SKIP TO MAIN CONTENT

ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ መስርሕ ዘተ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ደቡብ አፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ዩናይትድ ስቴትስ ብግቡእ ትከታተሎ ከምዘላ’ውን ኣፍሊጡ።

Abiy Ahmed, Ethiopia's prime minister.
U.S. Secretary of State Antony Blinken (L) and Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed (R). Source: Getty

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ አንቶኒ ብሊንከን ኣብ 25 ጥቅምቲ 2022 ብስም ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃገሩ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ አፍሪካ ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ብጽቡቕ ከምትምልከቶ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፤ እቶም ጉጅለታት ኣብዝርርቦም ነቲ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ትኹረት ክገብሩን እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣድላይነት ቀዳማይ ጉዳይ ኮይኑ ከምዝስራዕን ነዚ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝድግፍን ኣፍሊጡ።

እቶም ልኡኻት ሰላም ሰብኣዊ ረዲኤት ንዘድልዮም ኩሎም ወገናት ብዘይገደብ ረዲኤት ክበጽሖም ናይ ሰላማዊ ሰባት ድሕነት ዘስርሑ ቅትዕታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉን ሰራዊ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክወጽእ ጻዊዒት ከቕርብ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ሚስተር ብሊንከን ን ኣተኣናጋዲት ሃገር ደቡብ አፍሪካ ን ናይ ሕብረት አፍሪካ ላዕለዋይ ወኪል ኦባሳንጆ፣ ንናይ ቀደም ናይ ደቡብ አፍሪካ ምክትል ፕሬዚደንት ምላምቦ-ንጉካ ከም ኡውን ንናይ ቀደም ናይ ኬንያ ፕሬዚደንት ኬንያታ ንዝገብርዎ ዘለዉ ሽምግልና ኣመስጊኑ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now