ዝበዝሑ ኣመልከትቲ ቪዛ ንወለዲ ነዊሕ ትጽቢት የጋጥሞም። መመልከቲ ቪዛ ንወለዲ ኣብ ኣውስትራልያ ክጸድቕ ካብ 2 ክሳብ 30 ዓመታት ክወስደሉ ይኽእል’ዩ። ክልተ ዓይነት መደባት ቪዛ ንወለዲ ኣለው፡ ዘይተበርክተሉን non-contributoryን እተበርክተሉን contributoryን። Non-contributory ቪዛ ንንኡስ መደባት ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዘውህቡ ቪዛታት subclasses 103ን 804ን የጠቓልል። እዚኦም ዓይነታት ቪዛታት ብዓይኒ ዋጋ ሕስር ዝበሉ ዝበለጹ ኣማራጺታት እዮም፡ እንተኾነ ግን እቲ ካልእ ሕማቕ ጎኒ ዘለዎም ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ክትጽበ ስለትግደድ’ዩ።
Contributory ቪዛታት ኣብ’ዚኦም ንኡስ መደባት ይከፋፈሉ፡ subclasses 143፡ 173፡ 864ን 884ን። ንኡስ መደባት 143ን 864ን ቀወምቲ መንበሪ ፈቓዳት ክኾኑ እንከለው ንኡስ መደባት 173ን 884ን ከኣ ናይ ክልተ ዓመት ግዜያዊ ፈቓዳት ቪዛ’ዮም። እዚኦም ቪዛታት ኣብ ምምስራሕ ኣዝዮም ዝቐልጠፉ ኮይኖም ኣብ ዋጋ ግን ብምንጽጻር ኣዝዮም ዝኸበሩ’ዮም።
ወኪል ማይግረሽንን ናይ ሕጊ ጠበቓ ካብ ኣብ ብሪዝበን ዝመደበሩ The Migration Place ዝኾነ Zeke Bentley Migrant Agent’s Registration Authority Number 0213707 እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ቪዛታት ንወለዲ ብኸምዚ ይገልጾ።
“እቲ ቀንዲ ፍልልይ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክትከፍል/ከተውጽእ ቅሩብ ኣለኻ’ዩ። እቲ ዝዛሕተለ/ግዜ ዝወስድ መንገዲ ብጣዕሚ ደንጓዪ’ዩ። ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ይወስድ። እቶም ዝቐልጠፉ መንገድታት ግን ካብ ኣብ መንጎ $45,000ን $55,000ን ዘለው ዋጋታት ንነብሲ ወከፍ ወላዲ የካትቱ፡ እዚ ከኣ ኣዝዩ ክቡር’ዩ፡ ብኸምኡ’ዮም ከኣ ብዙሓት እቲ ዝሕቱል መንገዲ ዝመርጹ። ”
Non-contributory ቪዛ ከባቢ $3,900 ነቲ ቀንዲ ኣመልካቲ ይሓትት፡ $2,000 ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝመጽእ መጻምዲ። ወለዲ ኣብ ግዜ’ቲ ነዊሕ ምጽባይ ንመንበሪ ፈቓዶም ኣብ ትሕቲ ሓደ መሰጋገሪ ቢዛ/bridging visa ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም።
