ኣብ ኬንያ ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ብተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ።

ልዕሊ 16.7 ሚልዮን ሰባት በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ኣብ ብርቱዕ ጥሜት ወዲቖም ኣለዉ፡ እዚ ቁጽሪ ኣብ መስከረም ናብ 20 ሚልዮን ክብ ክብል'ዩ።

Driught in East Africa

Halima Ismael Ibrahim, a single mother of ten children, was forced to leave her home to search for aid during Somalia's drought. Source: AAP / SOPA Images/Sipa

ኣብ ኬንያ ፡ ሶማልን ኢትዮጵያን ፡ ብሰንኪ ደርቂ ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ወቕቲ ዝናም ብዘይምዝናሙ ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥምየት ከም እተጠቕዑ ፡ ትካላት ረድኤትን ክኢላታት ሜትዮሮሎጂን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቡዎ መጠንቀቕታ ገሊጾም። እቲ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር ዝግበር ጥሉል ኣየር'ውን ከይህሉ ከም ዝኽእል ገሊጾም ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ፡ "እንተ ወሓደ ኣብ 40 ዓመት ዘይተራእየ" ምዃኑ ፡ ክኢላታት ሜትዮሮሎጂን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝሓቘፉ ሰብኣውያን ጕጅለታትን ገሊጾም ።

"እቲ ኣብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት 2022 ናይ ዝናም ወቕቲ ፡ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝደረቐ እዩ ።" ክብል እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

እኹል ዝናብ ስለ ዘይዘንም ፡ ኣእካል ኣጥፊኡ ፡ ማሎም ቀቲሉ ፡ ብዙሓት ሰባት መግብን ማይን ደልዮም ካብ ኣባይቶም ክወጹ ተገዲዶም እዮም ፣ እዚ ንሓምሻይ ወቕቲ ዝቦኾረ ናይ ጠሊ ወቕቲ ነቲ ሽግር ዘጋጠሞ ዞባ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ከም ዘምርሕ ኣስጊኡ ኣሎ ።

እተን ትካላት ፡ "እዚ ትንቢት እዚ ሓቂ ኣብዝኾነሉ፡ እቲ ድሮ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ዘሎ እቲ ጸገም፡ ብዝያዳ ኺዓምቝ እዩ።" ኢሉ ።

እቲ ደርቂ ድሮ 3.6 ሚልዮን ማል ኣብ ገል ክፋላት ኬንያን ኢትዮጵያን ኣጥፊኡ ኣሎ ፣ ኣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ህዝቢታት መነባብሮኦም ኣብ መጓሰ ዝምስረት እዩ ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ መፋርቕ 2021 ጀሚሩ ኣብ ሶማል ሓደ ካብ ሰለስተ እንስሳታት ሞይቱ ኣሎ ።


Driught in East Africa
Source: Twitter

 

ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት፡ ልዕሊ 16.7 ሚልዮን ሰባት በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ኣብ ብርቱዕ ጥሜት ወዲቖም ኣለዉ፡ እዚ ቁጽሪ ኣብ መስከረም ናብ 20 ሚልዮን ክብ ክብል'ዩ።

እቲ ኣብ ዩክረይን እተላዕለ ግጭት ፡ ናይ መግብን ነዳድን ወጻኢታት ክንህር ብዙሕ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ ።

እት ነዚ ከምግብረ መልሲ ዝወሃብ ረድኤት እንተዘይተዓጻጺፉ ፡ ኣዚ ጽንኩር ኵነታት እናገደደ ክኸይድ ምዃኑ ድማ ይገልጽ ።


Driught in East Africa
People displaced by Somalia's drought stand around in a camp on the outskirts of Dollow, Jubaland, hoping for aid and assistance. Source: Photo by Sally Hayden / SOPA

 

"ሕጂ ህይወት ንምድሓንን ካብ ጥሜትን ሞትን ንምንጋፍን ቅልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ የድሊ ።"

ነቲ ደርቂ ንምግጣም ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል እኹል ምወላ ኣይተዋህበን፣ ክብል ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ው.ሕ.ሃ. ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝሓተቶ ካብቲ ዘድሊ ጥረ ገንዘብ ትሕቲ ኣርባዕተ ሚኢታዊት እዩ ረኺቡ ዘሎ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ2017 ዘስካሕክሕ ደርቂ ኣጋጢሙ እኳ እንተ ነበረ ፡ ብ ኣጋኡ መልሰ ግብሪ ስለተዋህበ ኣብ ሶማል ካብ ዘስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ጥሜት ክውገድ ተኻኢሉ ኔሩ ።

ብኣንጻሩ ግና ፡ ብ2011 ኣብታ ሃገር ጥሜት ምስ ኣጋጠመ ፡ 260,000 ሰባት ፡ ማለት ፍርቆም ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ፡ ብጥሜት ወይ ብጥሜት ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ሞይቶም እዮም ።

ክኢላታት ከምዝሕብርዎ ፡ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ እዩ ዝኽሰት ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service