ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ-ሶል ብምኽንያት ጽቕጥቅጥ ሃለዊን ብ ውሕዱ146 ተቐቲሎም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ፡ ብቐዳም ለይቲ ሃሎዊን ንምብዓል ዝተኣከበ ብዙሕ ህዝቢ ፡ ብምጭፍላቕ ብዙሕ ሰባት ሞይቶም ።

Rescue workers help injured people at the scene (AAP).jpg
ኣብ ማእከላይ ሶል፡ ሃሎዊን ንምብዓል ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓንቲ ጸባብ ጐደና ተኣኪቦም ብምጽቕቓጦም ብዘስካሕክሕ መገዲ ዳርጋ 150 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት ድማ ቈሲሎም ።
መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ፡ ብዙሓት ካብቲ ጽቕጥቅጥ ንምውጻእ ይጓየዩ ከም ዝነበሩ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ተጸቓቒጦም ፡ ካብ ብዝሒ ምጽቕቓጥ ዝተላዕለ ፓራመዲክስ ንሓለፍቲ መገዲ ቀዳማይ ረድኤት ኪህቡሎም ይሓትዎም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።
ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ ዮን ጋ-ኤል ንAFP ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ገሊጽዎ: - "ብዙኅ ሰባት እዮም ዝደፋፍኡ ነይሮም: ኣብ ማእከል እኩም ህዝቢ ተቐርቂረ እየ: ኣብ ፈለማ እውን ክወጽእ ኣይከኣልኩን ። "ሓደጋ ዘጋጠመኒ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" ።
እቲ ጽቕጥቅጥ ኣብ ጥቓ ሃሚልተን ሆቴል ፡ ብለይቲ ኣብ ከባቢ ኢታዌን እዩ ኣጋጢሙ ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ጸቢብ ቦታ ተኣኪቦም ነበሩ ።
ብዓል ስልጣን ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ቾይ ሶንግ-ኖም ፡ በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ሰዓት 10 ድ.ቐ. ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ ፡ 146 ሰባት ከም ዝሞቱን እንተ ወሓደ 150 ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ ።

ሚስተር ቾይ ብሰንበት ንግሆ ኣብቲ ቦታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ሃሎዊን እተኻየደሉ ኣጋጣሚ ብምርግጋጾም ፡ ቍጽሪ እቶም ግዳያት ኣዝዩ ወሲኹ እዩ" በለ ።
rs.

Share

Published

Source: AFP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ-ሶል ብምኽንያት ጽቕጥቅጥ ሃለዊን ብ ውሕዱ146 ተቐቲሎም። | SBS Tigrinya