ብወገን ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝፍኖ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ቀጺሉ።

Capture.JPG

Credit: Screenshot

ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ራማ ፡ ዛላምበሳን ጸሮናን "ሰፊሕ መጥቃዕቲ" ከም ዝጀመረ ገሊጾም ። ህዝቢ ትግራይ "ንርእሰ-ምክልኻል ዝገብርዎ ዘለዉ ወፈራ ብዝያዳ ከሐይልዎ" ድማ ጸዊዖም ኣለዉ ።
ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢታት መራኸቢታት ስለዘየለ፡ ማዕከናት ዜና ብነጻ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ከረጋግጻ ከቢድወን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ተጻብኦታት ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ስለዝደገሰ ፡ ነቲ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ተኣፋፊ ስምምዕ ተጻብኦ ደው ምባል ከምዝፈርስ ጌርዎ።

ኣብ ናይ ትግራይ ከተማ ራማ ዝነብር ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ንማዕከን ዜና ኣሶሼት ፕረስ ብቴሌግራም : - "እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ንነጀው እቲ ዝኸበደ ውግእ ንርኢ ኣሎና ። ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐትሉ: ዓበይቲ ህንጻታትን ትሕተ-ቅርጽን ድማ ተደምሲሱ ክኸውንከሎ: እዚ ከኣ ብቐንዱ ካብ ወገን ኤርትራ ብዝተተኰሰ ከቢድ ኣጽዋር እዩ ።" ክብል ገሊጹ ።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝግበር ዘሎ ውግእ ርእይቶ ኣይሃቡን ። ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ሳህለ-ወርቅ ዘውዴ ግን መንግስቲ እቲ ኲናት ደው ንምባልን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ንምድምዳርን ከምዝሰርሕ ንፓርላማ ብሶኑይ ብምግላጽ ፡ "እንተኾነ ዝዀነ ይኹን ምጽሕታር እንተልዩ ግና ፡ ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ እዩ" ኢላ።

እቲ ከምሓድሽ ዝጀመረ ኲናት ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ዓጊቱ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ሓይልታት ትግራይ ፡ ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ትግራይ ሰራዊት ከም ዝሰደደት ኣፍሊጦም ኔሮም ። ኣብቲ እዋን እቲ ማይክ ሃመር ናይ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዋሽንግተን ንናይ ኤርትራ ወታደራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ትግራይ ከምዝፈልጦን "ብዛዕባ" ዚ ጉዳይ ዘተሓሳስብ" ኢሉ ከምዝገለጾን ይፍለጥ ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፡ ዝሰርሕ ሓደ ዲፕሎማት ንኣሶሼት ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፡ ኣስታት 100,000 ወተሃደራት ኤርትራ ፡ እንተላይ ከባቢ 10 ሜካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊት ከም እተሳተፉ ገሊጹ ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሳተላይት ዝቐረበ ስእልታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ትግራይ ፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ነይሩ ።

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ንከተማታት ትግራይ ፡ እንተላይ ንከተማ መቀለ ሓዊሱ ፡ ብዙሕ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲታት ተኻይዱ እዩ ።

ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ መንግስቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም ኔሮም ።
ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ እቲ ዝርርብ ብ8 ጥቕምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ክጅመር ተባሂሉ ኔሩ ። እንተዀነ ግን: ብሰንኪ ናይ ሎጂስቲክስ ጕዳያትን ናይ ጸጥታ መደባትን እቲ መደብ ክፍጸም ኣይተኻእለን ።
ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ፡ እንተላይ ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ብሰንኪ'ዚ ኲናት ካብ ኣባይቶም ተማዛቢሎም እዮም ፣ እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ድማ ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉ እዩ ዝእመን ።



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ብወገን ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝፍኖ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ቀጺሉ። | SBS Tigrinya