ፍሉጥ ኣመሪካዊ ደራፋይ 'ካንትሪ' ኬኒ ሮጀርስ ኣብ መበል 81 ዓመቱ ዓሪፉ

ናይ ኣመሪካ ኮኾብ ሙዚቀኛ ኬኒ ሮጀርስ ዓሪፉ።

Kenny Rogers performs at the 2012 CMA Music Festival on Saturday, June 9, 2012 in Nashville

Kenny Rogers performs at the 2012 CMA Music Festival on Saturday, June 9, 2012 in Nashville Source: AP

እቲ ን60 ዓመታት ኮኾብ ደራፋይ ሙዚቃ 'ካንትሪ'  ኮይኑ ዝጸንሐ ኬኒ ሮጀርስ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድሚኡ ከምዝዓረፈ ስድራኡ ኣረጋጊጾም።

"ሮጀርስ ብባህርያዊ ምኽንያት ኣብትሕቲ ሕክምናን ብስድራኡ ተኸቢቡከሎ ብሰላም ዓሪፉ።" ዝብል መልእኽቲ ስድራኡ ዕላዊ ጊሮም።

ብተወሳኺ እቶም ስድራ 'ብምኽንያት ህጹጽ ኩነታት ኮቪድ-19' ንእሽቶ ናይ ብሕቲ ስነስርዓት ሓዘን ክገብሩ መደብ ከምዝነበሮም ኣፍሊጦም።

ናይ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲ ግራሚ ዝኾነ ሮጀርስ፡ ከም "The Gambler," "Lucille" ን "Islands in the Stream." ዝብላ ጣዕመ ዜማታቱ ኣብ ምሉእ ዓለም ህቡብነት ኣጥረየናሉ እየን።

ሮጀርስ ኣብ 2018 ክገብሮ ሓሲቡ ዝነበረ ናይ መፋነዊ ዑደት ዓለም ብሰንኪ ጥዕና ምውሓድ ኣቋሪጽዎ እዩ።

ኣብ ተክሳስ ዝተወልደ ሮጀርስ ናይ ሙዚቃ ስርሑ ኣብ መወዳአታ 19ሓምሳታት ምስጀመረ ቀልጢፉ ኣብ ሮካቢልይ፡ ጃዝን ካል ኦት ዓይነታት ሙዚቃን ናብቲ ናቱ ቅዲ ካንትሪ ኣተኣታትዩ።

ን 24 ግዜ ቀዳማይ ተሰማዒ ሙዚቃ፥ ን ሽዱሽተ ግዜ ናይ ካንትሪ ሙዚቃ ተዓዋቲን ኣባል ካንትሪ ሙዚክ ኦፍ ፌምን እዩ ኔሩ።

ሮጀርስ ብተወሳኺ ምስ ዶሊ ፓርቶን ዝጻወቶ ዜማታት፥ ኣብ ፊልምን ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማትን ብዝተዋስኦምን ህብብነቱ ኣዕቢዩ እዩ።

 


1 min read

Published

Source: AFP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now