ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 35 ዓመት ዕድመአን ፍርያምነተን 'ምንቁልቋል ይጅምር' ይበሃል፡ እዚ ሓቂ ድዩ?

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍርያምነት ምስ ዕድመ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ እቲ ደቂ ኣንስትዮ 35 ዓመት ዕድመአን ምስ ኰነ ፍርያምነት ከም "ዘንቆልቁል" ጌርካ ምሕሳብ ፡ ካብቲ ሓቂነቱ ንላዕሊ ዘጨንቕ እዩ ።

31.03.2020 Zadar, Croatia - Illustration-Coronavirus and pregnant womanPhoto: Dino Stanin/PIXSELL .

31.03.2020 Zadar, Croatia - Illustration-Coronavirus and pregnant womanPhoto: Dino Stanin/PIXSELL Credit: Pixsell

ቆልዑትም ምውላድ እንተደሊኹም ፣ ብዛዕባ ስነ-ህይወት ፍርያምነት ክትርድኡ ኣገዳሲ እዩ ። እዚ ነቶም ህጻን ንምውላድ መዓስ ከም ዝፍተን ክውስኑ ከም ዘለዎም ዝሓስቡ ክሕግዞም ይኽእል ።
ብዘይካዚ ፡ ነቶም ናይ ግዜ ምርጫ ዘይብሎም ፡ እቲ ኣማራጺታት እንታይ ምዃኑ ምፍላጦም ፡ ዝበለጸ ውሳነ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ።


ዕድመ ጓል ኣንስተይቲ እናወሰኸ ኣብዝኸደሉ፡ ቁጽሪን ዓይነትን እንቋቕሖ

ሓንቲ ህጻን ኣብ ውሽጢ እት ደቂቕ ማህደረ እንቋቝሖኣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን እንቋቝሖ ሒዛ እያ ትወልድ: ኣብ ግዜ ብጽሕናኣ ግን 300,000 እንቋቝሖ ጥራይ እዩ ዝተርፋ ። እዚ ንቡር ስነ ህይወታዊ መስርሕ 'ዚ' ኣትረሲያ 'ይብሃል ።
እታ ሰበይቲ ጽግያት ክጅምራ ከሎ፡ ካብቶም እንቋቑሖታት ፡ 300-400 ጥራይ እዮም ኣብ እዋን መፍረ ኣብ ጽፍዮ እንቋቑሖ ዝወጹ ። ሓንቲ ሰበይቲ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ትበጽሓትሉ እዋን ፡ ኣብ ማህደረ እንቋቝሖኣ ብዙሕ ፈራዪ እንቋቑሖታት ኣይጸንሓን ።

The Top Baby Names of 2016
Source: SBS
ሓድሓደ ግዜ ፡ ኣብ መፋርቕ ክሳዕ መወዳእታኣርብዓታተን ዝርከባ ኣንስቲ ፡ "ተኣምራታዊ ህጻናት" እኳ እንተ ኣለወን ፡ እተን ናብ ንጽፈ ጽግያት ዝመርሓ ካብ ሓሙሽተ ኽሳእ ዓሰርተ ዓመት ግና ፡ እቲ ጥንሲ ናይ ምጥናስ ዕድለን ይንኪ እዩ ።

ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ምስ ከደ ፡ ዓይነታዊ እንቋቑሖ እውን እናነከየ እዩ ዝኸይድ ። ኣስታት 20% ካብ ናይ ደቂ-ሰባት እንቋቝሖታት "aneuploid" እዩ ፣ እዚ ማለት ድማ ግጉይ ቍጽሪ ክሮሞዞም ይህልዎም ማለት እዩ ። እዚ መጠን እዚ ምስ ዕድመ ደቂ-ኣነስትዮ ይውስኽ ።

እቲ ከምዚ ዓይነት እንቋቕሖ ብናይ ቀዲ ተባዕታይ ዘርኢ ናብ ፍራይምነት ምስዘምርሕ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ዕብየት ደው ይብል ወይ ምንጻል ጥንሲ የጋጥም ።


ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝገጥም ዕድል ምውላድ እንታይ ይመስል?
ናይ ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ዝዓበየ ናይ ፍርያምነት ዕድመ ኣብ መንጎ መወዳእታ ዕድመ ጎርዞነትን መወዳእታ 20ታትን እዩ ። ኣብ ከባቢ 30 ዓመት ፡ ጽግያት ቀስ ብቐስ እናነከየ ክኸይድ ይጅምር ፣ ኣብ መፋርቕ 30ታት ድማ ብፍጥነት እናጐደለ ይኸይድ ።

እቲ ድሕሪ 35 ዓመት ዘሎ ናይ ጥንሲ ዕድል ምንካዩ ግን ቀስ ብቐስ እንተ ወሓደ ኽሳዕ 40 ዓመት ናብ ምውዳእ ገጹ ይኸይድ ፣ ።

