ኣብ ደቡብ ትግራይ ዉግእ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

War in Ethiopia

Credit: AFP

እቲ ብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ;

ብግንባር ደቡብ ናይ ኣምሓራ ክልል ክፍላተ ሰራዊት ናይ ወሎ ፋኖን ምልሻን ኣብ ዝሓለፉ 5 መዓልታት ናብ ዶባት ክቀራረብ ከምዝጸንሐን ብድሕርዚ “ናይ ፌደራል ሓይሊ ምክልኻል ኣካላት ዝኾኑ 6ይን 8ይን እዝታትን ናይ 2ይ፣6ይን 8ይን መከናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ወሲኹ” ሎሚ ብናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ዕለት 18 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ወጋሕታ 11 ሰዓት ብኣንፈታት ጩቤ በር ፣ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ ፣ባላን ቢሶበርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብወገን ትግራይ ዝወጸ መግለጺ እቲ ብሓይልታት ፈደራል “ኣብዚ ግንባር ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ንምእታው ክንዲ ዝኽእሎ ዝደፍእ ሓጋዚ መጥቃዕቲ ኣንፈት እምበር እቲ ቀንዲ መጥቃዕቱ ካብ ምዕራብ ትግራይን ምዕራብ ጎንደርን ናብ ኣድያቦ፣ኣስገደን ፀለምትን ከም ዝኾነ፥ ከምዝፍለጥ” ገሊጹ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ 18 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ሰራዊቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።

 



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service