SKIP TO MAIN CONTENT

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 35 ዓመት ዕድመአን ፍርያምነተን 'ምንቁልቋል ይጅምር' ይበሃል፡ እዚ ሓቂ ድዩ?

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍርያምነት ምስ ዕድመ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ እቲ ደቂ ኣንስትዮ 35 ዓመት ዕድመአን ምስ ኰነ ፍርያምነት ከም "ዘንቆልቁል" ጌርካ ምሕሳብ ፡ ካብቲ ሓቂነቱ ንላዕሊ ዘጨንቕ እዩ ።

31.03.2020 Zadar, Croatia - Illustration-Coronavirus and pregnant womanPhoto: Dino Stanin/PIXSELL .
31.03.2020 Zadar, Croatia - Illustration-Coronavirus and pregnant womanPhoto: Dino Stanin/PIXSELL Credit: Pixsell

6 min read

Published

By Karin Verspoor

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to article content

ቆልዑትም ምውላድ እንተደሊኹም ፣ ብዛዕባ ስነ-ህይወት ፍርያምነት ክትርድኡ ኣገዳሲ እዩ ። እዚ ነቶም ህጻን ንምውላድ መዓስ ከም ዝፍተን ክውስኑ ከም ዘለዎም ዝሓስቡ ክሕግዞም ይኽእል ።

ብዘይካዚ ፡ ነቶም ናይ ግዜ ምርጫ ዘይብሎም ፡ እቲ ኣማራጺታት እንታይ ምዃኑ ምፍላጦም ፡ ዝበለጸ ውሳነ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ።

ዕድመ ጓል ኣንስተይቲ እናወሰኸ ኣብዝኸደሉ፡ ቁጽሪን ዓይነትን እንቋቕሖ

ሓንቲ ህጻን ኣብ ውሽጢ እት ደቂቕ ማህደረ እንቋቝሖኣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን እንቋቝሖ ሒዛ እያ ትወልድ: ኣብ ግዜ ብጽሕናኣ ግን 300,000 እንቋቝሖ ጥራይ እዩ ዝተርፋ ። እዚ ንቡር ስነ ህይወታዊ መስርሕ 'ዚ' ኣትረሲያ 'ይብሃል ።

እታ ሰበይቲ ጽግያት ክጅምራ ከሎ፡ ካብቶም እንቋቑሖታት ፡ 300-400 ጥራይ እዮም ኣብ እዋን መፍረ ኣብ ጽፍዮ እንቋቑሖ ዝወጹ ። ሓንቲ ሰበይቲ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ትበጽሓትሉ እዋን ፡ ኣብ ማህደረ እንቋቝሖኣ ብዙሕ ፈራዪ እንቋቑሖታት ኣይጸንሓን ።

The Top Baby Names of 2016
Source: SBS

ሓድሓደ ግዜ ፡ ኣብ መፋርቕ ክሳዕ መወዳእታኣርብዓታተን ዝርከባ ኣንስቲ ፡ "ተኣምራታዊ ህጻናት" እኳ እንተ ኣለወን ፡ እተን ናብ ንጽፈ ጽግያት ዝመርሓ ካብ ሓሙሽተ ኽሳእ ዓሰርተ ዓመት ግና ፡ እቲ ጥንሲ ናይ ምጥናስ ዕድለን ይንኪ እዩ ።

ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ምስ ከደ ፡ ዓይነታዊ እንቋቑሖ እውን እናነከየ እዩ ዝኸይድ ። ኣስታት 20% ካብ ናይ ደቂ-ሰባት እንቋቝሖታት "aneuploid" እዩ ፣ እዚ ማለት ድማ ግጉይ ቍጽሪ ክሮሞዞም ይህልዎም ማለት እዩ ። እዚ መጠን እዚ ምስ ዕድመ ደቂ-ኣነስትዮ ይውስኽ ።

እቲ ከምዚ ዓይነት እንቋቕሖ ብናይ ቀዲ ተባዕታይ ዘርኢ ናብ ፍራይምነት ምስዘምርሕ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ዕብየት ደው ይብል ወይ ምንጻል ጥንሲ የጋጥም ።

ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝገጥም ዕድል ምውላድ እንታይ ይመስል?

