ተኣፋፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ ዝግበሩ ጻዕርታት ድሕሪ ምምራሓን ሕጂ ድማ ኣብ ዋና ከተማኣ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ዝርርባት ሰላም ብምእንጋድ ፓኪስታን ትጽቢት ዘይተገብረላ ሸምጋሊት ኣብ መንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ኮይና ተቐልቂላ’ላ።
ናይ ሰሙናት ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣሽሓት ምውታት ገይሩ ገዲፍዎም፣ ንግሎባዊ ዕዳጋታት ጸዓት ድማ ኣናዊጽዎም ይርከብ፣ እንተኾነ ግን ክልቲኦም ወገናት ግዝያዊ ምቁራጽ መጥቃዕታት ክገብሩ ድሕሪ ምስምምዖም ሮቡዕ ተስፋታታት ንምብቃዕ ናይ’ቲ ኲናት ተቐልቂሎም ኣለዉ።
እታ ክሳብ ሕጂ ከም መንጎኛ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ንሓያለ ሰሙናት ኮይና ክትነጥፍ ዝጸንሐት ፓኪስታን፣ ነዚ ዕርቂ ክግበር ብምሕጋዛ ክብሪ ተዋሂብዋ’ሎ፣ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝርርብ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፓኪስታን’ዩ ነዚ ናይ ክልተ ሰሙናት ምቁራጽ ክውን ክኸውን ገይርዎ ይብል።
ሕጂ ቀቅድሚ’ቶም ዝርርባት ሰላም ኢስላማባድ ኣብ ተጠንቀቕን ሓለዋን ትርከብ፣ ወተሃደራዊ ኣልባሳት ዝተኸድኑ ዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ እናተንቀሳቐሱ ይሕልዉ፣ መካይንን ካልኦት መጓዓዝያታትን ናብ ካልኦት ጎደናታት ክውሕዙ ዝግበርሉን ነቑጣታት ፖሊስ ዝተመደቡሉን ኩነታት ኣለዉ።
እቶም ዝርርባት ብቐጥታ ኣይክኾኑን’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር፣ ኢራናውያንን ኣሜሪካውያንን ሰበስልጣን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ክኾኑ፣ ሰብ መዚ ፓኪስታን ድማ ነቶም እማመታት ካብን ናብን እናተመላለሱ ክቕርብሎም - እዚ ሜላ ዘተ ቀቅድሚ’ቲ ኲናት ኣብ ዙራት ሽምግልና ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዖማን ምስ ዝተጠቕመትሉ ተመሳሳሊ ምዃኑ’ዩ።
ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢስላማባድ ንምክትል ፕረዚደንት ጀይ ዲ ቫንስ፣ ፍሉያት ልኡኻት ስቲቭ ዊትኮፍን ሰብኣይ ጓሉ ንትራምፕ ዝኾነ ያሬድ ኩሽነርን ዘካተተ’ዩ።
እዚ ርክብ ድሕሪ’ቲ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ነበር ጆን ኬሪ ነቲ ትራምፕ ኣብ 2018 ንኣሜሪካ ከም ትወጽእ ዝገበራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ንዩክለሳዊ ስምምዕ 2015 ድሕሪ ምዝታዩ ዝካየድ ዘሎ ዝለዓለ ጽምዶ ኣሜሪካ ምስ ኢራን’ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺን ኣፈኛ ባይቶ መሓመድ ባቐር ቓሊባፍን ንልኡኽ ኢራን ክመርሕዎ ትጽቢት ይግበር።
ዊትኮፍን ኣራግቺን፣ ኣሜሪካን እስራኤልን 28 ጥቅምቲ ንላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዓሊ ኻመይኒ ዝቐተለ መጥቃዕታት ኣየር ቅድሚ ምጅማረን፣ ብዖማን ኣብ ዝተሸምገሉ ብዙሓት ዙርያ ዝርርባት ተሳቲፎም’ዮም።
ወሰንቲ ዝምድናታት ፓኪስታን
