"ኣብ ርእሲ ኮቪድ፡ ዓመተ 2020 ንዓይ ኣዚያ ከባድ ዓመት’ያ። ምኽንያቱ ሃገረይ ኣብ ከቢድ ጸገም’ያ ወዲቓ ዘላ።” ክብል ዳይረክተር ጀነራል ዉድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኮቪድ-19 ናይ’ዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዝሃቦ ኣፍሊጡ።
ብስም “ሕጊ ምኽባር” ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ብ 4 ሕዳር መጥቃዕቲ ክፍጽም ድሕሪ ምእዛዙ ኣሻሓት ህዝቢ ሃሊቑ ኣሎ። በሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ድማ ካብ ገዝኡ ተመዛቢሉን ናብ ሱዳን ተሰዲዱን ኣሎ።
ዶ/ር ቴድሮስ ካብ ትግራይ መበቆል ዘለዎ ኮይኑ፡ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለጺ “ንእሽቶ ሓወይ ዝርከብዎም ብዙሓት ኣዝማደይ ኣበይ ከምዘለዉ ክፈልጥ ኣይክእል እየ።” ብምባል እቲ ኲናት ክሳብ ኣብ ዉልቃዊ ህይወቱ ዝትንክፍ ከምዝኾነ ንዓለም ገሊጹ።
"መስመር ሓበሬታ ብምብታኹ፡ ምስ ኣዝማደይ ክራኸብ ኣይክእልን’የ።”
ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ቅድሚት ተሰሊፉ ንዓለማዊ ለበዳ ኣብ ምቅላስ ዘሕለፎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተወሳኺ ተጽዕኖ ከምዝፈጠረሉ ኣብሪሁ። ኩነታት “እናኸፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ” ዝበለ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ዉድብ ጥዕና ዓለም፡ “ኮቪድ ከይኣኽለኒ ፡ እዚ ተወሳኺ ዉልቃዊ ቃንዛይ ኮይኑ ኣሎ።” ኢሉ።
"ብዛዕባ መላእ ኢትዮጵያ የጨንቐኒ” ክብል ድማ ገሊጹ።
"ሕጂ ብዛዕባ ንእሽቶ ሓወይ ወይ ኣዝማደይ ጥራይ ክጭነቕ ኣይክእልን እየ፡ ምኽንያቱ ብምሉኡ እቲ ኩነታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት’ዩ ወዲቑ ዘሎ።”
ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ቶአድሮስ ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ካብ 2005-2012 ኣብዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን ን ትግራይ ዝኸውን መሳርያ ኣብ ምዕዳግ ተዋፊሩ ኔሩ ክብል ከሲስዎ ኔሩ።
ዶ/ር ቴድሮስ ብትዊተር ኣብዝጸሓፎ መልእኽቲ ነዚ ክሲ ዘይቅቡልን ዕንወት ኲናት ብንእስነቱ ከምዝተመኮሮን “ብህይወተይ ዝተመኮርኩዎ ብምዃኑ ወትሩ ንሰላም’የ ዝሰርሕ።” ክብል ገሊጹ።
"ገለ ጸብጻባት ኣነ ኣብዚ ኩነታት ጸግዒ ከምዝሓዝኩ ዝዛረቡ ኣለው፡ ኣነ ናብ ሓደ ነገር ጥራይ እየ ጸግዒ ዝሕዝ ንሱ ድማ ናብ ሰላም ጥራይ እየ ዝውግን።” ክብል ጽሒፉ ኔሩ።
ኣብቲ ናይ ሰኑይ መግለጺኡ ዶ/ር ቴድሮስ ብዛዕባ እዚ ለበዳን ብዛዕባ ኢትዮጵያን ይጭነቕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ ከምዚ ኢሉ፡ " ብዛዕባዚ ክልቲኡ ኣጸጋሚ ኩነታት የጨንቐኒ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ድማ በታ ጓለይ ዝወለደታ ጓል ድማ ተስፋ እርእይ ኣለኹ።”