ሰራዊት ኣመሪካ ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እትርከብ ወደብ ናይ ቀይሕ ባሕሪን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ተወሰኽቲ ክልተ መዓርፎ ነፈርትን ክጥቀም ከም ዝኽእል ይፍትሽ ኣሎ ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ምስ ኢራን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሑ ከም ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ብሰሉስ ሓቢሩ ።
ሰራዊት ኣመሪካ ነቲ ዕማም ከም "መሐለውታ" መደብ ገይሩ ክገልጾ ከሎ ፡ ካብቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ወደብ ያኑቡ ንሻምብቆታት ነዳዲ ዝኸውን ወሳኒ ተርሚናል ዝዀነ ወደብ ፡ ድሮ ምርጋፍን ምልኣኽን ከም ዝፈተነ ተገሊጹ ።
ወደብ ያንቡ ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ጣቡቕን ጣይፍን ዝርከብ ናይ ኣየር መደበራት ፡ ንወተሃደራት ኣመሪካ ዝያዳ ኣማራጺታት እንተኾነኳ ፡ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ብዝተፈነወ ነተጕቲ መጥቃዕቲ ጃልባን ዝያዳ መጥቃዕቲ ዝካየደሉ ወሳኒ ማያዊ መስመር እዩ ።
ይኹን እምበር ፡ እቲ ምልክታ ዝመጽእ ዘሎ ፡ ቅትለት ናይቲ ኣብ 2018 ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ኣዳላዊ ዓምዲ ዝነበረ ጀማል ካሾጊን መንግስቲ ሱዕድያ፡ ኣብ የመን ዝቕጸል ዘሎ ኲናትን ኣብ መጀመርታ መዓልትታት ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ስዑዲ-ኣመሪካ ዝነበሮ ርክብ ሓርፊፉ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንዩ ። ሰራዊት ኣመሪካ ኣብታ ብሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀነት ቅድስቲ ከተማ መካ ዝዀነት መንግስቲ ምስዝኣቱ ፡ ካብ መንጎ እቶም ጥሩፋት ቊጥዐ ከምዘልዕል ተገሊጹ ኣሎ።
ኣፈኛ ማእከላይ ትእዛዝሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝዀነ ካፕቴንቢል ኡርባን ከምዝገለጾ፡ ኣብ መስከረም 2019 ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ነዳዲ ስዑዲ ፡ ከቢድ ነፈርትን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ወደብን እቲ ከባብን ከም መዓስከር ኣብጥቕሚ ንምውዓል ንልዕሊ ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝጸንሐ እዩ ኢሉ።
ሓላፊ ማእከላይ ትእዛዝ ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጀን ፍራንክ ማከንዚ ብሰኑይ ናብ ያንቡ በጺሑ ነይሩ ። ሰበ-ስልጣን ስዑዲ-ዓረብ ፡ ሰሉስ ርእይቶኦም ክህቡ ሓቲቶም ፡ ምላሽ ግና ኣይሃቡን ።