኰይኑ ፡ ንዘመናት ዝኣክል ኣብ ጥዕናና ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ ይእመን። ገሊኦም ሓካይም ፡ እዚ ጠለባት እዚ ብመጽናዕቲ ሕክምና ከም ዘይተደገፈ እኳ እንተ ገለጹ ፡ ሓረስቶት ኣውስትራልያ ነቲ ጠለብ ዕዳጋ ክመልእዎ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ።

ቴክስ ማክግራት ኣብ ርሑቕ ሰሜን ኲንስላንድ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ፡ ነታ ብሽክለታኡ ሓፍ ኣቢሉ ፡ ንኣእዱጉ ኺምግብ ናብ ሕርሻኡ የምርሕ ።

ንሱ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ዓመታት ናይ ኣድጊ መርብሒ ኮይኑ ፡ ኣብ መላእ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራሊያ እናኸደ ፈቐዶ በረኻ ዝርከቡ ኣእዱግ እናሓዘ ከጥሪ ክኢሉ እዩ ።

እቲ ምግቢ ፡ "ብቐንዱ 'ፈራል' ኣእዱግ ኢና እንእክብ" በለ ።

"ገሊኣቶም ሰብ ርእዮም ስለ ዘይፈልጡ: እቲ ጠባዮም ቍሩብ 'ከመይ ከም ዝኸይድ" ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። "

ብመሰረት ክፍሊ ሕርሻ ኣብ ኣውስትራሊያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናይ በረኻ ኣእዱግ ኣለዉ ።

"ናብ ሰሜናዊ ተሪቶሪ ንኸይድ ኢና ፣ በረኻታት ስለዝኾነ ቀንዲ መጉየይኦም እዩ ።

"ኣብ ሓደ ክፋል ናይ ምእካብ ወቕቲ: ብኣማእታት: ካብ ሓሙሽተ ኽሳእ ሽዱሽተ ሚእቲ ኽንእከብ ንኽእል ኢና ።"
donkey
Australian farmers are cashing in by selling donkeys, which are used in Chinese medicine. Source: The Feed
Although Mr McGrath sells 

ገለ ካብቶም ዝውንኖም ኣእድጉ መሰነይታኡ እዮም: እቲ ኣዚዩ ኣብ ቢዝነሱ ትርፊ ዝረኽበሉ ካብ ዘይልሙድ ምንጪ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ ።

"ቀጺልና ናብ ካልኦት ናብ ኢጂያኦ ዝምስርሑ ኩባንያታት ንሸጦ ፣ እዚ ናይቲ ኣድጊ ስብሒ እዩ ። ናብ ሆንግ ኮንግ ድማ ይወስድዎ ።"

ቈርበት ኣድጊ እቲ ብዙሕ ኣታዊ ዝርከቦ እዩ ፡ ን ባህላዊ ሕክምና ቻይና ተደፊኡ ዓቢ ጠለብ ዘለዎ እዩ ።

ኢጂያኦ እንታይ እዩ?

ናይ ባህላዊ ናይ ቻይና ሕክምና ሓኪም ሚሸል ሊ እቲ ምህርቲ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ትብል ።

"ኣንስቲ ናይ ሃጸያት ንመጸባበቒ ይጥቀማሉ ብምንባረንዩ ተጀሚሩ " በለት ።

"እቲ ገላዕ (ጀል) [ካብ ቈርበት ኣድጊ] ኣብ ዓብዪ ድስቲ ይሓቅቕ ፡ ድሕሪኡ እቲ ነገር ተዘቚቑ ፡ ከም ጠስሚ ይረግእ 

hard gel as a result.”
Traditional Chinese Medicine practitioner Michelle Li
Traditional Chinese Medicine practitioner Michelle Li Source: The Feed
ሚስ ሊ ምስ ካልኦት ቻይናውያን ቀመማት ተሓዊሱ ፡ ንምልክታት እተፈላለየ ዓይነት ሕክምና ኣብ ምፍዋስ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ትገልጽ ።

"ኤጅያኦ ብዙሕ ናይ ጥዕና ጥቕምታት ኣለዎ ፡ እዚ ድማ ኣብ ከቢድ እዋናት ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምንጻል ጥንሲ ፡ ፍርያምነትን ናይ ወሊድ ጉዳያትን ምሕጋዝ ዘጠቓልል እዩ" በለት ።