ልዑል ቦታ ፓኪስታን ከም ሓንቲ ሸምጋሊት ዝመጸ ካብ’ቲ ዘይተለምደ ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ መርበባታ’ዩ።
ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ቱርኪየን ቻይናን ድልዱል ዝምድና ፈጢራ’ያ፣ ሰብመዚ ትራምፕን ፓኪስታንን ቻይና ኢራን ናብ’ቲ መዛተዪ ጠረጴዛ ክትመጽእ ብምሕጋዛ የሞግስዋ።
ፓኪስታን ብተወሳኺ ዝምድናኣ ምስ ኣሜሪካ ኣመሓይሻ’ያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ምስ ትራምፕ ጥቡቕ ዝምድና መስሪቶም፣ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ናብ ዋይት ሃውስ ምብጻሕ ክፍጽሙ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎሞ።
ፓኪስታን ብተወሳኺ ናይ 900 ኪሜ ዶብን ዓሚቕ ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ሃይማኖታውን ምትእስሳር ምስ ኢራን ትካፈል።
ፓኪስታን ኣብ ዓለም ብካልኣይ ደረጃ ድሕሪ ኢራን ዝስራዕ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣመንቲ ሺዓ ዝነብሩላ’ያ።

ስቱቲ ባትናጋር መምህር ኣብ ኢንዶ-ፓሲፊካዊ መጽናዕታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ካንቤራ፣ ንኤስቢኤስ ኒውስ ከምዝሓበረቶ ፓኪስታን “ብመንጽር ጂኦግራፊን ጂኦፖሊቲካን ኣብ’ዚ ግጭት ኣብ ማእከላይ ቦታ’ያ ተቐሚጣ ዘላ”።
“ብኣጋጣሚ ንነብሳ ኣብ ልክዕ ቦታን ልክዕ ግዜን ረኺባታ” ድማ ትብል።
እንተኾነ ግን ፓኪስታን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝበሃል የብላን፣ እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ኣብ’ቲ ዞባ ሰላም ንምውሓስ ዝግበር ፈተነ ኣገዳሲ ኣካል ኮይኑ ዝቕጸለ’ዩ፣ ምኽንያቱ ኢራን እቲ ስምምዕ ዕርቂ እስራኤል መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደው ከተብል ዝብል ቅድመ ኩነት ስለዘቐመጠት፣ እዚ ጠለብ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣይንቕበሎን ብምባል ዝደፍኣሉ’ዩ።
ልዑል ኣገዳስነትን ውጽኢትን ንኹሎም ወገናት
ፓኪስታን ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ውጽኢት ንጹር ዝኾነ ተገዳስነት ኣለዋ፣ ምኽንያቱ እቲ ግጭት ኣብ’ቲ ዞባ ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋ ጸጥታን ቁጠባን ስለዝስከም።
ዝዓበየ ክፋል ናይ’ቲ ዝበዝሐ ክፋል ኣታዊ ነዳዲታታ ብመንገዲ’ቲ ኣንጻር ተጻብኦ ኣሜሪካን እስራኤልን ሕነኣ ክትፈዲ ብቕጽበት ዓጽያቶ ዘላ መጻብቦ ሖርሙዝ’ያ ተእትዎ።
ፓኪስታን ብተወሳኺ ውዕል ምክልኻል ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣለዋ፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾነ ተጻብኦ ኣብ ልዕሊ ሓዲኤን ኣብ ልዕሊ ክልቲኤን ከምዝወረደ’ዩ ዝቑጸር።
መጥቃዕታት ድሮንን ሚሳይላትን ኢራን፣ ኣካል ናይ’ቲ ንመሻርኽቲ ኣሜሪካ ኣብ’ቲ ዞባ ዝዓለመን ግሎባዊ ንግዲ ነዳዲ ንምስንኻል ዝሃቀነን ዝሰፍሐ ጎስጓስ መኸተ፣ ንስዑዲያ’ውን ወሲኽካ፣ ንትሕተቅርጺ ጸዓት ሃገራት ወሽመጥ ዒላማ ገይሮም’ዮም።
