Opinion

ሞሮኮ ንምንታይ እታ ኣዝያ መሳጢት ዛንታ ዋንጫ ዓለም ኮይና፧

ብምኽንያት ሃንደበታዊ ልዑል ናህሪ ኣድረናሊን ሰባት ኪንዮ ሰብኣውነት ዝኾኑ ተግባራት ፈጺሞም ዝብሉ ዛንታታት ሰሚዕኩም ኣለኹም። ንሞሮኮ ኣብ ናይ'ዚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ክዕዘቦም እንከለኹ ከምኡ'ዩ ተሰሚዑኒ ይብል ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ኤስቢኤስ ደይቪድ ባሺር።

Morocco v Portugal: Quarter Final - FIFA World Cup Qatar 2022

Sofyan Amrabat of Morocco competes for the ball during their superb FIFA World Cup quarter-final match against Portugal. Credit: Zhizhao Wu/Getty Images

ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብቐጥታ ንምዕዛብ ኣብ'ዚ SBS On Demand ጠውቑ።

ኣብ'ቲ ኲናት/ግጥም እምበረ መጠን ውፉያትን ትንፉስ ዘይህቡን፡ ኣብ ምቁጽጻር ጸወታ በላሕትን ጸቕጢ ኣብ ምጽዋርን ኣብ ትሕቲ'ቲ ጸቕጢ ናይ ምጽዋትን ክእለት ሒዞም ሞሮኮ መሰረታት ስርርዕ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ነቕነቕ ኣቢሎሞ ኣለዉ።

እዞም ቀዳሞት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሑ ሞሮካውያን ሓበን መላእ ዞና ኣዕራብ'ውን እዮም። ፈንጠዝያ ሓጎስ ደገፍቲ ዘይጸዓድ ሓይሊ ንምፍጣር ደጊሙ ተመስሪሑ፡ ሓይሊ ናይ'ዚ ምሉእ ብምሉእ ንምስትምቓር ግጥም ብቐጥታ ኣብ'ቲ ሜዳ ኣቲኻ ምዕዛብ ጥራይ'ዩ ዘድሊ። ሓደ መንደቕ ድምጺ ብውሽጢ'ቶም ተጻወቲ ሓሊፉ ሓደ ብዝተዓጻጸፈ መጠን ዝተደረዐ ጸዓት ይፈጥር።
ሞሮኮ ነተን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ምስ በጽሓ ዝተገትኣ ሰለስተ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ሓሊፎመን ኣለዉ- ካሜሩን 1990፡ ሰነጋል 2002 ከምኡ'ውን ጋና 2010።


ኣብ ቐጠር ንቤልጅም፡ ስፐይንን ፖርቱጋልን ሽቶ ዝበሃል ከይኣተዎም ስዒሮመን ኣለዉ፡ ኣብ'ተን ሓሙሽተ ግጥማቶም ከኣ ትሽዓተ ቅላዓት ጥራይ ዒላምአን ብምህራም ናብ ልዳቶም በጺሐን፡ ኣርባዕተ ግዜ ልዳቶም ረጊጦም ኣንጺሆም ሒዞሞ። እዚ ኩሉ ክብጻሕ ዝተኻእለ ኩዕሶ ኣብ ዘይሓዝሉ ወይ ኣብ ዘይቋጻጸርሉ እዋን ንኹሉ ቦታታት ኣጽቢቦም ብምሓዝን ብምዕጻውን ዝጥቀምሉ ሜላ'ዩ፡ እዚ ኸኣ ንመቐናቕንቶም ይሓንቆም፡ ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም የጥቅዑ፡ ዕድል ክርከብ እንከሎ ኸኣ ናብ መጥቃዕቲ ብቐሊሉ ይሰጋገሩ።


