መግለጺ ናይቲ ኮማንድ ፤ ቅድሚ ሰሙን ውግእ ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ፡ እቲ መግለጺ: ሰራዊት ኤርትራ ብዕለት 16 ግንቦት 2014 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ ኣብ ሞንጎ ሕረትን ዓዲ ኣምሓረን ዝርከብ ገዛ ጊሌ ዝበሃል ከባቢ 'ተወሳኺ ቦታ' ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተ ሓቢሩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ናይ መበል 57 ክፍለ ሰራዊት ክልተ ብርጌድ ናይ መበል 21 ክፍለ-ሰራዊት ሓደ ቦጠሎኒ ሓይሊ ከም ዝተሰለፉ ብምግላጽ "ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና መጥቃዕቲ ተከፊቱ።" ክብል ከሲሱ።
“ሰራዊት ትግራይ ብዝፈነዎ ዓጸፌታዊ ፀረ-መጥቃዕቲ ከኣ ሓደ ኣዛዚ ብርጌድ፣ ሰለስተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ ዝርከብዎም 120 ወተሃደራት ከም ዝተቐትሉ፣ 195 ከም ዝቖሰሉ 4 ከም ዝተማረኹ ገሊጹ። ብተወሳኺ 1 ድሽቃ 5 መራኸቢ ሬድዮ ሓዊሱ ኣጽዋር፣ ዕጥቅን ተተኳስን ተመንዚዑ” ኢሉ።
እቲ መግለጺ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝተፈነወ ዝበሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ብዕለት 20ን 21ን ግንቦት 2014 ዓ.ም ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሸራሮ ዝተፈጸመ ውን ሓቢሩ፡፡
እቲ ደብዳብ ብረት ካብ ምዕራብ ትግራይ “ብሰንኪ እቲ ኲናት ተመዛቢሉ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን እግሪ ጽላልን ንዝርከብ ህዝብን ነባሪ ከተማ ሸራሮን ዒላማ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ወገናት ጉድኣት ኣብጺሑ” ኢሉ፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም ንመንግስቲ ኤርትራ ይኣክል ክብሎ ዝተማሕጸነ እቲ መግለጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ "ጎቢጡ ካብ ዝሓዞ መሬት ትግራይ" ካብ ዝበሎ ቦታ ብዘይዋዓል ሕደር ክወጽእ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ጸዊዑ።
እዚ እንተዘይኮይኑ "ህዝቢ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ስቃይ ህዝብና ክውስኽ መዓልቲ ክናዋሕ ዘይንፈቅድ ምኻናን ኩሉ ክፈልጥ ይግባእ።" ዝብል መጠንቀቕታ’ውን ኣሕሊፉ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ተኻይዱ ዝተብሃለ ኲናት ዛጊት ዝበሎ የለን። ብዕለት 17 ግንቦት 2022 ዓም ኣብ ዝውጸኦ ሓተታ፡ ግን “ወያነ መሬት ኤርትራ ብሓይሊ ብምጉባጥ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ብምሓዝ፡ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ንምስራሕ ዕንደራ ኩናት ከካይድ ይዳሎ ኣሎ።” ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኣሸቀልቱ ዝበለን ሃገራት ምዕራብ " ወያነ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዘድልዮ እኽሊ፡ መድሃኒት፡ ነዳዲን ካልእን ብስም ረድኤት ከብጽሕሉ ድማ ይጓየዩ ኣለዉ!" ኢሉ ነይሩ።