ኮሮናቫይረስ ኣለኒ ኢልካ እንተሓሲብካ እንታይ ስጉምቲ ኢኻ ክትወስድ ዝግባእ?

ናይ ኮሮናቫይረስ መድሃኒት ንምርካብ ተመራመርቲ ሕክምና ኣብ ልዑል ጻዕሪ እዮም ዝርከቡ፡ እቲ ዝግበር ክንክን ግና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፋላለ እዩ።

Janice Geary, clinical nurse consultant of Infection Management Services, is seen inside the fever clinic at the Prince Charles Hospital in Brisbane.

Janice Geary, clinical nurse consultant of Infection Management Services, is seen inside the fever clinic at the Prince Charles Hospital in Brisbane. Source: AAP

ክልተ ወርሒ ድሕሪቲ ኮሮናቫይረስ መዛረቢ ዓለም ምዃን ምጅማሩ ዛጊት 79 ሃገራት ኮሮና ቫይረስ ከምዝ ኣተወን ዝገለጻ ኮይነን በዚ ቫይረስ ልዕሊ 95,000 ሰባት ዝተለኽፉን 3,280 ምዉትታን ተረኺቦም ኣለዉ።

ስለዚ ክምርመር ይግባኣኒ እዩ?

ረስኒ፥ ምስዓል፡ ጸረርታ ናይ ኣፍንጫ ሕጽረት ምስትንፋስን ወይ ካልእ ምልክታትን እንተዘይሃልዩካ ወይውን ኣብዚቅሩብ እዋን ናብ ቻይና፥ ኢራን ወይ ናብተን ኣብ ሃገራተን ከቢድ ሓደጋ እዚ ሕማም ዘለወን ሃገራት እንተዘይተጓዒዝካ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ምግባር ከምዘየድሊ ደፓርመንት ጥዕና  NSW ፥ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምልክታት እንተተራእዮም ግና “ናብ ሓኪምካ ከይድካ ተመርመር ወይውን ናብ ኣብቀረባኻ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ኩነታት ደፓርትመንት ምኻድን ክሳብ ዉጽኢት መርመራ ዝመጽእ ገዛእ ርእስኻ ፍለ።” ወሃብ ቃል እቲ ደፓርትመንት ገሊጹ።
“እቲ ኣገዳሲ ነገር ምልክታት እንተሊዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ናብ ስራሕ ናብ ዩኒቨርሲቲ፥ ናብ ጂም ዘይምኻድ፥ ህዝባዊ ትራንስፖርት፡ ታክሲ ወይ ኣብ ናይሓባር ትራንስፖርት ዘይምጥቃም ይግባእ"

“እንተተረኺቡ ሕክምናዊ ክትትል ኣብትገብረሉ እዋን ናይ መጥባሕቲ መሸፈኒ እስትንፋስ ምውዳይ።"
فرودگاه بین المللی بریزبن
Source: AAP
ን Covid-19 ዝኸውን ፍሉይ መድሃኒት የለን፡ እንተኾነ ቀልጢፍካ ምልክት ምልላይን ሓፈሻዊ ክንክን ግብረመልሲ ምግባር ኣድላዪ እዩ፡

“እቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሕማም ዝርከቡ ግና ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም እዩ።”

እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑን ተወሺቦም ዝጸንሑን እቲ ምልክት ደው ምስበለ ናብ ገዝ ኦም ኣብ ሓደ መኦኣልቲ እዮም ዝምለሱ።

ጸረ ቫይረስ ይጠቅም ድዩ?

ዛጊት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ 63 ሰባት በዚ Covid-19, ቫይረስ ከምዝተለኽፉን 2 ካብኦም ከምዝሞቱን ተፈሊጡ ኣሎ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕክምና ዶ/ር ፖል ከሊ ከምዝገልጾ ን HIV, remdesivir, ዝውዕል መድሃኒት ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ዝውዕል እንተኾይኑ ኣብፈተነ ኣሎ።
“ክሳብ ሕጂ ግና እዚ መድሃኒታት ን ኮሮናቫይረስ ዝጠቅም ምዃኑን ዘይምዃኑን መረጋገጺ የለን። ገና ኣብ ናይ ፈተና ኩነታት እዩ ዘሎ።” ዶ/ር ከሊ.

“በዚ ምኽንያትዚ ኢና፡ እቲ ጥንታዊ ኣገባብ ስጉምቲ ህዝባዊ ጥዕና ማለት ዉሸባ፡ ምግላል ፥ ናይ ኢድ ምሕጻብን ካልእን ስጉምቲ ክውሰድ ንሕብር ዘለና።"

ስለዚ ካል ኦት ሃገራት እንታይ እየን ዝገብራ ዘለዋ?

ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰብመዚ ጥዕና ይገልጽዎ ከምዘለዉ መረምራ ኮሮና ቫይረስ ካብቶም ኣዚዮም ዝሓመሙ ክሳብ ሰፊሕ ህዝቢ ክግበር ክጅምር እዩ።

እቲ መስርሕ መርመራ ልክዕ ከምቲ ን ሰዓል ዝግበር ናይ ምራቕ ቅምሶ ብምውሳድ እዩ ክኸውን፡ እቶም ከቢስ ሰኣል ዘለዎም ናይ ምራቕን ዓኽታን ሕዋስ ቅምሶ ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም።
epa08272995 A sign about the supply of face masks and gloves hangs at a pharmacy near Times Square in New York, New York, USA, 05 March 2020. There are reportedly 22 confirmed cases of the coronavirus in New York.  EPA/JUSTIN LANE
A sign about the supply of face masks and gloves hangs at a pharmacy near Times Square in New York. Source: EPA
እቲ መርመራ ምስተገብረ ኣብ ዉሽጢ 24 ድሉው ክከውን እዩ።

ኣብ ሲንጋፖር ዝተገብረ ክትትል ብ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተሞጉሱ እዩ።

ሲንጋፖር ብ 4 ለካቲት 18 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም መንግስቲ ድማ ህዝቢ ገዛእ ርእሱ ከግልል ቅልጡፍ ደገፍ ሂቡ።
Coronavirus explainer
A staff takes the temperature of a visitor at the entrance of a library in Singapore. Source: EPA
ነቶም ዝተለኽፉ ሰባት ነጻ ናይ ሕክምና ክንክንን ክግበረሎም ነቶም ባዕሎም ዘግለሉ ሰባት ድማ $110 AUD ($100 SGD) መተባብ ዒ ክገብረሎም ምዃኑ እቲ አንግስቲ መብጽ ዓ ሂቡ።.

 


Share

Published

By Ilias Bakalla

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service