“ብሪጂን ቪዛታት ዝወሃቡ ክፍሊ ኢሚግረሽን ነቲ ቪዛ ባዕሉ ከመስርሖ ግዜ ክወስድ እንከሎ’ዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ከተመልክት እንከለኻን ውሳነ ክህቡ እነከለውን ዘሎ ጋግ ንምምላእ/ንምትካእ ተባሂሉ’ዩ። ንሶም ነቶም ዝሕቱላት ቪዛታት ብብዝሒ ስለዘይህቡ/ስለዘይፈቕዱ እቲ ሪጋ ምጽባይ ነቲ ኩሉ ግዜ ነዊሕ’ዩ። ”
እዚኦም ዓይነት ቪዛታት እቶም ዝሓሰሩ ኣማራጺታት እንተኾኑ’ኳ ዘከ በንትሊ ግን ትጽቢት ዘይግበረሎም ዝስዕቡ ሓደጋታት ኣለው ይብል።
“እቲ ቀንዲ ኣዳስነት ዘለዎ ንስኻ ኣብ እተመልክተሉ ግዜን ቪዛ ክወሃበካ እንከሎን ናይ ጥዕናን ጠባይን ፈተናታት health and character tests ክልቲኡ ክትሓልፍ ኣለካ።”
ኣመልከትቲ ንናይ ወለዲ ቪዛ ንኩነታት ጥዕና ዝምልከት ጸገም ምስ ዘጋጥሞም ንቪዛ ድሕሪ ምምልካቶም ንነዊሕ ዓመታት ክተሓዙ/ክደናጐዩ ይኽእሉ’ዮም።
“ድሕሪ 20 ዓመት ተራኻ እንተበጺሑን ቪዛኻ ክንህበካ ድልዋት ኢና እንተይሎም’ዩ። ንሶም ኪድ ሕራይ፡ ማዕከን ጥዕና health fund ኣምጽእ ይብሉኻ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ 20 ዓመት ናይ ጥዕና ጸገም እንተኔሩካን ፈተና ጥዕና ተሪፍካን ማለት እንተኾይኑን ከኣ በቃ ሃንደበት ኣብ ኣውስትራልያ ክትጸንሕ’ውን ዘኽእለካ/ዘፍቅደልካ ቪዛ የብልካን ማለት’ዩ። ዋላ’ውን ኣብ’ዚ ን20 ዓመት ነቢርካ እንተኾንካ ካብ’ዚ ሃገር ክትወጽእ ኣለካ።”
Contributory visas ንኽትረኽቦም ዝቐልጠፉ’ዮም፡ ንሓደ ወላዲ ልዕሊ $47,000 ዋጋ ይሓቱኻ። እዚኦም ቪዛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ይፍቀዱ። ዘከ በንትሊ ብቕልጡፍ ዝወሃቡ ቪዛታት በቶም ዓማዊሉ ህቡባት ምርጫታት እናኾኑ ይኸዱ ኣለው ይብል።
“እቶም ቅልጡፋት ኣገባታት ናብ ምርካብ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ብቕልጡፍ ይመርሑ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣበል ክትቅበል ይግበኣካ፡ ኩሉ ዓይነት ኣበላት ማሕበራዊ ድሕነት social security benefits ይግበኣካ፡ ክቕየር ዘይክእል ቪዛ ኣለካ፡ ናብ ዜግነት ዝግብኦ ተሰጋጊርካ ማለት’ዩ። ነዚኦም ኩሎም ምኽንያታት ከኣ ምናልባት ከባቢ 50 ሽሕ ዶላር ከፊልካ ክትረኽቦ ዝግብኦ’ዩ፡ ምኽንያቱ ኩሎም እቶም ዝርካቦም ሓለፋታት ትረክብ ኣለኻ፡ በቲ ካልእ መንገዲ ዘይትረኽቦም፡ ኩሉ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ሽግራት ከኣ ተወግድ ስለዘለኻ።”