"ንደም ንጡፍ ኣብ ምግባር ጽቡቕ እዩ ፡ ስለዚ ነቶም ናይ ደም ዋሕዲ ኩነታት ዘለዎም ሰባት እውን ጽቡቕ እዩ ፡ ምስ ምውሳኽ ሊቢዶ እውን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ።

"ኤጅያኦ ንከም ሉኪሚያ [ከምኡውን] ዝኣመሰሉ ሕማም ካንሰር ዘለዎም ምልክታትን ንምክልኻልን ንምቅላልን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ፣ ኬሞተራፒ ንዝግበረሎም ሰባት እውን ከፋኹስ ይኽእል እዩ ።"
EJAOI
Ejiao is not currently approved for use in therapeutic goods in Australia. Source: The Feed

‘ንኸንቱ ሞት’

ብመሰረት እቲ ናይ ሕክምና ጉድያት ምምሕዳር (TG) ኤጅያኦ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ናይ ሕክምና ነገራት ክጥቀም ተቐባልነት የብሉን ።

መይ ዶድ ኣብ ገጠራት ቪክቶርያ ንልዕሊ 20 ዓመት መዕቈቢ ኣድጊ ትውንን: ንባዕላ ዶክተር ኮይና ኣብ ምጥባቕ ህይወት ኣእዱግ ህይወታ ዝወፈየት እያ ።

"ብዓይኒ ሕክምና ክርአ ከሎ ፡ እዚ ባህላዊ ፍታሕ እዚ ብቑዕ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ የለን" በለት ።

"እዚ ምርምር የብሉን ፡ ማለተይ ከኣ ከም ሓኪም መጠን ፡ ንጀላቲን ከም ሕክምና ገይረ ኣይርእዮን እየ ።

"ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን እዩ ።"
may
Ms Dodd thinks donkeys are dying "in vain". Source: The Feed
ወይዘሮ ማይ ዶድ ፡ ንኣእዱግ መስሪሕካ ን ኢጆኦ ምጥቃም ከም ሕሱም ጭካነ ምዃኑ ትኣምን ፡ ኣእዱግ ለባማትን ብስምዒታዊ መገዲ በላሕትን እንስሳታት ምዃኖም ድማ ትዛረብ ።

"ኣእዱግ ዓያሹን ነቓጻትን ከም ዝዀና ዝገልጽ ጽውጽዋይ ኣሎ ፣ እዚ ድማ ተመክሮይ ኰይኑ ኣይፈልጥን እዩ" በለት ዶድ ።

"ማግነታዊ ስሕበት ንሰባት እዩ ዘለዎም ፡ የፍቅሩኻ ድማ እዮም ።

"ዋላ ሓደ ሰብ ክመውት ፡ ብፍላይ ከኣ ኣእዱግ ክርኢ ኣይደልን እየ ፣ ብኸንቱ ሙማት ግና ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ የበሳጭወኒ እዩ ።"
ejiao
Australia imported more than five million dollars worth of ejiao in 2018. Source: The Feed
ሚስተር ዎንግ ግና ፡ ኣእዱግ ንቘርበቶም ምእካብ ፡ "ኸምቲ ሰባት ንስጋ ሓሰማ ወይ ደርሆ ዝበልዕዎ እዩ" ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ፡ እቲ ኩባንያ ንገሊኦም ኣእዱግ ካብ መላእ ዓለም ኺምንጭዎም እዩ ፣ ምኽንያቱ ፡ ነቲ መስርሕ ብብዝሒ ኣእዱግ ስለ ዝጥቀም እዩ" በለት ።

"እቲ ቀረብ ኣእዱግ እኹል ስለ ዘይኰነ ፡ ነቲ ጠለብ ከማልእ ኣይክእልን እዩ ።"

ኣብ 2018 ኣውስትራሊያ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ኤጂያኦ ኣምጺኣ ፡ ኣብ ዓለም ነዚ ናብ ሃገር ብምእታው ኣብ 8ይ ደረጃ ሒዛ።

ኤሪኽ ዎንግ ነቲ ዶንገ ኤጅያኦ (DEEJ) ዝብል ሕላገት ዘለዎ ፍርያቱ ካብቲ ኣብ ሲድኒ ዝርከብ መኽዘን የከፋፍሎ ።

ሓደ ናይ ኢጂያኦ ባኮ ክሳብ 400 ዶላር ናይ ኣውስትራሊያ ዶላር ይበጽሕ ።

"እዚ ትካል እዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቻይና ወይ ኣብ ከባቢ ሻንዶንግ ዝበሃል ናይ ንኡስ ዞባ ዝርከብ ኰይኑ ፡ እዚ ቦታ እዚ ብከላ ዘይብሉ ባህርያዊ ኦርጋኒካዊ ከባቢ እዩ" ይብል ዘ ቮንግ ።

"ነቲ ጠለብ ንምምላእ ፡ ኣብ ወወርሒ ኽነምጽእ ኣሎና ።

Eric Wong distributes the Donge Ejiao
Eric Wong distributes the Donge Ejiao product. Source: The Feed

ኢጂኣኦ እቲ ናይዚ እዋን ቀርኒ ሓርማዝ ድዩ?