ንሕና እቲ ኣብ መወዳእትኡ ምሉእነት ዘይረኸበ ዛንታ ብዛዕባ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ክሪስትያኖ ሮናልዶን እቲ ንዕኡን ንፖርቱጋልን ዝሸመመ ድራማን ክንዛረብ ንኽእል ንኸውን፡ እዚ ግን ካብ'ታ ኣዝያ ኣገራሚት ዛንታ ናይ'ዚ ዋንጫ ዓለም ኮይና ዘላ ሞሮኮ ክትእለ ምፍታን ጥራይ'ዩ።

ኣሰልጣኒ ዋሊድ ረግራጒ ዝተካህነ ጥበበኛ ወይ ክኢላ ምክልኻል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝዝረብ ዓብላሊ ኣርእስቲ'ውን ቀሊስዎን ቀሪጽዎን'ዩ፡ ናብ ሓደ ሓያል መሳርሒ ወይ ናውቲ ከም ዝሕይል ጌሩ፡ ብውሽጢ'ዚ መጠን ኣልቦ ሓጎስ መታን ክሓልፍ ቃላቱ ብጥንቃቐ ብምምራጽ።

"ንሕና ናይ'ዚ ዋንጫ ዓለም 'ሮኪ ባልቦዋ' ኢና፡ ኩላትና ሻሞኢዮን ዓለም ክንከውን ኢልና ክንሓልም መሰልን ግዴታን ኣለና፡" ኢሉ ንፖርቱጋል ድሕሪ ምስዓሮም።"


“ንሕና ኩሉ ሰብ ዝፈትዋ ጋንታ ኢና። ከምችቲ ዝድለ ክእለት ዘለዎም ተጻወቲ ከይህልዉና ይኽእሉ'ዮም፡ እንተኾነ ግን እምነት፡ ድሌት፡ ህንጡይነት፡ ኣለና፡ ስዒርና ኢና ኸኣ። ብዛዕባ ተኣምራት ኣይኮነን፡ ብዛዕባ ውጽኢት ጻዕሪ'ዩ፡" ክብል ከኣ ወሲኹ።


ምስ ጸገማት መጉዳእቲ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ዝኾኑ ተጻወቲ፡ ሮመይን ሳኢስ፡ ኖሰይር ናዝራዊ፡ ናየፍ ኣጔርድን ሶፍያን ኣምራባትን፡ ሞሮኮ ኣብ ግጥሞም ናይ ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ፈረንሳ ተኣምር ከጽበዩ ከድልዮም ይኽእል ይኸውን፡ ግን እቲ ሓደ ርጉጽ ኮይኑ ዘሎ ኣብ'ዚ ውራይ ዝኾነ ውጽኢት ርጉጽ ዘይምዃኑ'ዩ። እዚ ኣፍሪቃዊ/ዓረባዊ ሕልሚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክናዋሕ ዝኽእል እንተኾይኑ ሓቢርና ንርኣዮ።

ዘየወላውል እምነት ቀንዲ መፍትሕ ዓወት ክሮኤሽያ ኣብ ልዕሊ ብራዚል


ግጥም ርብዒ ፍጻመ ኣብ መንጎ ብራዚልን ክሮኤሽያን እቲ ክትከላኸሎ ዘጸግም ሓይሊ ነት ነቕ ዘይብል ኣቕሓ ከዳኽሞ ወይ ከረብርቦ ዝግብኦ'ዩ ኔሩ።


ከዋኽብቲ ዝመልእዎ መጥቃዕቲ ብራዚል ብርግጽ ነቶም ምእላይን ምቁጽጻርን ግጥማት ዝመለለይኦም ክሮኤሽያውያን ክረጋግጽዎም ይግብኦም፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ተወሳኺ ሰዓት ነይማር ጁኒየር ሽቶ ምስ ኣመዝገበ ከምኡ ዝኸውን ይመስል ኔሩ።

ሓደ ንዓይ ፍሉይ ዝኾነ ነገር ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ናይ'ቲ ተወሳኺ ግዜ ኣጋጢሙ። ነይማር ምስ ደቂጋንትኡ ኮይኑ የብዕል ኔሩ፡ ኣነ ገና ከይተወደአ ኢለ ሓሲበ፡ ውዱእ ጌሮሞ።

