SKIP TO MAIN CONTENT

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣካታዒ ምትካል ሓወልቲ ሃይለ ስላሴ

እቶም ብሰንኪ ንጉስ ሃይለስላሴ ተጨቁና ኔርና ዝብሉን ኣንጻሩ ዕጥቂ ዘልዓሉን ኣህዛብ ንሃይለ ስላሴ ሃወልቲ ክትከለሉ ዝግባእ ኣይኮነን ክብሉ ከለዉ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወሲኽካ ገለ ወገን ኢትዮጵያዊያን ድማ ክብሪ ኢትዮጵያ ዘበርኽ ስራሕ እዩ ብምባል ታሕጓሶም ገሊጾም ኣለዉ። ኤርትራዊያን ብኻልእ ሸነኽ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ንስምምዕ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥሒሱ ንብዙሕ ደም ኤርትራዊያን ክፈስስ ዘግበረ እዩ፡ ብምባል ሓወልቲ ሃይለ ስላሴ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቅዋም ብስእልን ብጽሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ መዲያታት ይቃወሙ ኣለዉ።

Feature
Source: AU

2 min read

Published


Skip to article content

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣካታዒ ምትካል ሓወልቲ ሃይለ ስላሴ

“ነባሪ ፍታሕ ንስደተኛታት፡ ተመለስቲን ናይ ውሽጢ ተፈናቐልቲን ኣፍሪቃዊያን” ብዝብል ቴማ ትማሊ መበል 32 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ሎሚ እቲ ዋዕላ ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታትን ኣብቲ ዞብ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ተኽእሎ ፍታሕን ክዝቲ እዩ።

ብተወሳኺ መስርሕ ጽገናን ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ሓርነትን ኣብ ከም ሕብረት ኣውሮጳ፡ ቻይናን ኣመሪካን ዝበሉ ቁጠባታት ዘይምጽጋዕን ዝብሉ ዛዕባታት ክዝተየሎም እዩ፡፣

 ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ፡, ፕረሲደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማትን ካልኦት መራሕቲን ኣብቲ ዋዕላ መደረ የስምዑ ኣለዉ።

ናይ ርዋንዳ, ፕረሲደንት ፖል ካጋመ, ነቲ ዉድብ ክመርሕ ጸኒሑ ስልጣኑ ናብ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፋታህ ኣል ሲሲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብዚ ናይዚ ዓመት ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዋዕላ ፍሉይ ነገር ዝኾነ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ዉዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክቐውም ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ፊት እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ሓወልቲ ተሃኒጽሉ ተመሪቑ ድማ።

 

እቲ ሓወልቲ ብናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ኣቦ መምበር ሙሳ ፋኪ ማሃመትን ናይ ርዋንዳ ፕረሲደንት ፖል ካጋመ፡ ናይ ጋና ፕረሲደንት  ናና ኣኩፎ ኣዶ ከምኡውን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ  እዩ ተመሪቑ። ነቲ ሓወልቲ ዝቐረጹ ኢትዮጵያዊያን ስነጥበበኛታት  በቀለ መኮንን፡ መስፍን ተስፋየ ከምኡ’ውን  ሄኖክ ኣዘነን እዮም።

ሓወልቲ ሃይለስላሴ ኣብቲ ቀጽሪ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝትከል ዘሎ ካልኣይ ሓወልቲ ኮይኑ፡ ኣብ 2012 ውን ናይ ኩዋመ ንኩርማን ሃወልቲ ተተኺሉ ኔሩ፡፣ ክዋመ ኑኩርማን ኣብቲ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ኣፍሪቃዊያን ዝመርሕዎ ዉድብ ክህሉ ዘይፈቕድሉ ዝነበሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ወይ . Pan-Africanism ክህሉ ብመሪሕነት ዘለዓዓለ ኣፍሪቃዊ መራሒ ከምዝነበረ እዩ ዝፍለጥ፡፣

 ምቛም ሓወልቲ ሃይለ ስላሴ ኣብ ኢትዮጵያዊያን ብኣወንታውን ኣሉታዊን ተቐባልነትዩ ረኺቡ። እቶም ብሰንኪ ንጉስ ሃይለስላሴ ተጨቁና ኔርና ዝብሉን ኣንጻሩ ዕጥቂ ዘልዓሉን ኣህዛብ ንሃይለ ስላሴ ሃወልቲ ክትከለሉ ዝግባእ ኣይኮነን ክብሉ ከለዉ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወሲኽካ ገለ ወገን ኢትዮጵያዊያን ድማ ክብሪ ኢትዮጵያ ዘበርኽ ስራሕ እዩ ብምባል ታሕጓሶም ገሊጾም ኣለዉ። ኤርትራዊያን ብኻልእ ሸነኽ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ንስምምዕ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥሒሱ ንብዙሕ ደም ኤርትራዊያን ክፈስስ ዘግበረ እዩ ብምባል ምቛም ሓወልቲ ሃይለ ስላሴ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቅዋም ብስ እልን ብጽሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ መዲያታት ይቃወሙ ኣለዉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now