ራሻ "ወሳኒ ቀረብ ጸዓት ን ኣውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ክትዓጽዎ ተዳልያ ኣላ።" ቪሎድሚር ዘለንስኪ የጠንቅቕ።

ኣብ ኤውሮጳ ሓያል ቈራሪ ወቕቲ ክመጽእ ኣብዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ እተካይዶ መጥቃዕቲ ነታ ኣህጉር ናይ ጸዓት ቀረብ ጸገም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ክወድቕ እዩ ።

Russia Ukraine War

ፕረሲደንት ዩክሬን ቮለድሚር ዘለንስኪ Source: AP / Andrew Kravchenko

ሚስተር ዘለንስኪ ፡ ሞስኮ ነቲ ሩስያ ናብቲ ኣህጉር ዘቕርብ ናይ ጋዝ ሻምብቆ ምስዓጸወቶ ክዛረብ ከሎ ።
  • "ሩስያ ኣብዚ ቘራሪ ወርሓት እዚ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኤውሮጳውያን ወሳኒ ጸዓት ከምዝቋረጽ ንምግባር እያ እተዳሉ ዘላ " ።
  • ሚስተር ዘለንስኪ ፡ ሞስኮ ነቲ ሩስያ ጋዝ እትሰደሉ ቀንዲ ሻምብቆ ድሕሪ ምዕጻዋ ተዛሪቡ ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ እተካይዶ መጥቃዕቲ ፡ ሞስኮ ናብ እትልእኮ ነዳድን ጋዝን ናብ ኣብዝዓጸወትሉ እዋን ፡ ንኤውሮጳውያን ኣጸጋሚ ክረምቲ ክጽበዩ ነጊርዎም ኣሎ ።
ሚስተር ዘለንስኪ ፡ ቀዳም ምሸት ሞስኮ ንሩስያውያን ጋዝ ናብታ ኣህጉር ዘእቱ ቀንዲ መስመር ሻምብቆ ድሕሪ ምዕጻዋ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ኣብቲ ዕለታዊ ናይ ቪድዮ መልእኽቱ ፡ "ሩስያ ኣብዚ ክረምቲ እዚ ንዅሎም ኤውሮጳውያን ወሳኒ ጸኦኣት ክትዓጽዎም ተዳልያ ኣላ" በለ።
ሞስኮ ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ወረራ ብምፍጻማ ብዝብል ብምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ቴክኒካዊ ጕዳያትን እገዳ ከም እተገብረላ ጠቒሳ ኣላ ።
ንመንግስቲ ኪየቭ ብዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ዝደገፋ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ብወገነን ፡ ሩስያ ንጸዓት ከም ወተሃደራዊ ትሕጃ ከም እትጥቀመሉ ከሲሰን ኣለዋ ።
ገሊኦም ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብዚ ዝቀራረብ ዘሎ እዋን ክረምቲ ብዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ጸዓትን ክብሪ መነባብሮን ፡ ንህዝቦም ክብሉ ሃገራት ምዕራብ ፡ ንክየቭ ንምድጋፍ ዘሎ ጻዕሪ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ እዩ ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሞስኮ ፡ እቲ ቀንዲ መስመር ጋዝ ናብ ጀርመን ዝኾነ ኖርድ ስትሪም 1 ሻምብቆ ዝበሃል መስመር ሻምብቆ ፡ክትዓጽዎከላ ሃገራት G7 ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳዲ ሩስያ ናይ ዋጋ ገደብ ጌረን እየን።

ክርምሊን ነቲ ዝተገደበ ዋጋ ኣብ ግብሪ ዘውዓለት ሃገር ጋዝ ከምዘይሽየጠለን ኣፍሊጣ ኣላ።

ናይ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ብሰንበት መንግስቱ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጋዝ ምምጻእ መደብ ምሉእ ብምሉእ ደው ከብል መዲቡ እኳ እንተ ነበረ ፡ ሃገሩ ነዚ ዝመጽእ ክረምቲ ክትሓልፎ ምዃና ቃል ኣትዩ ነይሩ ።
ሚስተር ሾልዝ ኣብ በርሊን ኣብ እተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ፡ "ሩስያ ዘተኣማምን መሻርኽቲ ሓይሊ ኣይኰነትን" በለ ።
ሩስያ ነቲ ናይ ጋዝ ጋዝፕሮም ን ኖርድ ስትሪም 1 መስመር ሻምብቆ ጋዝ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ፊንላንድን ሽወደንን ኣብ ሃገራተን ንዝርከባ ኩባንያታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይ ቢልዮናት ዶላር ውሕስነት ንምሃብ መደብ ከም ዘለወን ኣፍሊጠን ።
ፊንላንድ 14.6 ቢልዮን ዶላር ንምዕዳል ዝዓለመት ኮይኑ ሽወደን ድማ ናይ 34.2 ቢልዮን ዶላር ናይ ፈሳሲ ውሕስነት ንምሃብ መደብ ኣለዋ ።


Share

Published

Source: AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ራሻ "ወሳኒ ቀረብ ጸዓት ን ኣውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ክትዓጽዎ ተዳልያ ኣላ።" ቪሎድሚር ዘለንስኪ የጠንቅቕ። | SBS Tigrinya