Key Points
- ኣስፓተም ካብ ኮካ-ኮላ ሶዳ ክሳብ ማርስ ተወሳኺ ክሳብ ኣብ ማስቲካ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ።
- ክሳዕ ሕጂ ስምምዕ ኣብ ዝተገብረሉ ደረጃ ንምጥቃሙ ዉሑስ እዩ ።
- እዚዉሳነ እዚ ፡ ውጽኢት እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም እተገብረ ክልተ እተፈላለየ ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ናይ ኪኢላታት ፓነል እዩ ።
እቲ ናይ መመቀሪ ኣስፓርተም "ምናልባት ካርሲኖጀን" ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ክሳዕ ሕጂ ኣብ እተሰማምዓሉ ደረጃ ምጥቃም ዉሑስ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO) እተተሓሓዘ ክልተ ጕጅለ ኣፍሊጦም ኣለዉ ።
እቲ ዝተገብረ ምርምር እንታይ እዩ ዝብል?
እዚ መምርሒታት እዚ ውጽኢት ናይ ክልተ እተፈላለየ ናይ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ናይ ክኢላታት ፓነላት እዩ: ሓደ ካብቲ ጉጅለ ዝቐረበ ሓሳብ ናይ ሓደ ባእታ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ጭብጢ እንተልዩ: እቲ ካልኣይ ከኣ ናይ ብሓቂ ኣብ ህይወት ክንደይ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይግምግም ።
ኣስፓርተም ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝበሃሉ መመቀሪ ኣብ ከም በዓል ኮካ-ኮላክሳብ ማርስ ተወሳኺ ኣብ ማስቲካ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል እዩ ።
ሓላፊ መኣዛታት ምግቢ ውድብ ጥዕና ዓለም ፍራንቸስኮ ብራንካ ፡ ብ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ ተጠቀምቲ ነቲ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል መግለጺታት ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ሽኮር ክርሕቁ ዝደልዩ ሰባት እሞ ኣርተፊሻል ሽኮር ዝጥቀሙ እዚ ንሕድሕዱ ዝጋጮ ክመስል ይኽእል።
'እቲ ዝሓሸ ጽሩይ ማይ ምስታይ እዩ'
ብራንካ ከም ዝገለጾ ፡ "እቶም ተጠቀምቲ ፡ ኮላ ምስ ሽኮራዊ መመቀሪ ወይ ምስ ሽኮር ዘለዎ ክወስዱ እንተ ደልዮም ፡ ሳልሳይ ኣማራጺ ክህልዎም ኣለዎ ንሱ ድማ ማይ ምስታይ እዩ።"
እቲ ኣብ ሊዮን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ካንሰር (IARC) ፡ ብዓርቢ ዝገለጾ ናይ ፈለማ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ምግቢ ዝውሰኽ ነገራት ፡ ኣስፓርታም "ካርሲኖጂን" ከም ዝዀነ ሓቢሩ እዩ ።
እዚ ምደባ እዚ ፡ ሓደ ባእታ መንሽሮ ከምጽእ ከም ዝኽእል ዘርኢ ውሱን መርትዖ ኣሎ ማለት እዩ ።
ሓደ ሰብ በዚ ምኽንያት ኣብ ሓደጋ ንኽወድቕ ክንደይ ዝኣክል መጠን ክወስድ ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ፡ እዚ ብናይ በይኑ ጉጅለ ማለት ፡ማለት በቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ሓባራዊ ኮሚቴ ኣብ መግቢ ዝውሰኽ ነገራት (JECFA) እዩ ክውሰን ።
JECFA ናይ ገዛእ ርእሱ ሰፊሕ ክለሳ ድሕሪ ምግባር: ብዓርቢ እቲ ርኽበት ዘእምን መርትዖ ከም ዘይብሉን ኣብ መዓልቲ ካብ 40ሚ.ግ. ንታሕቲ ኣስፓርታም ምጥቃም ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ።
ሳሕቲ ምጥቃም (ምስታይ ወይ ምብላዕ) ሓደጋ ኣለዎዶ?
