እቲ ብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ;
ብግንባር ደቡብ ናይ ኣምሓራ ክልል ክፍላተ ሰራዊት ናይ ወሎ ፋኖን ምልሻን ኣብ ዝሓለፉ 5 መዓልታት ናብ ዶባት ክቀራረብ ከምዝጸንሐን ብድሕርዚ “ናይ ፌደራል ሓይሊ ምክልኻል ኣካላት ዝኾኑ 6ይን 8ይን እዝታትን ናይ 2ይ፣6ይን 8ይን መከናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ወሲኹ” ሎሚ ብናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ዕለት 18 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ወጋሕታ 11 ሰዓት ብኣንፈታት ጩቤ በር ፣ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ ፣ባላን ቢሶበርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ብወገን ትግራይ ዝወጸ መግለጺ እቲ ብሓይልታት ፈደራል “ኣብዚ ግንባር ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ንምእታው ክንዲ ዝኽእሎ ዝደፍእ ሓጋዚ መጥቃዕቲ ኣንፈት እምበር እቲ ቀንዲ መጥቃዕቱ ካብ ምዕራብ ትግራይን ምዕራብ ጎንደርን ናብ ኣድያቦ፣ኣስገደን ፀለምትን ከም ዝኾነ፥ ከምዝፍለጥ” ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ 18 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ሰራዊቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።