ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነታ ንግስነት ብቴክኖሎጂ ኣመሪካ ንምህናጽን ንምህብታምን ዩራንየም ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣገዳሲ ስምምዕ ከቲሙ ኣሎ ።
እቲ ብሓሙስ ዝተኸተመ ስምምዕ ፣ ን30 ዓመታት ዝጸንሕ ክኸውን ትጽቢት ከምዝግበርን ፣ ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንግዳዊ ትካላት ጸዓት ከካይዳ ከምዘኽእለንን ተሓቢሩ ኣሎ።
ካብ ኣመሪካ እኹል ሓለዋ ከም ዝግበረሉ መረጋገጺ እኳ እንተ ተዋህበ ክኢላታት ግና ፡ እቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናብ ብዙሓት ሃገራት ከይዝርጋሕን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከይኽዘንን ስግት ፈጢሩ። በዚ ድማ እቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናብ ብዙሓት ሃገራት ከም ዝዝርጋሕን ከም ዝድልድልን ዘመልክት እዩ ።
እዚ ስምምዕ እዚ ፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ውግእ ፡ ኣመሪካ ንኑክሌሳዊ መደብ ኢራን ከም ዘተሓሳሰባ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን እዩ ዝግበር ዘሎ ፣ እዚ ከኣ ኣብዚ ሕጂ ዝርርብ ሰላም ደው ኢሉ'ሉ ዘሎ እዋን ዝካየድ ዘሎን ፡ ቀንዲ መሰሓሓቢ ነጥቢ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ ጕዳይ እዩ ።
እቲ ስምምዕ እንታይ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ?
ክልተ ስምምዕ እዩ ተፈሪሙ ዘሎ ፣ ሓደ ካብቲ ስምምዕ "ሰላማዊ ኑክልየሳዊ ምትሕብባር" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ "ክልተኣኣዊ ምክልኻል" ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ።
ብክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ መግለጺ ብምጽባይ ጽሑፍ ናይቲ ስምምዕ ብኡንብኡ ናብ ህዝቢ ኣይቀረበን ።
"ናይ ኣመሪካ ጸሓፊ ጸዓት ክሪስ ራይትን ናይ ስዑዲ ሚኒስተር ጸዓት ንጉሳዊ ልዕልነቱ (HRH) ልኡል ዓብዱልዓዚዝ ቢን ሳልማንን ምስ ናይ ክልትኣዊ ሓለዋ ስምምዕ ብምስምማዕ ብ 123 ዝፍለጥ ሰላማዊ ናይ ኑክሌር ምትሕብባር ስምምዕ ከቲሞም" ይብል ።
"እዚ ክልተ ውዕላት እዚ ፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፡ ብዙሕ ቢልዮን ዶላር ዘውጽእ ፡ ምዕባለ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ፡ቊጠባውን ስትራተጅያውን ዕላማታት ዘደንፍዕ ሕጋዊ መሰረት ዘንጽፍ እዩ ።"
እቲ ደፓርትመንት ከምዝበሎ ፡ እቲ ዉዕል "ኢንዱስትሪ ኣመሪካ ፡ ሰራሕተኛታት ፡ ሰንሰለት ቀረብ ዝጠቅም፡" ከምኡውን "ንስዑዲ ዘድሊ ጸዓት ንምምላእ" ክሕግዝ እዩ ።
ናብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምምዕባል ከምርሕ ዝኽእል መገዲ
እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ነጥቢ ፡ እቲ ዉዕል፡ ስዑዲ ዓረብ ዩራንየም ኸተሀብትምን ኑክልየሳዊ ጎሓፍ ዳግም ክትምስርሕ ከኽእላ እዩ ፣ ክልቲኡ ከኣ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (UAE) ብ2009 ምስ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ውዕል ምስ ፈረመት ንኽልቲኦም'ዚኣቶም ክትሓድጎም ተሰማሚዓ ኔራ እያ ።
ምስ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ሲቪላዊ ኑክልየሳዊ ዉዕል ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዝርርብ ጸኒሑ እዩ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ምምሕዳር ትራምፕን ጆ ባይደንን እዩ ነይሩ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ኣይተበጽሐን ነይሩ ፣ ገለ ካብቲ ከይስጉም ዝገበሮ እተን ካብ ተጣበቕቲ ጕጅለታት (nonproliferation ) ዝህብዎ መጠንቀቕታታት ፡ ማለት ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ስዑዲ ዓረብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እተማዕብለሉ መገዲ ክፈጥር'ዩ ዝብል ስክፍታ ብምብዝሑ እዩ።
እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ዉዕል ፡ ከም መደብ ናይ ባይደን ዘይኰነስ ፡ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ወኪል ኣቶማዊ ጸዓት መርመራታት ክገብር ዘኽእሎ ፡ 'ተወሳኺ ፕሮቶኮል "ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ኣየጠቓልልን እዩ ።
ራይት ግና እቲ ስምምዕ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ እዩ ይብል፥-
"መረጋገጺ ክንህበሉ ንደሊ: እዚ ውዕላት እዚ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተዳልዩ ዘሎ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ኑክልየሳዊ ቴክኖሎጂን ስነ-ፍልጠተኛታትን ዝምርኰስ ኮይኑ: እቲ ዝለዓለ መዐቀኒታት ግን ንኑክልየሳዊ ድሕንነትን ካብ ሓደጋ ናጻ ዝኾነን እዩ" በለ ።
