ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ድሮናት ክተዋፍር ምግላጻ ስዒቡ ፤ ኢራን’ውን ኣብቲ ከባቢ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ከተዋፍር ከም ዝወጠነት ይግለጽ ኣሎ።

ምኽትል ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ብዛዕባ ዚ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፤ ካብ ወሽመጥ ዓደን ጀሚሩ፤ ንምሉእ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ግብጺ መትረብ ስዊዝ ፤ ንዝካየድ ናይ ባሕሪ ንጥፈታት ክከታተላን ሓበሬታ ክህባን ከምዝኾና ተዛሪቦም።

Red Sea

Source: AAP

ብምትእትታው ሩስያን ቻይናን ምንቅስቓስ ኢራንን ዝሰግአት ኣሜሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ 100 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንስለያ ከም ተዋፍር ከም ዝሓሰበት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ።

ሩስያን ቻይናን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ብቅልውላው ይሕመስ ኣብ ዘለሉ እዋን ምስ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ሓደስቲ ውዕልታት ልኽትማ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ሩስያ ኣብዚ እዋን ንዩክሬን ወሪራ ኣብ ዘላ ጊዜ መራሕቲ ሰራዊት ሱዳን ናብ ሩስያ ብምኻድ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝርከቦም ውዕላት ፈሪሞም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ጉጅለ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ብምግባር ዝተፈላለዩ ስምምዓት ዝፈረመ ኮይኑ ፤ ኢትዮጵያ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብስቕታ ሓሊፋቶ እያ።

ብዝሓለፈ እዋን ድማ ካብ ሩስያ ዝተልኣኸ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ኣብ ሃገራዊን፣ ዞባውን ኣህጉራውን ዛዕባታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ። በዚ ከኣ ኤርትራ  ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ደጊፋቶ ኣላ።

ቻይና ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዲባ ነቲ ዘሎ ምዕባለ ብቐረባ ክትከታተሎ ከም ዝወጠነት ይዝከር።

በዚ ምትእትታው ሩስያን ቻይናን ምንቅስቓስ ኢራንን  ዝሰግአት ኣሜሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ 100 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንስለያ ክተዋፍር ምንቅስቓስ ከም ዝጀመረት ሓቢራ ኣላ።

ምኽትል ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ብዛዕባ ዚ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፤ ካብ ወሽመጥ ዓደን ጀሚሩ፤ ንምሉእ ቀይሕ ባሕሪ  ክሳብ ግብጺ መትረብ ስዊዝ ፤ ንዝካየድ ናይ ባሕሪ ንጥፈታት ክከታተላን ሓበሬታ ክህባን ከምዝኾና ተዛሪቦም።

ቀንዲ ዕላማ’ተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስለያ ፤ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ንዝካየድ ንግዳዊ መስመር  ነዳዲ ንምክትታል ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።

እንተዀነ ምትእትታው ሩስያን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ኣብ መንጎ ኢራንን ሃገራት ምዕራብን ዝተኻየደ ኒዩክሌራዊ ዘተ፤ ብዘይፍረ ምብታኑ፤ ኣብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ሻቕሎት ስለዝፈጠረ ምዃኑ ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ኣሜሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስለያ፣ ስሉጥን ጽጹይን ሓበሬታ ብምእካብ፤ ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ከም ዝተዳለወ ዝገለጸ ኮይኑ እቲ ወፍሪ ኣብ ባሕሬን ካብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ከም ዝእዘዝን ዝመጽእ ክረምቲ  2023  ከም ዝጅምርን ተገሊጹ ኣሎ።

 ኢራን ብግዲኣ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሰለስተ ናይ ኲናት መራኽብ ከም እተዋፍር ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣፍሊጣ ላ።

ኢራናዊ ሻህራም ኢራኒ ንማዕከናት ሓበሬታ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፣ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ከም ዝዋፈራ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ መደብ ንምዕዋት ምስ  ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ወነንቲ ዶብ ዝኾና ሃገራት ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ እዮም ገሊጾም። እንተኾነ መንነት ናይተን ሃገራት ዝርርብ ዝግበረለን ዘሎ ሃገራት ኣየነጸሩን።

ኢራን ክተዋፍረን ትሓስብ ዘላ መራኽብ ኲናት ደና፣ ባንዳር፣ ቱንብ ዝበሃላ እየን። ልእክቶአን ከኣ ምስ ልእኽቶ እተን ብኣሜሪካ ዝዋፈራ ድሮናት ዝመሳሰል እዩ ተባሂሉ። ኢራን ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንእተካይዶ ናይ ነዳዲ ምጉዕዓዝ ኣብ ምሕላው ከምዝዋፈራ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምስ ቅልውላው ጸጥታ ናይቲ ዞባ ዓይኒ ዓለም ዝወድቀሉ ዘሎ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ሃገራት ረብሐአን ከሐልዋ ካብቲ ካልእ እዋን ብዝበለጸ ፍሉይ ቆላሕታ ክህብኦ ዝጀመራ ኮይነን ኢትዮጵያ ውን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ረብሓ ክተሐሉ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ጀሚራ ትሰርሓሉ ከም ዘላ ምግላጻ ይዝከር።

ኣብቲ ከባቢ ኣሜሪካን ኤውሮጳን፣ ኣንጻር ኢራን፣ ሩስያን ቻይናን ዝብርኦ ወተሃደራዊ ንሕንሕ ዝገድድ እንተደኣ ኮይኑ ፤ ነቲ ድሮ ብቅልውላው ዝሕመስ ዘሎ ህዝቢ ናይዚ ዞባ ካልእ መከራ ዝወልደሉ ከይከውን ስግኣታት ይረኣዩ ኣለዉ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ድሮናት ክተዋፍር ምግላጻ ስዒቡ ፤ ኢራን’ውን ኣብቲ ከባቢ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ከተዋፍር ከም ዝወጠነት ይግለጽ ኣሎ። | SBS Tigrinya