ፈለማ እዚ ደረጃ ክህልዎ ኣብ 1981 እዩ ተወሲኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ተቘጻጸርቲ ከኣ ፡ንህዝቦም ተመሳሳሊ መምርሒ ኣለዎም ።
ምስቲ ናይ ሕጂ ምርምር ዘይተኻፈሉ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ፡ እቲ ምስ መንሽሮ ምትእስሳር ዘለዎ መርትዖ ድኹም ምዃኑ ገሊጾም እዮም ።
ማሕበራት ኢንዱስትሪ ምግብን መስተን ፡ እቲ እተገብረ ውሳነ ፡ ውሑስ ከም ዝዀነን ነቶም ኣብ ኣመጋግባኦም ሽኮር ክንክዩ ዝደልዩ ሰባት ጽቡቕ ኣማራጺ ከም ዝዀነን ገሊጾም እዮም ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ እቲ ሕጂ ዝውሰድ መጠን ሃልኪ ፡ ማለት ንኣብነት ፡ ሓደ ካብ 60-70ኪግ ዝኽብደቱ ሰብ ፡ ነቲ ደረት ንምሕላፍ ፡ መዓልታዊ ልዕሊ 9-14 ታኒካ (ኬን) ሶዳ ኽሰቲ ኣለዎ ፣ እዚ ከኣ ፡ ገምጋም ኣብ መስተ ዝርከብ ናይ ኣስፓርታም ትሕዝቶ ፡ ማለት ኣብ ከባቢ 10 ዕጽፊ እቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዝወስድዎ (ዝሰትይዎ ወይ ዝበልዕዎ) እዩ ።
"እቲ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ፡ ሓሓሊፉ ምጥቃም ንመብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይሕብርን እዩ" ብራንካ ።
እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ እንታይ ክኸውን'ዩ?
ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ኩባንያታት ኣስፓርታም ምሉእ ብምሉእ ካብ ፍርያተን ንኸወግዳ ኣይነገድድን ኢና ዘለና ብምባል ፡ ካብ ኣፍረይትን ተጠቀምቲን ዝተመጣጠነ ኣገባብ ክኽተሉ ግና ተማሕጺኑ ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ ፡ መመቀሪ ነገራት ምጥቃም ንክብደት ሰብነት ንምቁጽጻር ይሕግዝ'ዩ ዝብል መርትዖ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ ፣ ነዚ ግና ኢንዱስትሪታት ተቓዊመናኦ እየን ።
"ንሕና ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክር አ ናይ ደወል ምልክት ኣቕሪብና ኣለና" ክብል ብራንካ ገሊጹ ።
እቲ መጽናዕቲ ዘከራኽር እኳ እንተ ኰነ ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ እተገብረ መጽናዕቲ እንስሳታት እተወሰነ መርትዖ ከም እተረኽበ እውን ይገልጽ እዩ ። ኣስፓርታም ምስ መንሽሮ ዝተሓሓዝ ገለ ቀመማዊ ነገር ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ እተወሰነ መርትዖ እውን ነይሩ እዩ ፣ክብል IARC ገሊጹ ።
ሓላፊ IARC ፕሮግራም ሞኖግራፍ ዝዀነት ዶክተር ሜሪ ሹባወር-በሪጋን ፡ "ብናትና ኣረኣእያ፡ ማሕበረሰብ ተመራመርቲ ኣስፓርታም ብምጥቃም ናይ ካርሲኖጂን ሓደጋ ከስዕብ ይኽእልዶ ኣይክእልን ዝያዳ ኸነነጽሮን ኽንርድኦን ክጽዕሩ እዩ ጻዊዕትና" ኢላ።
ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ እተገብረ ግምገማ ርክብ ዘይብሎም ተመራመርቲ ፡ ኣስፓርታም መንሽሮ ከም ዘምጽአ ዝሕብር ድኹም መርትዖ ከም ዘሎ ገሊጾም እዮም ።
ኣብ ኣህጉራዊ ካውንስል ማሕበር ብቨርየጅ ኣካያዲት ስራሕ ዝዀነት ኬት ሎትማን ኣብ መደምደምታ ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ "ኣስፓርታም ሓደጋ ከምዘይብሉ ዳግም ኣረጋጊጹ እዩ።" በለት ።