ናይ ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ዝዓበየ ናይ ፍርያምነት ዕድመ ኣብ መንጎ መወዳእታ ዕድመ ጎርዞነትን መወዳእታ 20ታትን እዩ ። ኣብ ከባቢ 30 ዓመት ፡ ጽግያት ቀስ ብቐስ እናነከየ ክኸይድ ይጅምር ፣ ኣብ መፋርቕ 30ታት ድማ ብፍጥነት እናጐደለ ይኸይድ ።

እቲ ድሕሪ 35 ዓመት ዘሎ ናይ ጥንሲ ዕድል ምንካዩ ግን ቀስ ብቐስ እንተ ወሓደ ኽሳዕ 40 ዓመት ናብ ምውዳእ ገጹ ይኸይድ ፣ ።

ንምውላድ ዝፈተና ኣንስቲ ኣብ ዝተገብረ ዝበዝሐ መጽናዕቲ ፡ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ናይ ጥንሲ ዕድል ዝረኸባ ፡ ነተን ካብ 30-31 ዓመት ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ 87% እዩ ። እዚ ኣብ 36-37 ዓመት ዕድሚአን ናብ 76% ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40-41 ድማ ናብ 54% ጎዲሉ ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

ስለዚ ክሳብ 41 ዓመት ዝዕድሚአን ፣ መብዛሕተአን ቆልዓ ክወልዳ ዝፍትና ደቂ-ኣነስትዮ ክሳብ 12 ወርሒ ድሕሪ ምፍታነን ክጠንሳ ይኽእላ እየን ። እንተኾነ እቲ ጥንሲ ናይ ዘይምርካብ መጠን ምስ ዕድመ ይውስኽ ፡ እቲ ዕድል እናጎደለ ዝኸደሉ ድሕሪ 35 ዓመት ዝያዳ ምዃኑ ይጎልሕ ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፡ ብዝሒ ዘይንቡር ክሮሞዞም (aneuploid) እንቋቑሖ ምስ ዕድመ ስለ ዝውስኽ ፡ ተኽእሎ ምንጻል ጥንሲ ምስ ዕድመ ደቀንስትዮ ይውስኽ ። ኣብተን ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ 30 ዝበጽሓ ደቂ-ኣነስትዮ እቲ ናይ ምንጻል ጥንሲ ስግኣተ-ሓደጋ ካብ ዓሰርተ ሓደ ይኸውን ። ካብ 40-44 ዓመት ንዝዕድሚአን ደቂ-ኣንስትዮ ፡ እዚ ወሰኽ እዚ ኣስታት ሓደ ካብ ሰለስተ ይበጽሕ ።

ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዕድመኸ?

ኣብ ህይወት ካብ ናይ ደቂ-ኣነስትዮ ንላዕሊ ድሒሩ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ ፣ ዕድመ ደቂ-ተባዕትዮ እውን ንናይ ምጥናስ ዕድል ይጸልዎ እዩ ። ከባቢ 45 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ 45 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ፡ ጽሬትን ፍርያምነትን ናይ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ይንኪ እዩ። ካብቲ ካብ 25-29 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝወልዱዎ ጥንሲ ዳርጋ 50% ናይ ምብርዓን ተኽእሎ ኣለዎም ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግበር መስርሕ ጥንሲ (IVF) ዝበለጸ ካልኣይ ኣማራጺ ኣይኮነን

እቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ፡ IVF ጽርየት እንቋቝሖታት ከመሓይሾ ኣይክእልን እዩ ፣ እታ ሰበይቲ እትወልዶ ዕድመ ድማ እቲ ዝዓበየ ወሳኒ ዓወት ናይ IVF እዩ ። ካብ ቪክቶርያ እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ፡ ሰለስተ ናይ IVF ዙርያታት ምስ ተዛዘማ ፡ ካብተን ኣብ 34-35 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ፡ እተን 61% ፡ ቈልዓ ወሊደን እየን ።

ኣብ ሰለስተ ዙር፡ ህጻን ንምርካብ ዘሎ ዕድል ኣብ 36-37 ዕድሚአን 50% ኮይኑ ኣብ 38-39 ዓመት ዕድመ ድማ እቲ ህጻን ናይ ምርካብ ዕድል 38% እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40-41 ካብ ደቂ ኣንስትዮ 25% ጥራይ እዩ ድሕሪ ሰለስተ ናይ IVF ዙርያታት ቆልዓ ወሊደን ።

ናይ IVF ዓወት ናይ ምርካብ ዕድል እውን ብናይ ወዲ ተባዕታይ ዕድመ ይትንከፍ እዩ ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዕድመኦም 45 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰብኡት ፡ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ዝተሓተ ፍርያምነት ኣለዎም ።

ዕንታ ኣማራጺታት ኣለዉ?