ልኡል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ፡ እታ ንግስነት ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትሃንጽ ከም ዘይትደሊ ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ ፣ ኢራን እንተ ገይራ ግና ፡ እቲ እናዛየደ ዝኸይድ ኣጽዋር ከሰክፍ እዩ ።
ራፊቕ ሓሪሪ ካብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ማእከል ካውንስል ኣትላንቲክ ፡ እቲ ስምምዕ ቅድሚ ውግእ ኢራን ኣብ ስራሕ ከም ዝነበረ እኳ እንተ ገለጸት ፡ እቲ ውግእ ፖለቲካዊ ህጹጽነት ከም ዝወሰኸ ምግባሩ ግና ገሊጻ ።
"ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሓያሎ መሻርኽትን ዝበልጽ ውዕል ዘለዎ 123 ስምምዓት ብምኽታማ ፡ ዋላ እውን ካብተን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ሃገራት እንተ ዘይኰነት ፡ ከም ቀንዲ ዓለምለኻዊት ተጻዋቲት ምዃና እያ እተመልክት" በለት ።
ኪኢላታት ብዛዕባ'ዚ ዝተሓሳስቦም ዘሎ ንምንታይ'ዩ፧
ክፍሊ ጸዓት ፡ ሕጂ እቲ ዉዕል ናብ ኮንግረስ ኣመሪካ ከምዘምረሐ ሓቢሩ ኣሎ ።
ኮንግረስ ነቲ ዉዕል ኣብ ውሽጢ 90 መዓልትታት ዝቃወም ድምጺ እንተ ዘየበጊሱ ፡ ብኡንብኡ ኣብ ተአግባር ክውዕል እዩ ፣ ንፕረዚደንታዊ ዉሳነ ደው ንምባል ድማ ፡ ክልተ ሲሶ ዝኸውን ድምጺ ክርከብ ኣለዎ።
ገለ ክኢላታት ኑክልየስ ፡ ኮንግረስ ነቲ ዉዕል ደው ከብሎ ጸዊዖም እዮም ።
ኣብ ማሕበር ምቁጽጻር ኣጽዋር ኣመሪካ ዳይረክተር ፖሊሲ ምንካይ ኑክሌር ኬልሰይ ዳቪንፖር ፡ "ኵሎም ኣባላት ኮንግረስ ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ተገንዚቦም ፡ ነቲ ትራምፕ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘቕረቦ እማመ ንኺነጽግዎ ወይ ኬመሓይሽዎ ንምሕጸን" በለ ።
ኣብ ናይ ምክልኻል ቀዳምነታት ዳይረክተር ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕ ሮዝሜሪ ኸላኒክ ፡ "ንስዑዲ ዓረብ ዩራንየም ዘሀብትም ቴክኖሎጂ ምሃብ ማለት ፡ ብብዙሓት ምኽንያታት ኣዝዩ ሓደገኛ ሓሳብ እዩ" ኢላ።
ንሳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤክስ ፡ "ብፍላይ ኣብ ማእከል ብምኽንያት እቲ ኢራን እተካይዶ ንኑክልየሳዊ መደብ ዝግበር ዘሎ ውግእ ፡ እዚ ስምምዕ ምግባር ዝገደደ እዩ ዝገብሮ" ኢላ ጸሓፈት ።
ማቲው ክሮኒንግ ካብ ኣትላንቲክ ካውንስል ብወገኑ፡ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ መግለጺ ፡ "ንስዑዲ ዓረብ ፡ ነቲ ናይ ኑክሌስ ክእለት ምፍቃዳ ጌጋ እዩ" በለ ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ዋሽንግተን ምስ ሪያድ ዘለዋ ርክብ ከተደልድል ሓቃ እያ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ነቲ ምስ ርያድ ዘለዋ ስምምዕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብዋጋ ቲ ዝጸንሓ ኑክሌሳዊ ክልከላ ግን ክኸውን የብሉን" በለ ።
ቅድሚ እቲ መግለጺ ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ፡ ኣመሪካ ነቲ ዘሎ ዉዕል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ "ምስ ዝዀነት ኣብ ዓለም ዘላ ሃገር ኣብ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ከም ዘይግበር" ገሊጹ ኔሩ ።
ኣባል ሪፓብሊካን ዝዀነ ሰኔተር ጂም ሪሽች ፡ እቲ ስምምዕንኽልቲአን ሃገራት ዝጠቅም እዩ ብምባል ምስቲ ንጉሳዊ ልዑል ከም ዝሰማማዕ ገሊጹ ፣ ።
እንተዀነ ግን ፡ ሓያሎ ዲሞክራስያውያን ፖለቲከኛታት ፡ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ፡ እቲ ዉዕል ምግባር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅድድም ኣጽዋር ክጅምር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም እዮም ።
ኣባል ሰልፊ ዲሞክራትስ ኤድዋርድ ማርኪ ፡ "እታ ጨቋኒትን መላኺትን ሃገር ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ፡ ኢራናውያን ኑክሌሳዊ ቦምብ ንኸየዕጥቑ ብዝብል ምኽንያት ምስ ኢራን ኲናት ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ፡ ቴክኖሎጂ ኑክሌር ከተማዕብል ኣፍቂዶምላ ኣለዉ" ኢሉ ።
"እዚ ስጕምቲ እዚ ንዅላትና ቅሳነት ከም እንስእን ዝገብረና እዩ።"
ዴሞክራትስ ብራድ ሸርማን ብወገኑ፡ ኮንግረስ ነቲ ዉዕል ከጽድቖ ዘለዎ ፡ ከምቲ "ወርቃዊ-መለክዒ" ኣምሪካ ካብ UAE ዝከላኸል ምስዝኸውን ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ፡" ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኑክልየሳዊ ምዕሩይነት ንኸይምዕብል ኲናት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ፡ ረብሓ ኩባንያታት ኣመሪካ ንምውሓስ ኢሉ ጥራይ ነዚ ከፍቅድ ኣይግባእን "ኢሉ ።
— With additional reporting by Reuters and Agence France-Presse.
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

