ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ትሓስብ ኣላ ፡ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ብሰኑይ ንሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ኣመሪካ ንወደባት ኢራን ምዕጋት ደው ከተብሎ ፓኪስታን ድሕሪ ዝገበረቶ ጻዕሪ እዩ።
ኢራን ኣብቲ ዘተ ንተሳትፎኣ "ብጽቡቕ ትምርምሮ" ከም ዘላ ፡ ካብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝወጸ ንምስታፍ ዝምልከት ሓሳባት ብምቕያር ፡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ገሊጻ ኣላ ።
ይኹን እምበር ፡ እቲ በዓል ስልጣን ፡ ዉዱእ ውሳነ ከም ዘይተገብረ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ኢራናዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣባስ ኣራግቺ ድማ ፡ "ብኣመሪካ ብቐጻሊ ዝግበር ምግሃስ ናይ ምቁራጽ ኲናት" ፡ ነቲ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ ንኸይቅጽል ዓቢ ዕንቅፋት ምዃኑ ገሊጹ ።
አርጋቺ ንፓኪስታናዊ መዘናኡ ኢስሓቅ ዳር ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ ፡ ኢራን ንዅሉ መዳያት እቲ ጕዳይ ኣብ ግምት እናኣእተወት ፡ ብኸመይ ብዝያዳ ከም እትቕጽሎ ገና ክትውስን ከም ዘለዋ ሓቢርዎ ።
እቲ ንኣሽሓት ሰባት ዝቐተለን ንቝጠባ ዓለም ብፍላይ ከኣ ንዕዳጋታት ጸዓት ሰንከልከል ዘበለ ኲናት ንክልተ ሰሙን ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሰሙን እዩ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ከብቅዕ ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ዕዳጋታት ስቶክማርኬት ዉድቀትን ካልእ ተወሳኺ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ካልእ ተወሳኺ ወሰኽ ዋጋን ከይህሉ ነዚ ዘተ ክግበር ደልይዎ እዩ ዘሎ ።
ዝቕጽል ዘሎ ዕግታ
እቲ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ኣመሪካ ንሓንቲ ናይ ኢራን ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ምዕጋታን ነቲ ዕግታ ክትቅጽሎ ምዃና ድሕሪ ምግላጻን ኢራን ድማ ሕነ ከምትፈዲ ምስ ኣፍለጠት እያ።
ሓደ ፓኪስታናዊ ምንጪ ጸጥታ ፡ ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ዝብሃል ፓኪስታናዊ ፡ ንትራምፕ እቲ መዕገቲ ዘተ ከይግበር ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ከም ዝነገሮ ፡ ትራምፕ ድማ ነቲ ምዕጋት ከቋርጾ ከም ዝደሊ ቃል ከም ዝኣተወ ገሊጹ ።
ኣመሪካ ፡ እቲ ግዜ ናይ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ቅድሚ እካሉ ፡ ኣብ ፓኪስታን ዘተ ክትጅምር እያ ትጽበ ነይራ ።
ይኹን እምበር ፡ ኢራናዊ ፕረዚደንት ማሱድ ፐዜሽኪያን ፡ "ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ዘይቅኑዕን ንሓድሕዱ ዝጋጮን መልእኽቲ የመሓላልፉ ፣ ኢራን ኢዳ ክትህብ ይደልዩ ኣለዉ" በለ ።
ወሲኹ እውን ፡ "ኢራናውያን ብሓይሊ ኣይግዝኡን እዮም" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ጽሒፉ ።
እቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ዘብቅዓሉ ግዜ
ትራምፕ ነቲ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ስምምዕ ምቁራጽ ውግእ ምስ ኢራን ብ7 ሚያዝያ ከም ዘብቅዕ ድሕሪ ምግላጹ ፡ መዓስ ከም ዘብቅዕ ብንጹር ኣይገለጸን ።
ሓደ ኣብቲ ዝርርብ ዝሳተፍ ፓኪስታናዊ ምንጪ ከም ዝሓበሮ ኃሙስ ሰዓት 10 ምሸት እዩ ዝዉዳእ ፣ እዚ ድማ ኃሙስ ኣብ ኢራን 3: 30 ንግሆ እዩ ዝኸውን ዘሎ ።
ኣመሪካ ነቲ ንይ ኢራን ወደባትዓጽያቶ እያ ዘላ ፡ ኢራን ነቲ ምዕጋት ደው ኣቢላቶ ድሕሪ ምጽናሕ መሊሳ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ ።
ነጋዶ እቲ ስምምዕ ከይፈርስ ስለ ዝፈርሑ ዋጋ ነዳዲ ብከባቢ 5 ሚእታዊ ወሲኹ ። ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝነበራ መራኽብ ደው ክብላ ተገዲደን። ብመሰረት ሃበሬታ ጉዕዞ መራኽብ ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓት ፡ ሰለስተ መራኽብ ጥራይ ክሓልፋ ከምዝከኣላ ይሕብር ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