ሰባት ኣብ ኣዝዩ ዝበለጸ ናይ ጽግያት ዕድሚኦም ቆልዑ ኸይወልዱ ዝኽልክል ኵነታት ህይወት ፡ እንተላይ ኣብ እዋኑ ቆልዓ ናይ ምውላድ ድልየት ዘለዎም መጻምድቲ ዘይምርካብ ሓደ እዩ ።

ቆልዓ ንምውላድ ዘሎ ዕድል ምስ ዕድመ ዕድመ ትጭነቑ እንተኾይንክን እዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት ኣለዉ።

  • በይንኻ ምኻድ ፦ ንጽል እንተ ዄንኪ ፡ ምስተን ናይ ለገስቲ ዘርኢ ተባዕታይ ዝጥቀማ ደቂ ኣንስትዮ ምጽንባር ፡ እዘን "ብምርጫ ንጽል ወላዲት" ምዃን ክትሓስቢ ትኽእሊ ኢኺ ። እቲ ዝበለጸ ንዓኺን ንውላድኪን ዝኸውን ኣማራጺ ፣ ክሊኒክ መፍረ ለገስቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምርካብ እዩ ።
  • ንድሓር ትጥቀምሉ እንቋቑሖ ምቕማጥ ፦ እዚ ጽቡቕ ኣማራጺ እኳ እንተ መሰለ ፡ ኣዝዩ ክቡር እዩ ፡ ህጻን ናይ ምርካብ ዕድል ውሕስነት ድማ የለን ። እዚ ንዓኺ እቲ ዝግባእ ኣማራጺ እንተ ኰይኑ ንምውሳን ምእንቲ ክሕግዘኪ ፡ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ምቕማጥ እንቋቑሖ ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ ።, here are some facts
  • IVF: - 35 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንተኾንኪሞ ንሽዱሽተ ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ህጻን ክትፍትኒ እንተጸኒሕኪ ፣ ናብ ሓኪምኪ ብምኻድ . ናይ ምኽሪን መሰረታዊ ናይ ፍርያምነት መመርመሪታትኪ ርኣይዮ ። ኣብ ውጽኢት መርመራ ፡ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ናብ በዓልሞያ ፍርያምነት ኽሰደኪ ይኽእል እዩ ። IVF ዘድልየኪ እንተኾይኑ ፣ ዕድመ ንናይ IVF ዓወት ስለ ዝጸልዎ ፣ ቀልጢፍኪ ምጅማሩ ዝመስልዎ የለን ።
  • ናይ ልግሲ እንቋቑሖ ምጥቃም: ዕድመ 40 ዓመት ምስሓለፈ፡ ብነኣሽቱ ደቂ ኣንስትዮ ዝተወፈየ እንቁቕሖ እንተዘይተረኺቡ ብ IVF ዕሸል ናይ ምርካብ ዕድል ዝወሓደ እዩ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ፡ ድሕሪ 40 ዓመት ፡ እንቋቝሖ ለገስቲ ደም ዝጥቀማ ኣንስቲ ፡ ካብተን እንቋቝሖአን ዝጥቀማ ኣንስቲ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ሕጻን ናይ ምርካብ ዕድል ይበልጽ ።

ኣብ መወዳእታ: ጥንቁቕ ንምዃን፡ ኣብ ማህደር እንቋቑሖ ዝግበር ምርመራ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ፍርያምነተንን ናይ ምጥናስ ዕድለንን ንኽፈልጣ ዝሕግዝ እዩ ።

እቲ "ናይ እንቋቝሖ ግዜ" ተባሒሉ ዝጽዋዕ መስርሕ መርመራ ፡ ነቲ ኣብ ደም ዝርከብ ጸረ-ሙላረን ሆርሞን (AMH) ዘለዎ ደረጃ ዝልክዖ እዩ ፣ እዚ ሆርሞን እዚ ፡ ብዋህዮታት መፍረ ዝርከብ ሆርሞን እዩ ። እቲ ኣተሓሳስባ ፡ እንቋቝሖ ብብዝሒ እንተተረኺቡ ፡ AMH ብብዝሒ ከም ዝርከብ ስለ ዝገብር ፡ ከም "ምቑጻር እንቋቝሖ" እዩ ዝሕሰብ።

ይኹን እምበር ፡ ብመጽናዕቲ ከም እተረጋገጸ ፡ እቲ መርመራ ኣብ ፍርያምነት ጓል ኣንስተይቲ ዘተኣማምን ፈተና ኣይኰነን ። ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ደረጃ AMH ብዘየገድስ ፡ ብገምጋም ፡ ወርሓዊ ተመሳሳሊ ናይ ምጥናስ ዕድል ኣለወን ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now