ልክዕ ከም’ተን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ስዑዲ ዓረብ’ውን ዝያዳ ምግዳድ ካብ ኢራን ብምስጋእ ኣብ’ቲ ኲናት ብቐጥታ ካብ ምጽንባር ተቖጢባ ኣላ።
“ኣብ’ዚ ኲናት ስዑዳውያን ከጥቅዑ እንተወሲኖም፣ ፓኪስታናውያን ምስኦም’ዮም ክውግኑ ዘለዎም፣ ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ኢራን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከእትዎም’ዩ ማለት’ዩ።” ትብል ባትናጋር።
ማንሱር ኣሕመድ፣ ናይ ክብሪ መምህር ኣብ ማእከል መጽናዕታት ስትራተጂን ምክልኻልን ኣብ ኣውስትራልያን ናሽናል ዩኒቨርሲቲ ንኤስቢኤስ ኒውስ ክሕብር’ንከሎ ተራ ፓኪስታን ከም ሓንቲ ሸምጋሊት ውጽኢት ናይ ብዙሓት ዝደራረቡ ረቛሒታት’ዩ ይብል።
“ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ እዋን ብኹሎም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ’ዚ ኲናት ሰናይ ተቐባልነት፣ ልዑል ስትራተጂካዊ ተሰማዕነትን ጽልዋን ኣለዎም - ብፍላይ ድማ ኣብ ጽባሕ ናይ’ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ግጭት ህንዲን ፓኪስታንን - እዚ ግጭት መሊሱ ከይገድድ ኣብ ምርግጋጽ ድማ ቀጥታዊ እጃም ኣለዎም፣” ክብል ይገልጽ።
ካልኦት ሸምገልቲ ኣብ’ቲ ዞባ ኸ፧
ቐጠር፣ ንዖማን’ውን ወሲኽካ፣ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ኣብ’ቲ ዞባ ናይ ምትዕራቕ ወይ ምሽምጋል ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ፣ ነቲ ኣብ 2023 ዝተኻየደ ምልውዋጥ እሱራት ወሲኽካ፣ ቁልፊ ዝኾነ ተራ ኣብ’ቶም ቀዲሞም ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ድሕሪ መጋረጃ ዝተኻየዱ ዘተታት ተጻዊታ’ያ።
እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ግጭት ማእከላይ ተራ ሸምጋልነት ምውሳድ ኣብያ ከምዝጸንሐት ክጽብጸብ ጸኒሑ’ዩ።
ከም’ተን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ፣ ቐጠር’ውን ኣብ’ዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕተቅርጽታት ጸዓታታ መጥቃዕቲ ገጢምዋ’ዩ - ካብ ክልቲኦም ማለት ካብ ኢራንን እስራኤልን።
ኣሕመድ ከም ዝብሎ ቐጠር ብተወሳኺ ከም’ቶም ፓኪስታን ዘኻዕበተቶም ፍሉያት ዓይነታት ዝምድናታት ይሓጽሩዋ’ዮም።

“ቐጠር ከምኡ ዓይነት ስትራተጂካዊ ጥምረትን ዝምድናን ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ቱርኪየን ምስ ቻይናን፣ ምስ ኣሜሪካን ኢራንን ኩሉ ኣብ ሓደ እዋን የብላን።” ክብል ይውስኽ።
ባታንጋር ብወገና ኣብ’ቲ ዞባ ምጥፋእ ወይ ምፍራስ እምነት ወይ ምትእምማን ተፈጢሩ’ዩ ትብል።
“ኢራን ንዖማን ብቐጥታ ኣየጥቃዓታን፣ ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዝተወሰነ ምክብባር ኣሎ። ቐጠርን ካልኦት ሃገራት ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥን ግን ኣብ’ዚ ኲናት ኣደራዕ መጥቃዕታት ኢራን ብሓቂ ዘኒብወን’ዩ።”
— ምስ ተወሰኸቲ ጸብጻባት ካብ Agence France-Presse.
እዋናዊ ዜናታት ካብ SBS News ክትረኽቡ ኣፕና ጸዓንዎ (download our app) ወይ ድማ ዜናታት ክመጻኩም ተመዝገቡ (subscribe to our newsletter)

