ክልተ ወርሒ ድሕሪቲ ኮሮናቫይረስ መዛረቢ ዓለም ምዃን ምጅማሩ ዛጊት 79 ሃገራት ኮሮና ቫይረስ ከምዝ ኣተወን ዝገለጻ ኮይነን በዚ ቫይረስ ልዕሊ 95,000 ሰባት ዝተለኽፉን 3,280 ምዉትታን ተረኺቦም ኣለዉ።
ስለዚ ክምርመር ይግባኣኒ እዩ?
ረስኒ፥ ምስዓል፡ ጸረርታ ናይ ኣፍንጫ ሕጽረት ምስትንፋስን ወይ ካልእ ምልክታትን እንተዘይሃልዩካ ወይውን ኣብዚቅሩብ እዋን ናብ ቻይና፥ ኢራን ወይ ናብተን ኣብ ሃገራተን ከቢድ ሓደጋ እዚ ሕማም ዘለወን ሃገራት እንተዘይተጓዒዝካ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ምግባር ከምዘየድሊ ደፓርመንት ጥዕና NSW ፥ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምልክታት እንተተራእዮም ግና “ናብ ሓኪምካ ከይድካ ተመርመር ወይውን ናብ ኣብቀረባኻ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ኩነታት ደፓርትመንት ምኻድን ክሳብ ዉጽኢት መርመራ ዝመጽእ ገዛእ ርእስኻ ፍለ።” ወሃብ ቃል እቲ ደፓርትመንት ገሊጹ።
“እቲ ኣገዳሲ ነገር ምልክታት እንተሊዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ናብ ስራሕ ናብ ዩኒቨርሲቲ፥ ናብ ጂም ዘይምኻድ፥ ህዝባዊ ትራንስፖርት፡ ታክሲ ወይ ኣብ ናይሓባር ትራንስፖርት ዘይምጥቃም ይግባእ"
“እንተተረኺቡ ሕክምናዊ ክትትል ኣብትገብረሉ እዋን ናይ መጥባሕቲ መሸፈኒ እስትንፋስ ምውዳይ።"
ን Covid-19 ዝኸውን ፍሉይ መድሃኒት የለን፡ እንተኾነ ቀልጢፍካ ምልክት ምልላይን ሓፈሻዊ ክንክን ግብረመልሲ ምግባር ኣድላዪ እዩ፡

Source: AAP
“እቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሕማም ዝርከቡ ግና ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም እዩ።”
እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑን ተወሺቦም ዝጸንሑን እቲ ምልክት ደው ምስበለ ናብ ገዝ ኦም ኣብ ሓደ መኦኣልቲ እዮም ዝምለሱ።
ጸረ ቫይረስ ይጠቅም ድዩ?
ዛጊት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ 63 ሰባት በዚ Covid-19, ቫይረስ ከምዝተለኽፉን 2 ካብኦም ከምዝሞቱን ተፈሊጡ ኣሎ።
ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕክምና ዶ/ር ፖል ከሊ ከምዝገልጾ ን HIV, remdesivir, ዝውዕል መድሃኒት ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ዝውዕል እንተኾይኑ ኣብፈተነ ኣሎ።
“ክሳብ ሕጂ ግና እዚ መድሃኒታት ን ኮሮናቫይረስ ዝጠቅም ምዃኑን ዘይምዃኑን መረጋገጺ የለን። ገና ኣብ ናይ ፈተና ኩነታት እዩ ዘሎ።” ዶ/ር ከሊ.
“በዚ ምኽንያትዚ ኢና፡ እቲ ጥንታዊ ኣገባብ ስጉምቲ ህዝባዊ ጥዕና ማለት ዉሸባ፡ ምግላል ፥ ናይ ኢድ ምሕጻብን ካልእን ስጉምቲ ክውሰድ ንሕብር ዘለና።"
ስለዚ ካል ኦት ሃገራት እንታይ እየን ዝገብራ ዘለዋ?
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰብመዚ ጥዕና ይገልጽዎ ከምዘለዉ መረምራ ኮሮና ቫይረስ ካብቶም ኣዚዮም ዝሓመሙ ክሳብ ሰፊሕ ህዝቢ ክግበር ክጅምር እዩ።
እቲ መስርሕ መርመራ ልክዕ ከምቲ ን ሰዓል ዝግበር ናይ ምራቕ ቅምሶ ብምውሳድ እዩ ክኸውን፡ እቶም ከቢስ ሰኣል ዘለዎም ናይ ምራቕን ዓኽታን ሕዋስ ቅምሶ ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም።
እቲ መርመራ ምስተገብረ ኣብ ዉሽጢ 24 ድሉው ክከውን እዩ።

A sign about the supply of face masks and gloves hangs at a pharmacy near Times Square in New York. Source: EPA
ኣብ ሲንጋፖር ዝተገብረ ክትትል ብ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተሞጉሱ እዩ።
ሲንጋፖር ብ 4 ለካቲት 18 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም መንግስቲ ድማ ህዝቢ ገዛእ ርእሱ ከግልል ቅልጡፍ ደገፍ ሂቡ።
ነቶም ዝተለኽፉ ሰባት ነጻ ናይ ሕክምና ክንክንን ክግበረሎም ነቶም ባዕሎም ዘግለሉ ሰባት ድማ $110 AUD ($100 SGD) መተባብ ዒ ክገብረሎም ምዃኑ እቲ አንግስቲ መብጽ ዓ ሂቡ።.

A staff takes the temperature of a visitor at the entrance of a library in Singapore. Source: EPA