ወለዶም ብናይ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ንምምጻእ ልዕሊ $100,000 ክኸፍሉ ዝኽእሉ ግን ኩሎም ስድራታት ኣይኮኑን። ወኪል ማይግረሽን ላክማ ኢሱሩ ያፓ ካብ ብሪዝበን ዝመደበሩ ሲረስ ማይግረሽን ገለ ሕድገታት ጌርካ ዝርከብ ዝቐልጠፈ መንገዲውን ኣሎ ይብል።
“እቶም ወለዲ ኣብ ናይ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ዕድመ እንተሃልዮም፡ ንናይ ግዚያዊ ቪዛ መደብ 173 ወይ 884 ከመልክቱ ይኽእሉ’ዮም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ፈለማ $29,130 ጥራይ ወጻኢ ክሓቶም’ዩ። ድሕሪኡ ኣብ ኣውስትራልያ ክነብሩ ናይ ክልተ ዓመት ግዜ ኣለዎም። ንናይ ሜዲኬር ሲስተም ቀረብ’ውን ፈቓድ ኣለዎም፡ ናይ ምሉእ ሰዓታት ግዜ ስራሕ ክሰርሑ’ውን መሰል ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ዓመታት መጺኦም እቲ ገንዘብ ዝኸፈልዎ ብስራሕ ከምጽእዎ ይኽእሉ’ዮም።”
እዚ ኣማራጺ ብናይ ግዚያዊ ፈቓድ ነበርቲ ንዝኾኑ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ንኡስምድብ 143 ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክቕይሩ ዘድልዮም ተወሳኺ ናይ $19,000 ክዕቅብዎ ከፍቅደሎም’ዩ። ኣገባብ መስርሕ ምምልካት ንክልቲኡ non-contributoryን contributoryን ቪዛታት ተመሳሳሊ’ዩ። ቪዛ ንወለዲ ከመልክቱ ዝደልዩ ኣውስትራልያዊ ዜጋ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዘለዎ ወይ መለክዒታት ዘማልአ ኒውዚላንዳዊ ዜጋ ስፖንሰር ክገብሮም ኣለዎ። ወኪል ማይግረሽን ዘከ በንትሊ ከም’ዚ ክብል ይገልጽ።
“ንገለ እዋናት ኣብ’ዚ ትነብር ዝነበርካ ክትከውን ከድልየካ’ዩ። በቲ ሕጊ መሰረት እቲ ዝፍቀድ ግዜ ክልተ ዓመት’ዩ። ነዚ ናብ ቅድሚት ከተምጽኦ ትኽእል ኣብ’ዚ ብቀዋሚ ክትነብር ዝመጻኻ/ዘምጽኡኻ ምዃንካ ከተመስክር እንተኽኢልካ’ዩ።”
ኣመልከትቲ ቪዛ ሚዛን ስድራ balance of family ዝብል መፈተኒ’ውን ክሓልፉ/ከማልኡ ክግደዱ’ዮም።
“እዚ ብግቡእ እንታይ ማለት’ዩ፡ ዝበዝሑ ካብ ስድራኻ ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝነብሩ ከተመስከር ኣለካ። ንኣብነት ሰለስተ ደቂ እንተልዮምኻ፡ ክልተ ካብ’ኦም ፡መንበሪ ፈቓድ ከምዘለዎምን ኣብ ኣውስትራልያ ነበርቲ ከምዝኾኑን ከተርኢ ኣለካ። ብኣንጻሩ እንተኾይኑ ግን፡ ሓደ ጥራይ ኣብ’ዚ እንተሃልዩን እቶም ክልተ ኣብ ወጻኢ እንተኾይኖም፡ ንስኻ እዚ ፈቓድ ኣይምልከተካን’ዩ፡ ዝበዝሑ ካብ ስድራኻ/ቤተሰብካ ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝነብሩ ከተርኢ ኣለካ። ማዕረ እንተኾይኑ፡ ሓደ ውላድ ኣብ’ዚ እንተሃልዩ፡ ሓደ ኸኣ ኣብ ደገ፡ ነቲ ቪዛ ክሓልፍ/ክፍቀድ እኹል’ዩ።”
