ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ 2019 ኣብ ዉሃን ቻይና ካብዝኽሰተሉ እዋን ኣትሒዙ ዛጊት በዚ ቫይረስ ልዕሊ 300,000 ዝተለኽፉን ልዕሊ 12,000 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮይኖም ልዕሊ 90,000 ካብቲ ሕማም ሓውዮም ኣለዉ።
ዉድብ ትካል ጥዕና ዓለም 1.5 ሚሊዮን ናይ ላቦራቶሪ መርመራ ኣብ መላእ ዓለም ጌሩ’ኳ እንተኾነ 80 ግዜ ናይቲ ተጌሩ ዘሎ መርመራ ገና የድሊ ኣሎ።
በዚ ቫይረስ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ዓበይቲ ሰባት ምዃኖም ተባሂሉ ዝእመን እንተኾነኳ እቲ ዓለማዊ ዉድብ ጥዕና ግና መንእሰያትውን ክዘናግዑ የብሎምን ኢሉ።
ዳይረክተር ጀነራል ዓለማዊ ዉድብ ጥዕና ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ከምዝገለጾ መንእሰያት ካብዚ ሕማም ሓራ ኣይኮኑን።
"ሎሚ ንመንእሰያት መልእኽቲ ኣለኒ። ንስኻትኩም ካብዚ ዉጿት ሓራ ኣይኮንኩምን። በዚ ቫይረስ ንሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ክትጸንሑ ወይውን ክትሞቱ ትኽእሉ ኢኹ። እንተዘይሓመምኩምኳ ናበይ ከምትኸዱ ትገብርዎ ምርጫ ንገሌኹም ፍልልይ ናይ ሞትን ህይወትን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ኣውሮጳ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ቁጽሪ ህዝቢ ይተዓጻጸፍ እዩ ዘሎ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጥልያን በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ናይ ቻይና ቁጽሪ በዚሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ጥልያን 793 ሰባት በዚ ቫይረስ ብምማቶም ቁጽሪ ምውታት ኣብታ ሃገር ናብ ኣስታት 5,000 ተጸጊዑ ኣሎ።
ኣብ ስጳኛ በዚ ቫይረስ ልዕሊ 25,000 ሰባት ተለኺፎም ልዕሊ 1,300 ሰባት ድማ ሂወቶም ሲኢኖም በዚ ድማ ስጳኛ ኣብ ኣውሮጳ በዚ ቫይረስ ተጠቒዓ ዘላ ካልኣይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።
ኣብ ማድሪድ ዝርከብ ዓቢ ማእከል ኮንፈረንስ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ንምቕያር መደብ ወጺኡ ኣሎ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ኩሎም ባራት፥ ትያትራት፡ ሲነማታት፡ ናይ ስፖርት ማእከላት ክዕጸዉ ዝ ኣዘዘ ኮይኑ ንሰራሕተኛታት ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ብብዝሒ ህዝቢ ካል ኣይቲ ከተማ ጀርመን ዝኾነት ባቫርያ ከምትዕጾ ተጌሩ ኣሎ።
ናይ ባቫርያ ፕሪሜር, Markus Soder, ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መንእሰያት ነዚ ኩነታት ብዕቱብ ይሕዝዎ ስለዘየለዉ ፍርሑ ገሊጹ ኣሎ።
"ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኻልእ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ግና ትማሊ ፖሊስ ብዘውጽ ኦ ሃበሬታ መሰረት ብዙሓት ዜጋታት ነዚ ንምግባር ኣይተለዓዓሉን ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት ግቡእ ባህርይ የርእዩ ኣንተለዉኳ ካል ኦት ግና ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ኣይሓዝዎን ዘለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ኤሽያ፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ኢንዶነዥያዊያን ይበዝሕ ኣሎ።
ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዓለም ራብዓይቲ ዝኾነት ኢንዶነዥያ መንግስቲ ድንጉይ ግብረመልሲ ብምሃቡ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ናይቲ ለበዳ ተሸፊኑ ከምዝጸንሐ ኪኢላታት ጥዕና ይወቕሱ ኣለዉ።
ኣብ ዉሽጢ 3 ሰሙን እቲ ናይ ፈለማ ሕሙም ኮረናቫይረስ ምስተገልጸ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ልዕሊ 450 ሰባት ተለኺፎም 38 ሰባት ድማ ህይወቶም ሲኢኖም ኣለዉ። ኣብ ዋና ክተማ ጃካርታ ድማ ብዓርቢ 20 መጋቢት ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ትሑት ስርዓተ ክንክን ጥዕና እታ 260 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዉዋ ኢንዶነዥያ ነዚ ሕማም ተቓሊዓ ትርከብ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ካሊፎርኒያ ን40 ሚሊዮን ህዝባ ኣብ ገዛ ክዕጸዉ ዝ ኣዘአት ኮይና ኒው ዮርክ ውን ኣዚዮም ኣድለይቲ ዘይኮኑ ስራሓት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ኣሚማ ኣላ።
ኣመሪካ ኣብ ዶብ መክሲኮ ዝግበር ኣድላዪ ዘይኮነ ጉዕዞ ደው ክብል ምስ መንግስቲ መክሲኮ ይሰርሕ ከምዘሎ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
ምስ ካናዳ ዘሎ ናይ ሰሜን ዶብ ን ኣድለይቲ ዘኮኑ ጉዕዞታት ድሮ ተዓጽዩ ኣሎ።
ሚስተር ትራምፕ ከምዝገለጾ ሰለስቲኤን ሃገራት ይተሓባባራ ኣለዋ።
"ዝምድናታት ከምዚሕጂ ዝሓሸ ኮይኑ ኣይፈልጥንዩ። ንሓደ ዕላማ ሓቢርና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ናይ ሃገርን ላዕለዎት ሰብመዚ ጥዕና ብዛዕባዚ ቀታሊ ኣብ ህዝባዊ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ኣተሓሳሲብዎምዩ ዘሎ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮሮና ቫይረስ ከየስፋሕፍሕ መሳጊድ ተዓጽዮም ኣለዉ።
ቡርኪናፋሶ መሳጊዳ ዝዓጸወት ሃገር ኮይና ኣብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ኣብ ሌጎስ ልዕሊ 50 ሰባት ምእካብ ተኣጊዱ ኣሎ።
ኣስላም ሰኔጋል ኣብ ገዝ ኦም ኮይኖም ዱዓ ክገብሩ ተኣዚዞም ኣለዉ።
እዚ ቫይረስ ካብ ኤሽያን ኣውሮጳን ብቕልጡፍ ክስፋሕፋሕ ከሎ ኣብ ኣፍሪቃ ግና ብትሑት ደረጃ እዩ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ። ዛጊት 36 ሃገራት ኣፍሪቃ ብድምር 700 በዚ ቫይረስ ከምተለኽፍወን ገሊጸን ኣለዋ።
ኢትዮጵያ 9 ሰባት፡ ሱዳን 2 ከምኡውን ሶማሊያን ኤርትራን ነፍሲ ወከፈን ሓሓደ ሰብ፡ በዚ ቫይረስ ከምተለኽፍወን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