ብመሰረት Donkey Sanctuary UK ፡ ቻይና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ 4.8 ሚልዮን ኣእዱግ ቆርበቶም ን ኢጂኣኦ ትምስርሕ።

ብ1992 ኣብ ቻይና ብገምጋም 11 ሚልዮን ኣእዱግ እኳ እንተ ነበራ ፡ ኣብ 2019 ግና ሰለስተ ርብዒ ተወዲኦም ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝነብሩ ናይ ኣድጊ ብ ምጥማት ፡ ትካላት መሰል እንስሳታት ነቲ ኢጂያኦ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ሃልኪ ምስቲ ኣብ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ዘሕድሮ ጽልዋ ኣመሳሲለናኦ ኣለዋ ። እዚ ምህርቲ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣእዱግ ከም ዘብርሶም ድማ ይገልጹ ።

ኣብዚ እዋን እዚ እንተ ወሓደ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ንቘርበት ኣድጊ ካብ ምልኣኽ ተቘጢበን ኣለዋ: ኬንያ እታ ዝደሓረት ኣብ 2020 ተጸምቢራ ኣላ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ብህይወቶም ኣእዱግ ንሰደድ ተኣጊዱ እዩ ፡ ናይ ቆርበቶም መስርሕ ግን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ይወድቕ ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ሕርሻ "ኣውስትራሊያ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ቻይና ናይ ኣድጊ ስጋ ፣ ውጽኢት ስጋን ዝርገሐ ቆርበትን ክትልእኽ ኣይትኽእልን እያ" ይብል ።

እቲ ክፍሊ ከምዝበሎ ፡ ኣብ 'ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ፡ ውሑዳት ጽዕነት ኣእዱግ ናብ ካልእ ሃገር ከምዝተለኣኹ ሓቢሩ ፡ "ኣብዚ እዋን' ዚ ግን ፡ መንግስቲ ናይ ዝሰደድ መረጋገጺ ወረቐት ናይ ኣእዱግን ናይ ዝኾነ ዕዳጋ የለን ።"
donkey
Animal activists are upset about the use of donkeys in Chinese medicine. Source: The Feed

ኣኽሳቢ ዕዳጋ

ሚስተር መግራዝ ፡ "ካብ ቻይና ንኢጂኣኦ ኣዝዩ ብዙሕ ጠለብ ኣሎ ።

"ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ፡ ምስ ሓደ ቻይናዊ ሰብኣይ ቡን ሰቲና ፣ ንሱ ከብቲ ክዕድግ'ዩ ደሊዩ መጺኡ ግና ድሕሪ ገለእዋን ፡ 10,000 ኣእዱግ ደለየ ፣ ካብኡ ድማ ብሓባር ክንሰርሕ ጀሚርና።"

ብመሰረት ሚስተር መግራዝ ንሓደ ኣድጊ ክሳብ 800 ዶላር መኽሰብ ክረኽበሉ ይኽእል እዩ ።

"ኣውስትራሊያዊያን እቲ ናይ ኣድጊ ዓለም ክሳብ ክንደይ ብዙሕ ኣታዊ ዘለዎ ምዃኑ ኣይርድኦምን እዩ ፤ እተን ካልኦት ሃገራት ።

"ምስ ቻይና ዘሎና ርክብ ኸነዐሪ ንኽእል ኢና" በለ።

ሚስተር ማክራት ኣብ ኖርዘርን ተሪቶሪ 15,000 ኣእዱግ ኣለውዎ: ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ድማ መሕረዲ ኣእዱግ ኬቕውሙ መደቡ ኣሎ ።

"ኣብ መጻኢቲ ናይ ምድቓል መደብ ከነተኣታቱ ኢና ።

"እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ፡ ንኹሉ ብዓይኒ ገንዘብ ምጥማት እዩ" በለ ።


Share

Published

By Jennifer Scherer

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service