"ኣብዚ ቅሩብ እዋን ንዩክሌሳዊ ኣጽዋር ካብ ሩስያ ወጻኢ ክዋፈር'ዩ።" ፑቲን

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሕብረት ሶቭየት ካብ ትፈርስ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ካብ ሩስያ ወጻኢ ንምውፋር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ ።

A man sitting at a desk in front of a microphone.

መራሒ ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን Source: AAP, AAP / Michael Nigro / TASS

ሩስያ ፡ ኣብ ቤላሩስ ፍሉይ መኽዘናት ምስ ተዳለወ ፡ ስልታዊ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከተዋፍር ክትጅምር ምዃና ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ፡ ሞስኮ ካብ ውድቀት ኅብረት ሶቭየት ኣትሒዛ ንፈለማ እዋን ካብ ሩስያ ወጻኢ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከም ተውፍር'ዩ ገሊጹ ።

ሚስተር ፑቲን ኣብ ወርሒ መጋቢት ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ቤላሩስ ከውፍር ከምዝተሰማምዐ ዘፍለጠ ኮይኑ ፡ ኣመሪካ ብጊዴኣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሓንቲ ኣአንጋዲት ሃገራት ኤውሮጳ ስልታዊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከተዕጥቕ ከምዝተሰማምዐት ሓቢሩ ።

ዓርቢ ፡ ሚስተር ፑቲን ንፕረዚደንት ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ክረምቲ መራሒ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ሶቺ ኣብ ዝርከብ መዕረፍ ኣጋይሽ መደብ ምውፋር ኑክሌር ኣመልኪቱ ፡ "ኵሉ ነገር ብመሰረት ውጥን እዩ ዝኸይድ ዘሎ" በሎ ።

ብመሰረት ካብ ክረምሊን ዝወጸ መግለጺ ፑቲን ፡ "ነዚ ዝኸውን መሳለጥያታት ምድላው ካብ 7-8 ሓምለ ይዛዘም ፡ ኣብ ኽልኻ ግቡእ ዓይነት ኣጽዋር ምስ ምውፋር ዝተሓሓዝ ንጥፈታት ድማ ብኡንብኡ ክንጅምር ኢና ።" ክብል'ከሎ፡

ሚስተር ሉካሸንኮ ብወገኑ፡ "ቭላድሚሮቪች ፡ አመስግነካ" በለ ።

ካብ ክልኣይ ውግእ ዓለም ንደሓር ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ውግእ ናይ መሬት ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ፑቲን ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ፡ ከም ክፋል እቲ ንሩስያ ንምብርካኽ፡ ናብ ዩክረይን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውክልና ውግእ ፡ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን የእትዋ ኣለዋ ።

ወዲ 70 ዓመት ዝዀነ ሚስተር ፑቲን ፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኔቶ ከም ዝዀነ ፡ ሞስኮ ንድሕሪት ከም ዘይትምለስ ንምዕራባውያን ኣጠንቂቕዎም ።

ናይ ዩክረይን ፕሬዝዳንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ዩክረይን ክሳብ ሕድሕድ ናይ መወዳእታ ናይ ሩሲያ ወታሃደር ካብ ሃገሩ ዝባረረሉ እዋን ከምዘይትዓርፍን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምስ ኔቶ ክትጽምበር ከምዝደልያን ገሊጹ ።

ኑክልየሳዊ ምንቅስቓስ ናይ ሚስተር ፑቲን ፡ ብኣመሪካን መሻርኽታን ብጥንቃቐ ምክትታል ዝግበረሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ ፡ ከምኡ "ውን ቻይና ፡ ንኑክሌሳዊ ኣጽዋር ካብ ምጥቃም ብተደጋጋሚ የጠንቅቓ ኣለዋ ።

ኣመሪካ ነቲ ሚስተር ፑቲን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን መደባ ብምንቃፍ ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዘለዋ ቦታ ናይ ምቕያር ዕላማ ከም ዘይብላን ሩስያ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትዳሎ ከም ዘላ ዝኾነትን እውን ክትገልጽ ጸኒሓ እያ ።

Two men walking through a doorway.
Russian President Vladimir Putin (R) and Belarusian President Alexander Lukashenko. Source: AAP / GAVRIIL GRIGOROV/SPUTNIK/KREMLIN POOL/EPA

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ፡ ሩስያ "ንሩስያን ንህዝብናን ንምዕቋብ ኵሉ ዓይነት መገዲ" ከም እትጥቀም ክዛረብ ከሎ ፡ ንምዕራባውያን ኣይኰነን ዘጠንቅቕ ነይሩ ።

እቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሩስያ ኰይኑ ዝቕጽል ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ፡ ኣብ ቤላሩስ ኣበይ ከም ዝዕቀብ ገና ንጹር ኣይኰነን ።

ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምውንጫፍ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝገበረ ሚስተር ፑቲን ፡ ኢስካንደር ናይ ሓጺር ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይላት ፡ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኸብጽሕ ዝኽእል ሚሳይላት ፡ ድሮ ናብ በላሩስ ከም እተላእከ ገሊጹ ። ናይ ሩስያ ምንጭታት ከምዝሕብርዎ ፡ እቲ ኢስካንደር ዝበሃል መሳርሒ 500 ኪ.ሜ. ርሕቀት ክውንጨፍ ሓይሊ ኣለዎ ።

ቤላሩስ ፡ ሱ-25 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ፡ ነቲ ዓውደ ውግእ ንምጻር ተወሃሂደን ከምዝጽምበራ ገሊጻ ። ብመሰረት ምንጭታት ሩስያ ፡ ሱኾይ-25 ዝበሃል ጀት ክሳዕ 1,000 ኪ.ሜ. ዝኣክል ርሕቀት ተጓዒዘን የጥቅዓ ።

እቲ ኣጽዋር ካብቲ ካብ ሚንስክ ወጻኢ ዝርከብ ቀንዲ መደበር ኣየር ቤላሩስ እንተ ዝጅምር ነይሩ ፡ እተን ኣቕረብቲ ማካይን ዳርጋ ናብ ብምሉኡ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ፡ እንተላይ ናብ ከም ኣአንጋዲት ኣባላት ኔቶ ፡ ናብ ከም በርሊንን ስቶክሆልምን ዝኣመሰላ ከተማታት ክበጽሓ ክኽእላ እየን ።

ሶቭየት ብ1991 ምስ ፈረሰት ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ በላሩስን ዩክረይንን ካዛኪስታንን ዝነበረ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሶቭየት ናብ ሩስያ ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ገይራ እያ ።

ክሳዕ ሕጂ ሩስያ ካብ ዶባታ ወጻኢ ዝዀነ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዘዋፈረት ኣይገለጸትን ።


Share

3 min read

Published

Source: Reuters, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now