An artwork of a stadium, the World Cup trophy and construction worker icons
An artwork of a stadium, the World Cup trophy and construction worker icons
This article is more than 3 years old

ሰብኣዊ ዋጋ ናይ ዋንጫ ዓለም ኣብ ቐጠር ክንደይ እዩ?

ናይ ኣውስትራሊያ ጋንታ ሶኮሩ ብዛዕባ ናይ ቀጠር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ናይ ፊፋ ዋንጫ ዓለም ቀዲሙ ዝፈለጠ ኮይኑ SBS ኒውስ ነቲ እቲ ውድድር ንምድላው እታ ሃገር ንስደተኛታት ትገብሮ ግፍዒ ክጽብጽብ ዝኽእል እንተኾይኑ ይምርምር ።

Published

By Tom Canetti
Source: SBS
Image: The FIFA World Cup begins in November. (SBS, Getty)
ዋንጫ ዓለም ፊፋ ኣብ ቀጠር ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብዝተዳለዉ እቲ ሃብታምን ምቹእን ዝኾነ መደብ እዩ ። ተጻወትቲ ፡ ተዓዘብትን ብመንግስቲ ዝስርሑ ስታድዩማትን ዝማዕበሉ መሳለጥያታትን ከስተማቕሩ ከለው ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፡ ናይዚ ዘመናዊ ስታዲዮማት ሰብ ኣዊ ዋጋኡ ክንደይ ምዃኑ ኣብ ሕቶ የእትዉዎ።
ኣብቲ ዉድድር ዝሳተፉ ናይ ኣውስትራሊያ ተጻወትቲ ምስ ገለ ካብ 30,000 ስደተኛታት ፊት ንፊት (ብማንዛ) ተራኺቦም እዮም ። ኤስቢኤስ ኒውስ ከምዘመልክቶ ከምዚ ኦኣይነት ፕሮግራም ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣርእስታት ተወሳኺ ትምህርቲ ክወሃቦም እዩ ።
QATAR LABOR WORKERS
Migrant workers queue up for the bus back to their accommodation camp in Doha, Qatar, in 2013. Source: EPA / STR
ስደተኛታት ሰራሕተኛታት 88 ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ቀጠር እዮም ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሰርሑ ድማ ካብ ባንግላዴሽ ፡ ህንዲ ፡ ኔፓልን ፊሊፒንስን እዮም ። ኣብ ናይ ቀጠር ናይ ዋንጫ ዓለም ፕሮጀክትታት ምህናጽ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ዙርያ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ፣ መሰላትን ድሕነትን ብተደጋጋሚ ስክፍታታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ ።
ብ2021 ዘ ጋርድያን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ውድድር ነታ ሃገር ከተዳሉ ካብ ዝወሃብ ንነጀው ኣብ ቀጠር 6,500 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ሓቢራ ነይራ ። ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኒኪታ ዋይት ግን እቲ ልክዕ መጠን ሞት፡ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ ትብል። እዚ ዝኾነሉ ናይ ቀጠር ሰበስልጣን "ሞት ስደተኛታት ዝምርምርዎ ሳሕቲ እዩ" ብምባል መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ወይ ምስ ምስትንፋስ ዝተሓሓዝ ጸገም እዩ ኢሎም ምስ ስራሕ ዝመጸ ሞት ጌሮም ኣየቕርብዎን እዮም።
መንግስቲ ቐጠር ከምዝገልጾ፡ ኣብ ህንጸት ስታዲዩም ዋንጫ ዓለም ካብ 2014 ክሳዕ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ፡ 37 ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ፡ ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ ግና ምስስራሕ ዝተሓሓዝ ሓደጋ ሰለስተ ጥራይ ከም ዝነበረ ይገልጽ ።

ንውድድር ዋንጫ ዓለም ዝኸውን ፕሮጀክትታት ህንጸት ፡ ሸውዓተ ሓደስቲ ስታድዩማት ፡ ሓድሽ መደበር ሜትሮን ልዕሊ 100 ሆቴላትን የጠቓልል ።
ቶርድ ክጀልስትሮም፡ ኣብ ኒው ዚላንድ ዝመደበሩ ኣብ ለውጢ ክሊማን ዓለምለኻዊ ጥዕናን ዝነጥፍ ፕሮፌሰር ኮይኑ: ብዛዕባ ኣብ ቀጠር ዝርከቡ መንእሰያት ነፓሊ ስደተኛታት ዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ዝጸሓፎ: ሞት "ብፍጹም" ካብቲ ብርቱዕ ዋዒ ቀጠር ዝርሕቀሉ ርትዓዊ ናይ ስራሕ ኵነታት ክንከላኸሎ ዝኽእል እዩ።
"ኣብ ከም ኣውስትራልያን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ብርቱዕ ውዑይ ኵነታት እዩ ዘሎ: ሰራሕተኛታት ህንጻ እውን ከምቲ ኣብ ዓመተ 2009-2015 ኣብ ቀጠር ዝነበረ መጠን ኣይሞቱን እዮም ዘለዉ" ብምባል ን SBS ዜና ሓቢሩ ።
Two pie charts showing deaths globally and for Nepali migrant workers in Qatar
Source: SBS
እቲ ካብ 2009 ክሳዕ 2017 ዝገበሮ መጽናዕቲ ፡ ኣብ መንጎ እቲ ወርሓዊ ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ዋዒን ኣብ መንጎ እቶም ዓየይቲ ዘጋጥም ሞት ልብን መርሚሩ ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ 25-35 ዓመት ዝዕድሚኦም ብሰንኪ ሕማም ልቢ ዝሞቱ ሰባት 15 ሚእታዊት እዮም ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ነፓሊ ስደተኛታት ኣብ ዝሑል ወቕቲ ናብ 22 ሚእታዊት ፡ ኣብ ግዜ ሃሩር ድማ 58 ሚእታዊት ይሞቱ ።
ፕሮፌሰር ክጀልስትሮም ፡ "እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናኦም ንምሕላው ዕረፍቲ ኣብ ዝደልዩሉ እዋን ፡ ኣብቲ ውዑይ ሃዋህው ከቢድ ዕዮ ይዓዩ ስለ ዝነበሩ እዩ" በለ ።

ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ካፋላ ማለት ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ዝዝውተር ስርዓተ ምሕደራ ሽቕለት ፡ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሖም ክወጹ ወይ ካብታ ሃገር ክወጹ ካብ ኣስራሒኦም ፍቓድ የድልዮም ።
ኣስራሕቲ ናይ ሰራሕተኛ ነባርነትን ናይ ስራሕ ፍቓድን ናይ ምሓዝ ስልጣን ኣለዎም ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ክስርዝዎም ይኽእሉ ፡ በዚ ድማ ናብ ስደት የምርሑ ። ኣብዚ ዓመት "ዚ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ስደተኛታት ነቲ ኣብ ቐጠር ዝስራሕ ስታድዩማት ዘሎ ኩነታት ብምቅዋሞም ናብ ሃገሮም ተሰጒጎም ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ንስርዓት ካፋላ ቀጠር "ሃሳዪ" ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ ፣ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ "ዘመናዊ ባርነት" ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ ።
An infographic showing the cost of different elements of the World Cup
Source: SBS
ኣብ 2021 ቀጠር ነቲ ሰራሕተኛታት ብዘይ ፍቓድ ኣስራሒኦም ካብ ስራሖም ክወጹ ዘፍቅድ ስርዓት ካፋላ ከም ዘመሓየሸቶ ኣፍሊጣ እያ ። እንተኾነ ሚስ ዋይት ፡ እቲ ምምሕያሻት ካብ ናይ ቐጠር ናይ ንግዲ ትካላት ድፍኢት ከም ዝረኸበን ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ትብል።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እውን ቀጠር "ሃሰይቲ ኣስራሕቲ" ኣተሓሳሲብዎ እዩ ኢላ።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ብዙሓት ኣብ ቀጠር ዝርከቡ ስደተኛታትን [ኣብ ቐጠር] ሰሪሕና ኢና ፡ ኣብ ስራሕ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣጋጢሙ እዩ ፡ ኣስራሕቶም እውን ተሓተትቲ ኣይኰኑን ። እዚ ኵሉ ድማ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ 24 ሰዓት ምስራሕ: ወይ ከኣ ካብ ኣስራሒኻ ኣካላዊ ወይ ጸርፊ ካብ ምውራድ ክኸውን ይኽእል እዩ "።
ንሳ ወሲኻ ፡ እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ደሞዞም ክሳብ "ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ" ከም ዘይኽፈሉ ገሊጻ ።
ዘ ጋርድያን ከም ዝጸብጸቦ ፡ እቶም ስደተኛታት ንስራሕ ክረኽቡ ብኣስራሒኦም ምእንቲ ኽቍጸር ፡ ካብ 4,000 ኽሳእ 5,000 ዶላር ክፍሊት ኽከፍሉ ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ኩባንያ ዝኽፈል ገንዘብ እዩ ።
ኣብ ቀጠር ዘሎ ዝወሓደ ናይ ደሞዝ ክፍሊት ወርሓዊ 400 ዶላር እዩ ፣ እዚ ማለት ሰራሕተኛታት ስራሕ ንኽረኽቡ ን ኣስራሒኦም ንኽኸፍሉ እንተወሓደ ዓመት ጥራይ ክወስድ ይኽእል ። ገለ ስደተኛታት ስታድዩማትን ትሕተ ቅርጺን ን ዋንጫ ዓለም ከምዝሰርሑን ኣብ ሰዓት ከባቢ 80 ሳንቲም ከምኽፈሉን ብተወሳኺ ሓቢሮም ።
ሰራሕተኛታት ኣብ ቐጠር ናይ ንግዲ ኅብረት ክምስርቱ ሕጋዊ ኣይኮነን ፡ በዚ ድማ ምምሕያሽ ንምሕታት ኣሸጋሪ እዩ ።
ንጋንታ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ወሲኽካ ጋንታታት ኣብ ቀጠር ዘሎ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ጉዳይ ብናይ ሓባር መትከል ከጕልሓ ይሓስባ እኳ እንተለዋ ፡ እዚ እንታይ ይመስል ከም ዘሎ ግን ዝርዝር ግና ጸኒሑ ዝርአ ጉዳይ እዩ ።

