ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ሱዳናውያን መሻርኽቲ ነቲ ናይ ምስግጋር ሰነድ ብግቡእ ክስዕብዎ ፡ ከምኡ 'ውን ንሰላምን ደሞክራስን ዝምልከት ኣብ ትግባረኡ ክተሓባበሩ ጸዊዑ ።
ሱዳናውያን ብሓሙስ ናብ ጎደና ብምውጻእ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምንጋስ መገዲ ዝኸፍት፡ ከምኡውን ስልጣን ምስ ቅዋማዊ ሰነድ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሰማማዕ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምስጋር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም።
እቲ ብደረጃ ሃገር እተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ሓደ ወርሒ ድሕሪ እቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ተኻይዱ ፣ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ ፡ ሓደ ጕጅለ እቲ ብሰራዊት ዝምራሕ መንግስቲ ክገዝእ ዝጽውዕ ሰልፊ ተገይሩ ።
ወሃብ ቃል ሴት ደፓርትመንት መንግስቲ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ: ኣባላት መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ብሓሙስ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ዘቕረብዎ ጻውዒታት ከቕልቡሉ ጸዊዑ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምድልዳልን ፖለቲካዊ ፍልልያት ንምፍታሕን ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ መሰጋገሪ መስርሕ ምዕባለታት ክንገብርን ታሪኻዊ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ሱዳን ከነደልድልን ኣሎና።" በለ ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሕ.መ. ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፈልትማን ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሲቪላውን ወተሃደራውን ኽፋላት ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝጠላለሙ ኣብ ትግባረ ናይቲ ምስግጋር ክተሓባበሩ ከምዘለዎም ኣጠንቂቑ ።
"እቲ መስርሕ ምስግጋር እንተ ተቛሪጹ ፡ እቲ ሓደ ወገን ወይ እቲ ካልእ ኣብዚ (ሲቪላዊ-ወተሃደራዊ) ሓዲኡ ክስዕር እንተፈቲኑ ፡ እቲ ኣሜሪካ ንኩሉ እዚ ጉዳያት እትህቦ ደገፍ ፡ እንተላይ ንናይ ዕዳ ምሕረት ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ" ክብል ፌልትማን ን ዘ ናሽናል ፡ዝተባህለ ኣብ ሕቡራት ኢመረት ዓረብ ዝመደበሩ ጋዜጣ ገሊጹ።
እቲ ልኡኽ ብ3 ጥቕምቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰበ-ስልጣን ሱዳን ብዛዕባ ትግባረ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ብዝምልከት ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ ፡ ኣብ 'ቲ ዝለዓል ዘሎ ጉዳያት ምትሕብባር ክግበር ተላብዩ ።
ፈልትማን ን ዘ ናሽናል ከም እንደገና ናብ ካርቱም ብምኻድ ብዛዕባ ዋሽንግተን ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታትን ኣብ ትግባረ ሸቶታት እቲ መሰጋገሪ ምዕባለ ዘይምህላው ከምዘተሓሳስባን ንሰበ-ስልጣን ሱዳን ክሕብር ምዃኑ ገሊጽሉ።
"ጕዕዞይ ፡ ነቲ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዘሎና ጽኑዕ ደገፍ ዜደልድሎ እኳ እንተ ኰነ ፡ ቀጻሊ ደገፍና ንቕድሚት ኣብ ምስጓም ከም ዝምርኰስ ንጹር ዝገበሮ እዩ" በለ ።
ኣብቲ ዓርቢ ፕሪስ ዘቕረቦ ሓጺር ጸብጻብ: ፌልትማን ናብ ሱዳን መዓስ ከም ዝኸይድ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበሉን ። ይኹን እምበር: ምክትሉ ፓይተን ኖፍ ድሮ ኣብ ካርቱም እዩ ዘሎ ።
ኖፍ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማሪያም ኣል ማህዲ ተራኺቡ ፡ ብዛዕባ እቲ ንደሞክራሲያዊ ምስግጋር ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ፡ ትግባረ ሰላምን ነቶም ሒዞሞም ዘለዉ ጕጅለታት ምስ መንግስቲ ውዕል ሰላም ንምኽታም ዝግበር ጻዕሪን ዘትዩ ።
ናይ ኣመሪካ ምክትል ፍሉይ ልኡኽ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ናይ ወጻኢ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቲ ናይ መሰጋገሪ እዋን ምሉእን ድልዱልን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ዕዉት ንክኸውን ኣብ መንጎ ኩሎም መሻርኽቲ (ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ) ሓባራዊ ስምምዕ ክግበር ጸዊዑ" ይብል ።