Explainer

ስለምንታይ እየን ኢራናዊያን ኣንስቲ ጸጕረን ዚቘርጻን ሕጃበን ዜቃጽላን ዘለዋ፧

ማህሳ አሚኒ ኣብ ኢራን ሂጃብ ብግቡእ ኣይለበሰትን ብዝብል ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ንናጽነተን ንምዕፋን ዝገበሮ ፈተነ ብምቅዋም ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር "ቅጡዕ" ምንቅስቓስ ይገብራ ኣለዋ ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ብዙሓት ተቓወምቲ ደው ኢላ ፡ ሒጃብ ኣልዒላ ብሓዊ ኸተንድዶ ትርአ ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቓወምቲ ፡ ድሕሪ ሞት ማህሳ ኣሚን ፡ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ብምሕባር ናብ ጐደናታት ወጺኦም ተቓዉሞኦም የስምዑ ኣለዉ ። Source: Getty / AFP / Yasin Akgul

Key Points
  • ሞት ኩርዳዊት ሰበይቲ ማሕሳ ኣሚን ኣብ መላእ ኢራንን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ እዩ ።
  • ሚስ አሚኒ ንምንታይ ተኣሲራ? ሕግታት ኢራን ኣብ ዙርያ ህጃብ እንታይ እዮም? ኣንስቲኸ ብምንታይ ይቕጽዓ ?
ማሕበራዊ መራኸቢታት ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጐደናታት ኢራን ደቂ ኣንስትዮ ፡ ንሕጊ መንግስቲ ብምቅዋም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሕጃበን ዘቃጽላ ፡ ናይ ተቓውሞ ሕ ምስሊ ኣዕለቕሊቖም እዮም ቀንዮም ።
ጓል 22 ዓመት ማሕሳ ኣሚኒ ካብ ትመውት ንነጀው ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝኣክል ኣብ ከባቢ ኢራንን ግዝኣት ኩርዲን ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ እዩ ። መሸፈኒ ጨጉሪ ሕጃብ ብግቡእ ኣይለበሰትን ብዝብል ክሲ፡ ብ "ስነ-ምግባር ፖሊስ" እታ ሃገር ንሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ምእሳራ እያ ሞይታ ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ሙማታ ፡ ኣብ ኢራን ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውራጃ ኩርዲስታን ዝርአ ዘሎ ፍጻመታት ፡ ብምሁራት "ምፍንጃር" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ ።
ንምዃኑ ግን ሚስ አሚኒ ኣ ዝተታሕዘት ስለምንታይ እያ ፡ ናይ ኢራን ሕጊ ብዛዕባ ሂጃብ እንታይ እዩ ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሳዕቤናት ተቓውሞአን እንታይ ክመስል እዩ?

እታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተት ማህሳ ኣሚኒ መን'ያ?

ማህሳ ኣሚኒ ካብ ኩርዳውያን ኣውራጃ ኢራን ዝመጸት ጓል 22 ዓመት እያ ። ንሳ ኣብ ቴህራን ምስ ሓዋ ከላ እያ ፡ "ዘይግቡእ" ተኸዲናቶ ዝነበረት ሃጃብ ተባሂላ፡ ብ'ናይ ሞራል ፖሊስ "ወይ ከኣ መራሒ ፖሊስ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ኢራን ክትተሓዝ፡ ኣብ ቴህራን እያ ነይራ ።
A fist is raised while carrying a photo of a woman wearing a hijab.
ኣብ ቴህራን ጓል 22 ዓመት ማሕሳ ኣሚኒ ምስ ሞተት ኣብ ከባቢ ኢራንን ዓለምን ተቓውሞታት ተላዒሉ እዩ ። Source: AAP / Clemens Bilan
ንሳ ኣብ ማእከል መቐየዲ ቮዛራ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒና ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ኣብ ኮማ ወዲቓ ሞተት ። ፖሊስ እታ ሃገር ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከላ ናይ ልቢ ሕማም ከም ዘጋጠማ ብምግላጽ ፡ ነቲ ከም እተሃርመት ዝገልጽ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ ። ወለዳ ቅድሚ ምእሳራ ድልድልትን ጥዕይቲንን ከምዝነበረት ብወግዒ ተዛሪቦም ።
"ናብ ማኪና ካብ እትሰጋገር ኣትሒዛ ከምኡውን ኣብቲ [መደበር] ኣብዝነበረትሉ: ዋላ ሓንቲ ኣካላዊ ምትንኻፍ ኣይነበረን" ክብል ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ።
ኢራናዊ ፕረዚደንት ኢብራሚ ራሲ ሎሚ ረቡዕ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስሞኦ መደረ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ። ኣብ መደርኡ ፡ ንሞት ኣሚኒ ስቕ በለ ።
ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣል-ናሺፍ ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ "እቲ ናይ ማህሳ ኣሚን ዘስካሕክሕ ሞትን ስቓይን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ዝበሃል ዘሎ ። ብዘይ ብናጻ ኣካል ክምርመር ኣለዎ" ።

ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ክለብሳ ይግደዳ ድየን?