ናይ ቀደም ሓለቓ ጋንታ ማቲልዳስን ዋና ኣካያዲ ስራሕ PFA ኬት ጊል ን SBS ዜና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣውስትራሊያውያን ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ቀጠር ከም ኣአንጋዲት ሃገር ኣብ ምምራጾም ዘይሳተፉ እኳ እንተዀኑ ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ነቲ ውሳነ ክቃወሙ ጸኒሖም እዮም ።
"እዞም ተጻወትቲ እዚኦም ነቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ቀጠር ዝወዳደሩሉ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጉዳያት ይፈልጡን ይጥንቀቑን እዮም" በለት ።
ክፍሊ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገለ ሰበ-ስልጣን ፊፋ ንቀጠር ዋንጫ ዓለም ንምእንጋድ ንምሃብ ጉቦ ከም ዝተዋህቦም ከሲሱ እዩ።
ተጻዋታይ ሶኮሩ ማት ርያን ኣቐዲሙ ንሓደ ካብቶም ኣብ ቐጠር ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ፡ "ተጻወትቲ ከም ምዃንና መጠን ፡ ንህይወት ካልኦት ሰባት ብኣወንታ ዝጸሉ ሓያል መድረኽ ከም ዘሎና ፡ ኣብ ጕዳይ ቀጠር ድማ ፡ ንመሳርሕትናን ንመሰሎምን ብኣወንታ ከም እንጸልዎ ንፈልጥ ኢና" ኢሉ ነይሩ ።

ጃክሰን ኢርቪን ዝስሙ ወዲ ጋንታኡ ኣብቲ ግዜ እቲ ከምዚ በለ ፦ "ነቶም ኣብ ቐጠር ደው ኢለ ዝጻወቱ ጕጅለ ብንጹር ነጊረዮም እየ ። ኣብ ክንዲ እቶም ጕጅለ ኰይነ ክዛረብ ፈጺመ ኣይፍትንን እየ: እንተዀነ ግን: ኣብቲ ጕዳይ ክሳተፉ ዝደልዩ እንተ ኰይኖም ምእንቲ ኽውስኑ: ነቲ ሓበሬታ ኣብ ቅድሚኦም ምሓዝ ኣገዳሲ ኰይኑ ይስምዓኒ "።

ሓደ ናይ መንግስቲ ቃታሪ ምንጪ ን SBS ዜና ከምዝሓበሮ: - "ሃገረ ቀጠር ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዓበይቲ ናይ ሽቕለት ምምሕያሻት ገይራ እያ: ንጋሻ ሰራሕተኛታት መሰሎም ንምሕላው ድማ ብዙሕ ናይ ለውጢ ስጕምትታት ኣብ ግብሪ ኣውዒላ እያ ።"

"እዚ ስጕምትታት እዚ ንስርዓት ካፋላ ምውጋድ ፡ ንዅሎም ሰራሕተኛታት ፍቓድ መውጺኢ ምእላይ ፡ ስራሕ ክቕይሩ ንዝደልዩ ዕንቅፋታት ምውጋድ ፡ ኣድልዎ ዘይብሉ ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ምውጋድ ይርከብዎም፡" ።

ሓደ ናይ መንግስቲ ቃታሪ ምንጪ ን SBS ዜና ከምዝሓበሮ: - "ሃገረ ቀጠር ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዓበይቲ ናይ ሽቕለት ምምሕያሻት ገይራ እያ: ንጋሻ ሰራሕተኛታት መሰሎም ንምሕላው ድማ ብዙሕ ናይ ለውጢ ስጕምትታት ኣብ ግብሪ ኣውዒላ እያ ።"

"እዚ ስጕምትታት እዚ ንስርዓት ካፋላ ምውጋድ ፡ ንዅሎም ሰራሕተኛታት ፍቓድ መውጺኢ ምእላይ ፡ ስራሕ ክቕይሩ ንዝደልዩ ዕንቅፋታት ምውጋድ ፡ ኣድልዎ ዘይብሉ ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ምውጋድ ይርከብዎም፡" ።

"ሕጂ 6,000 ሰባት ብኻልእ ስራሓትን ካልእን ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ፣ ፊፋ ከኣ ፖሊስ ዓለም ወይ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ኵሉ ነገራት ተሓታቲ ኣይኰነን" ድማ በለ ።

ይኹን እምበር ፡ ሳላ ፊፋ ፡ ሳላ ኩዕሶ እግሪ ፡ ንኩነታት እቶም ኣብ ኳታር ዝሰርሑ 1.5 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ኩነታቶም ክንገልጽ ክኢልና ኢና ። "



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service