SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ የሩሳሌም ኣብ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ብዝተፈጸመ ዕግርግር ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓርቢ ረመዳን ፡ 42 ሰባት ቆሲሎም።

ኣብታ ናይ ሙስሊም ቅድስቲ ወርሒ ረመዳን ፡ ኣብ መወዳእታ ዓርቢ ፡ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ህውከትን ዕግርግርን 42 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ ኣሎ ።

Violence at Jerusalem's Al-Aqsa
The Al-Aqsa mosque in Jerusalem, where thousands typically attend the main weekly prayers. Source: AAP

3 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ቀጽሪ መስጊድ ኣል-ኣቕሳ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ድሕሪ ዝተላዕለ ሓድሽ ግጭት 42 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ፡ እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ኣብቲ ቀንዲ መለዓሊ ግጭት ዝኾነ ቦታ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ፡ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ሓቢሩ ።

ኣብታ ናይ ሙስሊም ቅድስቲ ወርሒ ረመዳን ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓርቢ እዩ እዚ ዕግርግር ዝኰነ ። እቲ መጕዳእቲ ከቢድ ከምዘይነበረ ፡ ዝገለጸ ቀይሕ ወርሒ ፡ 22 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከም እተወስዱ ሓበሩ ።

ፖሊስ እስራኤል ከምዝሓበሮ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ቀጽሪ ዝኣተው "ናዕበኛታት" ኣእማንን ርችትታትን ድሕሪ ምድርባይ ፡ እንተላይ ናብ ምዕራባዊ መንደቕ ፡ ማለት ናብቲ ኣብ ትሕቲ ኣል-ኣቓሳ ዝርከብ ቅዱስ ናይ ኣይሁድ ዳርባ እምኒን ርችትን ድሕሪ ምስንዳዎም እዩ ።

እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ነቲ ዘይምርግጋእ ንምቁጽጻር ፡ "መሳርሒ ናዕቢ ንምብታን" ተጠቒሞም እዮም ። መሰኻኽር ን ናይ AFP ጋዜጠኛታት ከምዝሓበርዎ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ናይ ጎማ ጠያይትን ተኩሶም ።

ፖሊስ ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፡ ክልተ እምኒ ብምድርባይ ፡ ሓደ ድማ "ነቲ ዕግርግር ኣብ ምልዕዓል ዝተዋፈረ" ከም እተታሕዙ ገሊጹ ኣሎ ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሰዓት ፡ እቲ ቦታ ጸጥ ኢሉ ከም ዝነበረን ፡ ኣምለኽቲ (ሙስሊም) ድማ ብደሓን ይኣትዉ ከም ዘለዉን ፖሊስ ገሊጹ" ሎ ።

እንተዀነ ግን: ኣብታ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም እትርከብ ብእስራኤል እተመሓደረት ናይ ጥንቲ ከተማ የሩሳሌም: ውጥረት ሰፊኑ ነይሩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ፡ ኣስታት 300 ፍልስጤማውያን ኣብ ቀጽሪ ኣል-ኣቓሳ ኣብ እተገብረ ግጭት ፡ ሳልሳይ ቅዱስ ዝዀነ ቦታ ፡ ማለት ከረን ኢሎም ዝጽውዕዋ ኣይሁድ ዝነብሩላ ቤተ መቕደስ እያ ።

እስራኤላውያን ኣብ ግዜ ረመዳን ናብቲ ቦታ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምትእትታው ፡ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ እኳ እንተ ነበረ ፡ መንግስቲ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣብ መላእ የሩሳሌም ዘይምርግጋእ ክፍጠር ዝደልዩ ዝነበሩ ጕጅለታት ሓማስን እስላማዊ ጂሃድን ንምጽራይ ስጕምቲ ክትወስድ ከም እተገደደት እያ እትገልጽ ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያኢር ላፒድ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ዝበሎ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ፡ መንግስቲ ኣብቲ ቀጽሪ ዝግበር ንጥፈታት ከም ቀደሙ ክቕጽል ፡ እዚ ከኣ ነቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ እቲ ስፍራ ንኣመንቲ ምስልምና ጥራይ ኽጽልዩ ከም እተፈቕደሎም ዘመልክት ምዃኑ ኣጕሊሑ ኣሎ ።

ኣይሁድ ናብ ከረን ቤተ መቕደስ ክበጽሑ ይፍቀደሎምዩ ።

ይኹን እምበር ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና ፡ በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተራእየ በጻሕቲ ኣይሁድ ዝገብርዎ ምትእትታው ተቘጢዖም / ገሊኦም ሰባት ፡ እስራኤል ነቲ ቀጽሪ መቓቒላ ኣይሁድ ዜምልኹሉ ቦታ ኽትፈጥር ትጽዕር ከም ዘላ ፍርሒ ተሰሚዕዎም ኣሎ ። ላፒድ ንጋዜጠኛታት ከምዚ ዝበለ መደብ ከም ዘየለ'ዩ ነጊርዎም ።

እዚ ሓድሽ ዘይምርግጋእ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ረመዳን ጾም እዩ ።

እቲ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ምብራቕ የሩሳሌም ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ዓመጽ ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓማስን እተገብረ ን11 መዓልቲ ዝቐጸለ ውግእ ዝመሳሰል ካልእ ውግእ ኸይለዓል ስግኣት ኣሕዲሩ እዩ ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል ድሕሪ ዝተተኮሰ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ እስራኤል ግብረ መልሲ ሂባትሉ እያ። ይኹን እምበር ኣብ ክልቲኡ ወገን መጉዳእቲ ከምዝወረደ ጸብጻብ የለን ።

እዚ ኣብ ኣል-ኣቅሳ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግር ድሕር'ቲ ካብ 22 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ምዕራባዊ ባንክን ብ እስራኤል ተጎቢጡ ኣብዘሎ ቦታታት ዝነበረ ዕግርግር ስዒቡ እዩ ። ኣብቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝተኻየደ ኣርባዕተ ግጭታት ፡ ሓደ ዓረብ እስራኤላዊ ኣባል ፖሊስን ዝርከብዎም ዓሰርተው ክልተ እስራኤላውያንን ክልተ ዩክሬናውያንን ተቐቲሎም እዮም ። ክልተ ካብቲ ኣብ ከባቢ ቴልኣቪቭ ብፍልስጤማውያን እተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕትታት እዩ ።

ኣብቲ እዋን እቲ ፡ 26 ፍልስጤማውያንን ሰለስተ ኣዕራብ እስራኤልን ከምዝሞቱ ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ ንጥፈታት ዌስት ባንክ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙን ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል እተቐትሉን ምዃኖም ተፈሊጡ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now