ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ-ሶል ብምኽንያት ጽቕጥቅጥ ሃለዊን ብ ውሕዱ146 ተቐቲሎም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ፡ ብቐዳም ለይቲ ሃሎዊን ንምብዓል ዝተኣከበ ብዙሕ ህዝቢ ፡ ብምጭፍላቕ ብዙሕ ሰባት ሞይቶም ።

Rescue workers help injured people at the scene (AAP).jpg

ኣብ ማእከላይ ሶል፡ ሃሎዊን ንምብዓል ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓንቲ ጸባብ ጐደና ተኣኪቦም ብምጽቕቓጦም ብዘስካሕክሕ መገዲ ዳርጋ 150 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት ድማ ቈሲሎም ።

መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ፡ ብዙሓት ካብቲ ጽቕጥቅጥ ንምውጻእ ይጓየዩ ከም ዝነበሩ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ተጸቓቒጦም ፡ ካብ ብዝሒ ምጽቕቓጥ ዝተላዕለ ፓራመዲክስ ንሓለፍቲ መገዲ ቀዳማይ ረድኤት ኪህቡሎም ይሓትዎም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ ዮን ጋ-ኤል ንAFP ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ገሊጽዎ: - "ብዙኅ ሰባት እዮም ዝደፋፍኡ ነይሮም: ኣብ ማእከል እኩም ህዝቢ ተቐርቂረ እየ: ኣብ ፈለማ እውን ክወጽእ ኣይከኣልኩን ። "ሓደጋ ዘጋጠመኒ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" ።

እቲ ጽቕጥቅጥ ኣብ ጥቓ ሃሚልተን ሆቴል ፡ ብለይቲ ኣብ ከባቢ ኢታዌን እዩ ኣጋጢሙ ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ሆቴል ኣብ ዝርከብ ጸቢብ ቦታ ተኣኪቦም ነበሩ ።

ብዓል ስልጣን ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ቾይ ሶንግ-ኖም ፡ በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቆጻጽራ ሰዓት 10 ድ.ቐ. ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ ፡ 146 ሰባት ከም ዝሞቱን እንተ ወሓደ 150 ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ ።

ሚስተር ቾይ ብሰንበት ንግሆ ኣብቲ ቦታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ሃሎዊን እተኻየደሉ ኣጋጣሚ ብምርግጋጾም ፡ ቍጽሪ እቶም ግዳያት ኣዝዩ ወሲኹ እዩ" በለ ።

rs.


Share

1 min read

Published

Source: AFP



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now