መርመራ ጥዕና ምሕላፍ’ውን ኣገዳሲ’ዩ።
“ንኣውስትራልያ ዓመታዊ ልዕሊ $40,000 ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ግዜ ከኽስራ ተኽእሎ ዘለዎ ጸገም ጥዕና ኣለካ ድዩ? ከም’ዚኦም ዓይነት ጸገማት ጥዕና እንተሃልዮምኻ… HIV ብፍሉይ ካብ’ቲ ዝርዝር ወጺኡዩ … ግን ጽቡቕ ኣብነት’ዩ ኢለ ይሓስብ፡ HIV ሕጂ ብሕስር ዝበለ ዋጋ ክትከታተሎ ትኽእል’ዩ፡ ካብ ቤት መሸጣ መድሃኒት/ፋርማሲ ዝርከብ antiretroviral ትጥቀም፡ ናብ ሓኪም/ዶ/ር ምኻድ’ውን ኣየድልየካን’ዩ። እቲ ዝገርም ግን HIV ኣለካ ማለት ኣብ’ቲ መፈተኒ ክትተርፍ/ክትወድቕ ኢኻ ማለት ኣይኮነን፡ ካልእ ከም ሕዱር ሕማም ናይ ሕቖ ወይ ካንሰር እንተሃልዩካ ግን፡ ሕክምናዊ ምክትታል ክትገብር ክቡር እንተኾይኑ እቲ መፈተኒ ክትወድቕ ኢኻ ማለት’ዩ።”
ኣመልከትቲ መረጋገጺ ገንዘባዊ ደገፍ Assurance of Support ከቕርቡ ብተወሳኺ ይድለዩ። እዚ ምስ መንግስቲ ዝተሓዝ ምስ ሰንተርሊንክ ዝቕመጥ ትሕጃ ማለት’ዩ። ኣመልከትቲ ንContributory visa ናይ $10,000 ትሕጃ ነቲ ቀንዲ/ቀዳማይ ኣመልካቲ የትሕዙ፡ $4,000 ከኣ ነቲ ካልኣይ ኣመልካቲ። እዚ ትሕጃ ምስ ሰንተርሊንክ ንዓሰርተ ዓመት ይጸንሕ። ኣመልከትቲ ን non-contributory visa ግን ትሕት ዝበለ መጠን ክፍሊት የእትው፡ $5,000 ንዋና ኣመልካቲ፡ ከኣ $2,000 ነቲ ካልኣይ ኣመልካቲ። እቲ ትሕጃ ንክልተ ዓመት ምስ ሰንተርሊንክ ይጸንሕ። ላክማል ኢሱሩ ያፓ….
“እቶም ወለዲ ዝኾነ ሓገዝ ካብ መንግስቲ እንተረኺቦም፡ ገለ ካብ’ቲ ገንዘብ ካብ’ቲ ትሕጃ/ቦንድ ይጎድል፡ ግን ከኣ እቲ ትሕጃ ባዕሉ ገለ ወለድ ካብ ባንክ ይድልብ’ዩ።”
ብግምት 40 ሽሕ ዝኾኑ ወለዲ ኣብ ዝርዝር ትጽቢት ትሑት ዋጋ ዘለዎ ቪዛ ኣብ’ቲ ዝሕቱል non-contributory ቪዛ ይርከቡ። 1500 ቪዛ ጥራይ ኣብ’ዚ ፋይናንሳዊ ዓመት ኣብ ዝኣተፈቐደሉ እዋን፡ ክፍሊ ኢሚግረሽን ምክልኻል ዶብን Department of Immigration and Border Protection ኣመልከትቲ መመልከቲ ፈቓድ ቪዛ ቅድሚ ምምስርሑ 30 ዓመት ትጽቢት ከምዝህሉ ክፈልጡ ኣለዎም ይብል። እቲ ዝለዓለ ዋጋ ዝኽፈሎ contributory visa 7175 ክፉታት ቦታታት ነዚ ዓመት ዘለዎ’ኳ እንተኾነ ክፍሊ ኢሚግረሽን ውሳነ ቪዛ ንክወሃብ ካብ 12 ክሳብ 24 ኣዋርሕ ግዜ ክወስድ’ዩ ክብል ግምት ይህብ።
OUTRO:
Share

