ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ ሲድኒ ኣትዩ ንጳጳስ ማር ማሪ ኣማኤል ዝወግአ ሰብ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ዘሎ ሓቅታት።

እቲ ወዲ 16 ዓመት ብሰኑይ ኣብ ቤተ ክርስትያን “ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ” ነቶም ጳጳስ ምስ ወግአ ኣብ ማሕቡስ ይርከብ።

A police officer walks outside a church

እቲ ብኻራ ምውጋእ ብሰኑይ ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ወረዳ ዋከለይ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን “ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ” እዩ ተፈጺሙ። Source: AAP / Biance De Marchi

ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ እትርከብ ናይ ኣሶራውያን ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ዝፈጸሞ ተግባር ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝርከብ ።

እቲ መንእሰይ ኣቡን ማር ማሪ ኣማኑኤል ሰኑይ ምሸት ርእሶም ብተደጋጋሚ ብኻራ ዝወግኦም ኣብቲ ብቐጥታ ብ ኦንላይን ዝፍኖ ዝነበረ ስርዓተ ስብከት እናካየዱ እዩ ነይሩ ።

ሓደ ካህን ጣልቃ ክኣቱ ድሕሪ ምፍታኑ እውን ተጐዲኡ እዩ ።

ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ዛጊት እንፈልጦ ነገር እንሆ ።

ነዚ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ዝደረኾ ድርኺት እንታይ ነይሩ?

ኮሚሽነር ፖሊስ NSW ካረን ዌብ እቲ መጥቃዕቲ "ተሓሲብሉ ኮነ ኢልካ ከምዝተገብረ " ዘመላኽት ነገር ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ "ግብረሽበራዊ ፍጻመ" ክብል ገሊጻቶ ።

" ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ተደሪኹ ዝገበሮ ምዃኑ ብምርኣይ፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ንምእዋጅ ዘዕግቡ ባእታታት ከም ዘለዉ ኢና እንኣምን: እዚ ሰብ እዚ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ህዝቢ ስብከት እናሰምዐን እቲ መደብ ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት እናተመሓላለፈ ከሎ ንህዝቢ ምፍርራሕ ከም ዘሎዎ ንፈልጥ ኢና: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ምእመናን ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ኢንተርነት ዝርእዩ ሰባት እውን ዘፈራርሐ እዩ" በለት ።
ኣብ ሓንቲ እተዘርግሐት ቪድዮ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ እተነግረሉ ሰብ ፡ "ንነብየይ ተጻሪፍካ" ኢሉ ድሕሪ ምዝራብ ነቶም ጳጳስ ወጊእዎም ።

ብረቡዕ ዳይረክተር ጀነራል ጸጥታ ኣውስትራሊያ ASIO ማይክ በርግስ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቱ ከምዚ በለ: - "ብዛዕባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ንፈልጥ ኢና ። እዚ ውልቀ-ሰብ እዚ ንምንታይ ናብቲ ቦታ ከም ዝኸደ ንምርዳእ ተወሳኺ ነገራት ንምምርማር ክፉት እዩ ።"
እቶም እተወግኡ ጳጳስ ፡ ኣንጻር ዕጽዋ ኮቪድ-19 ፡ ግብረ ሶዶማውነት ፡ ከምኡ እውን ምስ ኣይሁድነትን ምስልምናን ብዚተሓሓዝ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀና ሃይማኖታት ብጋህዲ ርእይቶኦም ብምሃብ ዝፍለጡ እዮም ።

"ሃይማኖታዊ ድራኸ ዘለዎ እዩ ዝመስል: እንተዀነ ግን ብቐጻሊ ነቲ ነገር ክንምርምሮ ኢና" ክብል በርግስ ገሊጹ።

ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኮንኢኖሞ እዮም ፣ ሰባት ክሃድኡን ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕቲ ኸይፍጽሙ ጸዊዖም እዮም ።

ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸሞ ገበን ዝተመዝገበ ኣሎ ድዩ?

ኮሚሽነር ፖሊስ ወብ ከምዝሓበረቶ ፡ እቲ ገበን ፈጺሙ ዝተባህለ ሰብ ብ ፖሊስ ዝፍለጥ 'ኳ እንተኾነ ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሽበራ ግን ኣይነበረን ።

ፕሪሜር ኒው ሳውዝ ወልስ ክሪስ ሚንስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ መንእሰይ ኣብ 2020 ኣብ ቤት ትምህርቲ ካራ ሒዙ ከምተረኽበ ድሕሪ ምርግጋጹ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ናይ ካራ ገበን ኣብ ክትትል ከም ዝጸንሐን ሓቢሩ ።

ናይቲ ከባቢ ከንቲባ ፍራንክ ካርቦን ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ሓደገኛ እዩ ተባሂሉ ንማሕበረሰብ ብዘይምሕባሩ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ ።

A man dressed in white and gold robes reads from a book held aloft by another man. The first man is holding aloft a large crucifix.
Bishop Mar Mari Emmanuel (right) was stabbed on Monday evening at the Assyrian Christian church. Source: Supplied / Christ the Good Shepherd Church

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ተወጊኡዶ?

እቲ መንእሰይ ብኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ብፖሊስ ተቐይዱ ተወሲዱ ።

እቲ እተጠቐምሉ ኣጽዋር ፡ በሊሕ ካራ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ ። እቲ በሊሕ ካራ ን ኣጻብዕቲ ናይቲ መንእሰይ ከምዝሓረዶ ተፈሊጡ ኣሎ።

በቲ ዘጋጠሞ ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ መጥባሕቲ ተኻይድሉ: ኣብኡ ድማ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ክጸንሕ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ።

ኣብቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ዝተሳተፉ ነይሮምዶ?

ዳይረክተር ጀነራል ጸጥታ ኣውስትራሊያ በርግስ ፡ እቲ ዕጡቕ በይኑ ከም ዝዀነ'ዩ ገሊጹ ።

ንሱ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ " ስራሕና ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ከም ዘየለዉ ምርግጋጽ እዩ፡ ምስቲ ሰብ ርክብ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ምርኣይ እዩ" በለ ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ ሲድኒ ኣትዩ ንጳጳስ ማር ማሪ ኣማኤል ዝወግአ ሰብ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ዘሎ ሓቅታት። | SBS Tigrinya