ካብ 1979 ኣትሒዙ ድሕሪ ናይ ኢራናውያን ሰውራ ፡ ኵለን ኣብ ኢራን ዝርከባ ደቀንስትዮ ብእስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ፡ ብሕጊ ሒጃብ ክኽደና ይግደዳ እየን ። ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ፡ ጸጉርን ክሳድን ደቂ-ኣነስትዮ ብግቡእ እተኸድነ ክኸውን ኣለዎ ።
ብመሰረት ሕግታት ኢራን ነቲ ሃጃብ ዘይምኽዳን ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከእትወን ፡ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ወይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ብፖሊስ ስነ-ምግባር ከስዕብ ይኽእል እዩ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዴኪን ፡ መምህር መጽናዕቲ ማእከላይ ምብራቕን ማእከላይ እስያን ዝዀነ ሻህራም ኣክባርዛደህ ፡ ኣብ ልዕሊ እተን 'ዶብ ሒጃብ ዝፍትና "ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ተቓዉሞ ፡ ሓድሽ ከም ዘይኰነ ገለጸ ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ 2021 ኣብ ምርጫ ካብ ዝዕወት ንነጀው: ኣብ ትሕቲ ሚስተር ራሲ ዝመርሖ ዓቃባዊ መንግስቲ እቲ ዓመጽ እናሓየለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።
ፕሮፌሰር አክባርዛደህ ከምዝበሎ ፡ መንግስቲ ኢራን ንሸሪዓ ኣብ ልዕሊ ገስጋሲ ሕብረተሰብ ናይ ሸሪዓ ግንዛበ ከስፍሕ ብምድላዩ ፡ "ዓብዪ ፖለቲካዊ ብድሆ" ከም ዝዀነ ብምግላጽ ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ገይረን ከም ዝኽደና ንምምራጽ ድምጸን እናስምዓ ይኸዳ ኣለዋ።
ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ፡ ኣስላማውያን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሒጃብ ኪኽደና ይግደዳ እኳ እንተ ኰና ፡ ብፍታው ገዛእ ርእሰን ክገብራ ከም ዘለወን ብሰፊሑ ይትርጐም እዩ ። ብመሰረት እቲ ሃይማኖት ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ትካል ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጅያብ ንኽኽደና ከገድደን የብሉን ።
ይኹን እምበር ፡ ኢራን ኣብቲ ሕግታታ ፡ እስላማዊ መትከላት ከም እተኽብርን ፡ ተሪር መቕጻዕቲ ከም እትህብን ሃገር ኰይና እያ ክትሃንጽ ዝጀመረት ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዘሎ ፍልልይ ካብ 1979 ኣትሒዙ እናማዕበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።
ፕሮፌሰር ኣክባርዛደህ ፡ " ምቁጽጻር ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጥሩፋት እስላማዊያን እቲ ቀንዲ ጉዳዮም እዩ።" ብምባል፡ " እዚ ንሕብረተሰብ ንምቁጽጻር ጽቡቕ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ " ።
A crowd of demonstrators march down a street. One is holding a photo of a woman.
A protester holds a portrait of Mahsa Amini during a demonstration in Istanbul. Source: Getty, AFP / AFP / Ozan Kose
ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ናሽናል ዩኒቨርሲቲ መምህር መጽናዕቲ ኢራን ዝኾነት አላም ሳልሕ ከምትብሎ ኢራን ኣብ ናይ ሂጃብ ጉዳይ ብጽኑዕ ምሓዝ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሃይማኖት እስልምና ዝውክል ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡስ ፡ ብ ሕጋውነት ቍጽጽር ምግባር እዩ ዘመልክት ።
"ንስርዓት ኢራን ፡ ሂጃብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን ፡ ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ" ።

ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ሕጃበን የቃጽላ ኣለዋ?

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፡ ኣብ እተፈላለያ ኣውራጃታት ኢራን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ን ኣሚን ደገፍ ብምግባር ንህጃበን የቃጽልኦ ኣለዋ ። አረ ገሊአን ኣንስቲሲ ነቲ እቲ ስርዓት ገዛእ ርእሰን ንምሽፋን ዘውጸኦ ትእዛዝ ብምቅዋም ጸጕረን ይቘርጻ ኣለዋ ።
ፕሮፌሰር አክባርዛደህ ከምዝብሎ ኣብ ኢራን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንጹር መልእኽቲ ይልእኻ ኣለዋ ።
"ይኣክል ይብላ ኣለዋ ። ክንደይ ክወስዱ ይኽእል? ክንደይ ዝኣክል ደም ክፈስስ ይኽእል? ይኣክል ይኣክል እዩ "በለ ።
ኣብ ኢራን ኣንጻር መንግስቲ ናይ ተቓውሞ ሕጋዊ መሰል የለን ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ፡ እተን ኣንስቲ ኣብ ጐደናታት ብዝገበራኦ ተግባራት ክቕጽዓ ፡ ክእስራ ፡ ወይ ማህሰይቲ ክወርደን ይኽእል እዩ ።
"ኣብዚ እዋን እዚ ፡ እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣለልዮመን ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወስዱወን ዝመጹ ሓይልታት ጸጥታ ፡ ኣየገድሰንን እዩ ።
"ከምዚ ኢለን ብህይወት ካብ ዝነብራ ፡ ምማት መሪጸን ኣለዋ።"
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ NetBlocks ዝተባህለ ትካል ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኢራን ዓበይቲ ናይ ሞባይል መርበባት ብምዕጻውን ኢንስታግራምን ዊትስኣፕን ካብ 19 መስከረም ኣትሒዛ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ፡ ናይ ኢንተርነት ምዕጻው የጋጥማ ኣሎ ።

A woman stands on a vehicle burning her hijab. People applaud
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ማኪና ደው ነቲ ማህሳ ኣሚን "ዘይግቡእ" መልክዕ ብምልባሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ሕጃባ ተቃጽል ። Source: Twitter


With AFP

Share

Published

By Rayane Tamer
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ስለምንታይ እየን ኢራናዊያን ኣንስቲ ጸጕረን ዚቘርጻን ሕጃበን ዜቃጽላን ዘለዋ፧ | SBS Tigrinya