ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዝምልከት ክትወስዶ መዲባ ዘላ ስጉምቲ ዘውጽኣቶ መግለጺ እዚ ዝስዕብ'ዩ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ብዛዕባ ሉኣላውነትን ሃገራዊ ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ስግኣታትን ዓሚቝ ሻቕሎትን ኣለዋ ። ኣብ ትግራይ ሰባት ብቐጻሊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግህሰትን ግፍዕታትን ይወርዶም ኣሎ ፡ ብህጹጽ ድማ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም ኣሎ። ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ 'ውን ካልኦት ዕጡቓት ተዋሳእትን ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ንምዕራፍ ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ እኳ ክግበር እንተተፈተነ ፡ ተጻብኦታት ደው ንምባል ወይ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ፡ ትርጉም ዘለዎ ስጕምትታት ኣይተወሰዱን ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰላማዊያን ዝግበር ቅትለት ፣ ናይ ኣስገዳድ ምፍንቓል ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን መግሃስቲታትን ብትሪ ትኹንን ። ምንጪ ማይን ሆስፒታላትን ሕክምናን ዝርከቦ ሲቪላዊ ንብረት ኣብ ትግራይ ምዕናዉ እውን ብማዕረ የስካሕክሓና እዩ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግህሰታትን ተሓተትቲ ዝኾኑ ኩሎም ናብ ሕጊ ከቕርቦም፡ ናይ ህዝቢ ተግባራት ፡ ንሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ፡ ከምኡ 'ውን ዘይተመለሱ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምርግጋጽ ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከቕርቦ ንጽውዕ ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ፡ ሰራዊቱ ናብቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ክሊ ኤርትራ ክመልስ ንጽውዕ ። ብህጹጽ ተጻብኦታት ደው እንተዘይ ኢሉን ሰባት ብቕልጡፍ እዋናውን ኣገዳስን ውሕስነት መግቢ እንተዘይረኺቦም እዚ ኩነታት ናብ ከቢድ ቅልውላው ጥሜት ክመርሕ ይኽእል እዩ ።
ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ስጕምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕጂ እዩ ። ሎሚ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ 212 (3) (ሐ) ናይ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሕጊ ናይ ቪዛ ቀያዲ ፖሊሲ ኣውጺአ እእውጅ ኣለኹ ፡ እዚ ድማ ንዝኾነ ናይ ሕጂ ይኹን ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ኤርትራ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ፥ ውልቀ-ሰባት ማለት ንኣምሓራ ክልላውን ዘይስሩዕን ሓይልታት ከምኡ "ውን ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘጠቓልል ፡ ነቲ ናይ" ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ሓላፍነት ዝወስድ፡ ነቲ ብዛዕባቲ ቅልውላው ከይፍታሕ ዝሓላለኸ ተሓታቲ ክኸውንዩ ። ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ህዝቢ ዓመጽ ወይ ካልእ መግሃስቲ ዝፈጸሙን ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸይረኽቡ ዝዓገቱን ዘጠቓልል እዩ ። ናይ ቀረባ ቤተሰብ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እውን በዚ ቀይድታት ክግደዱ ይኽእሉ እዮም ። እቶም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ዝወስዱ ሰባት ፡ ነቲ ናይ ቀውፊ ስጕምቲ ክቕይሩ የብሎምን ፣ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ተወሳኺ ስጕምቲ ክወስዱ ትጽቢት ክገብሩ ኣለዎም ። ካልኦት መንግስትታት እውን ምሳና ሓቢረን ነዚ ስጕምቲ እዚ ክወስዳ ንጽውዕ ኣለና ።
ኣብ ርእሲ እዚ ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ቊጠባውን ጸጥታውን ሓገዛት ፡ሰፊሕ ቀይድታት ጌርና ኢና ፡ ነቲ ፖሊሲ ናይ ምክልኻልና ድማ ምስዚ ብዝሰማማዕ ናይ ንግዲ ቍጽጽር ከግበር እዩ ። ሰብኣዊ ሓገዛትን ገለ ካልኦት ንኢትዮጵያ ኣብ ከም ጥዕና ፡ ውሕስነት መግቢ ፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝግበር ደገፍ ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስን ፡ ሰናይ ምምሕዳርን ናይ ግጭት መተሓሳሰቢን ዝኣመሰሉ ምስ ሰበስልጣን ዝሳነዩ ኣገደስቲ ሓገዛትን ክንቅጽል ኢና ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ንኤርትራ ዝምልከት ዝጸንሐ ሰፊሕ ቀይድታት ክትቅጽሎ እያ ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ቅልውላው እዚ ንምፍታሕ ፡ ጽኑዕን ፖለቲካውን ፍታሕ ክግበር ጻውዒታ ተቕርብ ኣላ ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ንዝግበር ጻዕርታት ንድግፍ ኢና ፡ ኢትዮጵያዊያን ድማ ዕርቅን ዝርርብን ብምግባር ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣፈላላያት ክሰግሩ ንሓግዞም ኢና ።