ሩስያ ፡ ኣብ ቤላሩስ ፍሉይ መኽዘናት ምስ ተዳለወ ፡ ስልታዊ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከተዋፍር ክትጅምር ምዃና ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ፡ ሞስኮ ካብ ውድቀት ኅብረት ሶቭየት ኣትሒዛ ንፈለማ እዋን ካብ ሩስያ ወጻኢ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከም ተውፍር'ዩ ገሊጹ ።
ሚስተር ፑቲን ኣብ ወርሒ መጋቢት ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ቤላሩስ ከውፍር ከምዝተሰማምዐ ዘፍለጠ ኮይኑ ፡ ኣመሪካ ብጊዴኣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሓንቲ ኣአንጋዲት ሃገራት ኤውሮጳ ስልታዊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከተዕጥቕ ከምዝተሰማምዐት ሓቢሩ ።
ዓርቢ ፡ ሚስተር ፑቲን ንፕረዚደንት ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ክረምቲ መራሒ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ሶቺ ኣብ ዝርከብ መዕረፍ ኣጋይሽ መደብ ምውፋር ኑክሌር ኣመልኪቱ ፡ "ኵሉ ነገር ብመሰረት ውጥን እዩ ዝኸይድ ዘሎ" በሎ ።
ብመሰረት ካብ ክረምሊን ዝወጸ መግለጺ ፑቲን ፡ "ነዚ ዝኸውን መሳለጥያታት ምድላው ካብ 7-8 ሓምለ ይዛዘም ፡ ኣብ ኽልኻ ግቡእ ዓይነት ኣጽዋር ምስ ምውፋር ዝተሓሓዝ ንጥፈታት ድማ ብኡንብኡ ክንጅምር ኢና ።" ክብል'ከሎ፡
ሚስተር ሉካሸንኮ ብወገኑ፡ "ቭላድሚሮቪች ፡ አመስግነካ" በለ ።
ካብ ክልኣይ ውግእ ዓለም ንደሓር ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ውግእ ናይ መሬት ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ፑቲን ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ፡ ከም ክፋል እቲ ንሩስያ ንምብርካኽ፡ ናብ ዩክረይን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውክልና ውግእ ፡ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን የእትዋ ኣለዋ ።
ወዲ 70 ዓመት ዝዀነ ሚስተር ፑቲን ፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኔቶ ከም ዝዀነ ፡ ሞስኮ ንድሕሪት ከም ዘይትምለስ ንምዕራባውያን ኣጠንቂቕዎም ።
ናይ ዩክረይን ፕሬዝዳንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ዩክረይን ክሳብ ሕድሕድ ናይ መወዳእታ ናይ ሩሲያ ወታሃደር ካብ ሃገሩ ዝባረረሉ እዋን ከምዘይትዓርፍን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምስ ኔቶ ክትጽምበር ከምዝደልያን ገሊጹ ።
ኑክልየሳዊ ምንቅስቓስ ናይ ሚስተር ፑቲን ፡ ብኣመሪካን መሻርኽታን ብጥንቃቐ ምክትታል ዝግበረሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ ፡ ከምኡ "ውን ቻይና ፡ ንኑክሌሳዊ ኣጽዋር ካብ ምጥቃም ብተደጋጋሚ የጠንቅቓ ኣለዋ ።
ኣመሪካ ነቲ ሚስተር ፑቲን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን መደባ ብምንቃፍ ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዘለዋ ቦታ ናይ ምቕያር ዕላማ ከም ዘይብላን ሩስያ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትዳሎ ከም ዘላ ዝኾነትን እውን ክትገልጽ ጸኒሓ እያ ።

Russian President Vladimir Putin (R) and Belarusian President Alexander Lukashenko. Source: AAP / GAVRIIL GRIGOROV/SPUTNIK/KREMLIN POOL/EPA
እቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሩስያ ኰይኑ ዝቕጽል ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ፡ ኣብ ቤላሩስ ኣበይ ከም ዝዕቀብ ገና ንጹር ኣይኰነን ።
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምውንጫፍ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝገበረ ሚስተር ፑቲን ፡ ኢስካንደር ናይ ሓጺር ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይላት ፡ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኸብጽሕ ዝኽእል ሚሳይላት ፡ ድሮ ናብ በላሩስ ከም እተላእከ ገሊጹ ። ናይ ሩስያ ምንጭታት ከምዝሕብርዎ ፡ እቲ ኢስካንደር ዝበሃል መሳርሒ 500 ኪ.ሜ. ርሕቀት ክውንጨፍ ሓይሊ ኣለዎ ።
ቤላሩስ ፡ ሱ-25 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ፡ ነቲ ዓውደ ውግእ ንምጻር ተወሃሂደን ከምዝጽምበራ ገሊጻ ። ብመሰረት ምንጭታት ሩስያ ፡ ሱኾይ-25 ዝበሃል ጀት ክሳዕ 1,000 ኪ.ሜ. ዝኣክል ርሕቀት ተጓዒዘን የጥቅዓ ።
እቲ ኣጽዋር ካብቲ ካብ ሚንስክ ወጻኢ ዝርከብ ቀንዲ መደበር ኣየር ቤላሩስ እንተ ዝጅምር ነይሩ ፡ እተን ኣቕረብቲ ማካይን ዳርጋ ናብ ብምሉኡ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ፡ እንተላይ ናብ ከም ኣአንጋዲት ኣባላት ኔቶ ፡ ናብ ከም በርሊንን ስቶክሆልምን ዝኣመሰላ ከተማታት ክበጽሓ ክኽእላ እየን ።
ሶቭየት ብ1991 ምስ ፈረሰት ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ በላሩስን ዩክረይንን ካዛኪስታንን ዝነበረ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሶቭየት ናብ ሩስያ ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ገይራ እያ ።
ክሳዕ ሕጂ ሩስያ ካብ ዶባታ ወጻኢ ዝዀነ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዘዋፈረት ኣይገለጸትን ።