እዚኦም ጋንታ ክሮኤሽያ ግን መዓስ'ዩ ተወዲኡ ዝበሃል ኣይርድኦምን'ዩ፡ ምእማን ፈጺሞም ደው ኣየበሉን፡ ሰንጣቒ ጩራ መውጽኢ ባብ ዋንጫ ዓለም ኣፍጥጦም ምስ ጠመቱ፡ ሎሚ ፈጺሙ ኣይከውንን'ዩ፡ ሕጂ ኣይከውንን'ዩ ኢሎም።


ካብ ገለ ሓይሊን ዕላማን ረኺቦም፡ ተቐይሩ ዝኣተወ ብሩኖ ፔትኮቪች ኣብ ካልኣይ ክፋል ተወሳኺ ሰዓት ካብ ሚስላቭ ኦርሲች ዝተቖርጸትሉ ኩዕሶ ሽቶ ምስ ኣመዝገባ፡ ነቲ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ናብ ሕቑንቅን ፍጹም ቅላዓት ከምዘምርሕ ገይሮሞ። ኣብ ክፉት ጸወታ ሓንቲ ቅላዕ ጥራይ ዒላምኣ ሃሪማ ሽቶ ኣትያ። እዚ ኣድማዕነት ይበሃል።


ሉካ ሞድሪች ን120 ደቓይቕ መስመር ምክፍፋል ክመርሕን ከወሃሃድን ድሕሪኡ ኸኣ ነታ እጃሙ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብህድኣት ከመዝግባ ክትዕዘቦ ጥዑም ዛንታ ኩዕሶ እግሪ'ዩ። እቲ ርጉዲ ዓንዲ ልዳት ንማርኲኖስ ሽቶ ካብ ምምዝጋብ ደው ምስ ኣበሎ፡ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዘለዋ ብራዚል ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ዝተሞከረቶ ዘሕዝን ውጽኢት ተሰሚዕዋ።

ሞድሪች ልክዕ ሕልሙ ከምዝተዓቀበሉ ሓጎሱ ገሊጹ። ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ማድሪድ ወዲ ጋንትኡ ዝነበረ ካሰሚሮ እንቋዕ ሓጎሰካ ክብል ሓቚፍዎ፡ ናቱ ከቢድ ጓሂ ብዝለዓለ መጠን ተቖጻጺሩ ስፖርታዊ ጭዋነትን ክብርን ብምርኣይ።


እዞም ዝላትኮ ዳሊች ዘሰልጥኖም ክሮኤሽያውያን ኣንጻር ኣርጀንቲና ጽቡቕ ክገጥሙ'ዮም። እቲ ሕቶ ኣብ 37 ዓመቱን ድሕሪ ከበድቲ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍን ክንደይ ዝኣክል'ዩ ሞድሪች ከፍሪ፧ ምኽንያቱ ክሮኤሽያ ንሊዮነል መሲ ክምክትዎ እንተኾይኖም ብልሒ ሞድሪች ከድልዮም'ዩ።


እዚ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክብሪ ነቶም ኣብ 2018ን 2019ን ተኸታቲሎም ስልማት ባለን ድ'ኦር ወይ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ዝወሰዱ ተጻወቲ'ዩ። ኣብ ከም'ዚ ዓቢይ ህሞት ክልተ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ተጻወቲ ኣብ ሓደ ሜዳ ክንዕዘቦም ምኽኣልና ክሳብ ክንደይ ዕድለኛታት ኢና፧ ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ሕልሚ ዋንጫ ዓለም ክጭብጡ ይሓልሙ'ለዉ፡ ግን ሓዲኦም ጥራይ'ዩ ሓድጊ ታሪኹ ጽሒፉ ክገድፍ ዕድል ዝህልዎ።

መኖም ይስዕር ትብሉ፧

Share

Published

Updated

By David Basheer
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service