ሓደ ሱዳናዊ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ዓርቢ ኣስመራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ። እዚ ልኡኽ ብኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን’ዩ። ነቲ ልኡኽ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቡ ተቐቢልዎ። ክልቲኦም ወገናት ድሕሪኡ ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድናን ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ዝተኸስተ ኩነታትን ክዝትዩ ምዃኖም ይግመት።
ኤርትራ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ዓለምለኻዊ ወይ ደገኣዊ ተርእዮ ከምዘለዎ ጌሩ ከቕርብ ደው ከብል ብምጽዋዕ ዓው ኢላ ድምጻ ዘስመዐት ሃገር ኮይና ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ከይጸንሐ ናብ ግብጺ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዛዕባ ሱዳን ተዘራሪቡ’ዩ። ብመሰረት እዚ ኣብ መርበብ ኣፍሪካኒውስ ዝተዘርግሐ ዜና ኤርትራ እዚ መራሒ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክሳብ ሕጂ ምብጻሕ ዘይፈጸመላ ወይ ዘይከደላ ሃገር’ያ ጸኒሓ። ንሱ ናብ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስ መዘንኡ መራሕቲ እተን ሃገራት ክራኸብ ከይዱ’ዩ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ሓይልታት ጸጥታቱ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍደገ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሎም ተቓውሞኦም ዘስሙኡ ዝነበሩ ኣድመኛታት ክብትን ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ጥሕሰታት ከምዝፈጸሙ ንፈለማ ግዜ ተኣሚኑ። ጀነራል ሻምሰዲን ካባሺ፡ ኣፈኛ’ቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ መርመራ ድሮ ተጀሚሩ ከምዘሎን ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ብሰንኪ’ቶም ጥሕሰታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ ኢሉ። ካባሺ ሓሙስ ምሸት ንጋዜጠኛታት መግለጺ ከምዝሃበ ንኣሶሰይትድ ፕረስ ከም ምንጪ ብምጥቃስ መርበብ ኣሸርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ገጻ ኣስፊራ። ብዛዕባ’ቶም ጥሕሰታት ግን ‘ዘቐንዝውን ዘሰቅቑን’ ነይሮም ካብ ምባል ሓሊፉ ዝኾነ ዝርዝር ኣይሃበን። ንሱ ብተወሳኺ ዝኾነ ብደገ ዝካየድ መርመራ ክህሉ ዝብል መጸዋዕታ ነጺግዎ። ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ተዂስን መውጋእቲ ካራን ዝተሓወሶ ናይ ምብታን ስጉምቲ ልዕሊ 110 ሰባት ከምዝቐተለን ኣንፈት ተቓውሞ ሃንደበት መልክዑ ከምዝቐየሮን ብዙሓት ይገልጹ። ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም ኣብ’ቲ ህልቂት ዝተቐትሉ ሰባት እቶም ምስኦም ዝደናገጹን ዝነጥፉን ሓካይም ዶክተራትን ተጣበቕቲን ዝሓለፈ ሮቡዕ ዘርጊሖሞ። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ኣስማት 12 መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ዘካተተ ናይ 112 ሰባት ዝርዝር’ዩ። ኣብ መንጎኦም ከኣ 12 ህጻናት ይርከብዎም። ዝበዝሑ እቶም ዝሞቱ ብተዂሲ ጥይት ኮይኑ 15 ግን ብኻራ ተወጊኦም ይብል እቲ ዝወጸ ዝርዝር። ካልኦት ከአ ነዲዶም፡ ኣብ’ቲ ዕግርግር ዝተጸቕጡን በተን ወተሃደራዊ መካይን ዝተረግጹን’ዮም ክብል እቲ ኣብ መርበብ ሚድልኢስትኣይ.ነት ዝወጸ ዜና ሓቢሩ። ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ዝርዝር ሰፊሮም ዘለው ምውታት ሓደ መሓመድ ማጣር ዝተባህለ ተጣባቒ’ዩ። ንሱ እታ ዝፈትዋ ሕብሪ ሰማያዊት ስለዝነበረት ሱዳናውያንን ተደናገጽቲ ካልኦትን ኣብ ትዊተር፡ ኢንስታግራምን ፈይስቡክን #ብሉፎርሱዳን (#BlueforSudan) ዝብል ቃል ብምዝርጋሕን ሰማያዊ ሕብርታትን ፕሮፋይሎም ናብ ሰማያዊ ብምቕያርን ይጥቀሙን ይዝርግሑን ኣለው።