ንምውላድ ዝፈተና ኣንስቲ ኣብ ዝተገብረ ዝበዝሐ መጽናዕቲ ፡ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ናይ ጥንሲ ዕድል ዝረኸባ ፡ ነተን ካብ 30-31 ዓመት ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ 87% እዩ ። እዚ ኣብ 36-37 ዓመት ዕድሚአን ናብ 76% ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40-41 ድማ ናብ 54% ጎዲሉ ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis
ስለዚ ክሳብ 41 ዓመት ዝዕድሚአን ፣ መብዛሕተአን ቆልዓ ክወልዳ ዝፍትና ደቂ-ኣነስትዮ ክሳብ 12 ወርሒ ድሕሪ ምፍታነን ክጠንሳ ይኽእላ እየን ። እንተኾነ እቲ ጥንሲ ናይ ዘይምርካብ መጠን ምስ ዕድመ ይውስኽ ፡ እቲ ዕድል እናጎደለ ዝኸደሉ ድሕሪ 35 ዓመት ዝያዳ ምዃኑ ይጎልሕ ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፡ ብዝሒ ዘይንቡር ክሮሞዞም (aneuploid) እንቋቑሖ ምስ ዕድመ ስለ ዝውስኽ ፡ ተኽእሎ ምንጻል ጥንሲ ምስ ዕድመ ደቀንስትዮ ይውስኽ ። ኣብተን ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ 30 ዝበጽሓ ደቂ-ኣነስትዮ እቲ ናይ ምንጻል ጥንሲ ስግኣተ-ሓደጋ ካብ ዓሰርተ ሓደ ይኸውን ። ካብ 40-44 ዓመት ንዝዕድሚአን ደቂ-ኣንስትዮ ፡ እዚ ወሰኽ እዚ ኣስታት ሓደ ካብ ሰለስተ ይበጽሕ ።

ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዕድመኸ?

ኣብ ህይወት ካብ ናይ ደቂ-ኣነስትዮ ንላዕሊ ድሒሩ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ ፣ ዕድመ ደቂ-ተባዕትዮ እውን ንናይ ምጥናስ ዕድል ይጸልዎ እዩ ። ከባቢ 45 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ 45 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ፡ ጽሬትን ፍርያምነትን ናይ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ይንኪ እዩ። ካብቲ ካብ 25-29 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝወልዱዎ ጥንሲ ዳርጋ 50% ናይ ምብርዓን ተኽእሎ ኣለዎም ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis
ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግበር መስርሕ ጥንሲ (IVF) ዝበለጸ ካልኣይ ኣማራጺ ኣይኮነን
እቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ፡ IVF ጽርየት እንቋቝሖታት ከመሓይሾ ኣይክእልን እዩ ፣ እታ ሰበይቲ እትወልዶ ዕድመ ድማ እቲ ዝዓበየ ወሳኒ ዓወት ናይ IVF እዩ ። ካብ ቪክቶርያ እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ፡ ሰለስተ ናይ IVF ዙርያታት ምስ ተዛዘማ ፡ ካብተን ኣብ 34-35 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ፡ እተን 61% ፡ ቈልዓ ወሊደን እየን ።

ኣብ ሰለስተ ዙር፡ ህጻን ንምርካብ ዘሎ ዕድል ኣብ 36-37 ዕድሚአን 50% ኮይኑ ኣብ 38-39 ዓመት ዕድመ ድማ እቲ ህጻን ናይ ምርካብ ዕድል 38% እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40-41 ካብ ደቂ ኣንስትዮ 25% ጥራይ እዩ ድሕሪ ሰለስተ ናይ IVF ዙርያታት ቆልዓ ወሊደን ።

ናይ IVF ዓወት ናይ ምርካብ ዕድል እውን ብናይ ወዲ ተባዕታይ ዕድመ ይትንከፍ እዩ ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዕድመኦም 45 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰብኡት ፡ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ዝተሓተ ፍርያምነት ኣለዎም ።


ዕንታ ኣማራጺታት ኣለዉ?

ሰባት ኣብ ኣዝዩ ዝበለጸ ናይ ጽግያት ዕድሚኦም ቆልዑ ኸይወልዱ ዝኽልክል ኵነታት ህይወት ፡ እንተላይ ኣብ እዋኑ ቆልዓ ናይ ምውላድ ድልየት ዘለዎም መጻምድቲ ዘይምርካብ ሓደ እዩ ።

ቆልዓ ንምውላድ ዘሎ ዕድል ምስ ዕድመ ዕድመ ትጭነቑ እንተኾይንክን እዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት ኣለዉ።



  • በይንኻ ምኻድ ፦ ንጽል እንተ ዄንኪ ፡ ምስተን ናይ ለገስቲ ዘርኢ ተባዕታይ ዝጥቀማ ደቂ ኣንስትዮ ምጽንባር ፡ እዘን "ብምርጫ ንጽል ወላዲት" ምዃን ክትሓስቢ ትኽእሊ ኢኺ ። እቲ ዝበለጸ ንዓኺን ንውላድኪን ዝኸውን ኣማራጺ ፣ ክሊኒክ መፍረ ለገስቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምርካብ እዩ ።

  • ንድሓር ትጥቀምሉ እንቋቑሖ ምቕማጥ ፦ እዚ ጽቡቕ ኣማራጺ እኳ እንተ መሰለ ፡ ኣዝዩ ክቡር እዩ ፡ ህጻን ናይ ምርካብ ዕድል ውሕስነት ድማ የለን ። እዚ ንዓኺ እቲ ዝግባእ ኣማራጺ እንተ ኰይኑ ንምውሳን ምእንቲ ክሕግዘኪ ፡ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ምቕማጥ እንቋቑሖ ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ ።, here are some facts

  • IVF: - 35 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንተኾንኪሞ ንሽዱሽተ ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ህጻን ክትፍትኒ እንተጸኒሕኪ ፣ ናብ ሓኪምኪ ብምኻድ . ናይ ምኽሪን መሰረታዊ ናይ ፍርያምነት መመርመሪታትኪ ርኣይዮ ። ኣብ ውጽኢት መርመራ ፡ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ናብ በዓልሞያ ፍርያምነት ኽሰደኪ ይኽእል እዩ ። IVF ዘድልየኪ እንተኾይኑ ፣ ዕድመ ንናይ IVF ዓወት ስለ ዝጸልዎ ፣ ቀልጢፍኪ ምጅማሩ ዝመስልዎ የለን ።

  • ናይ ልግሲ እንቋቑሖ ምጥቃም: ዕድመ 40 ዓመት ምስሓለፈ፡ ብነኣሽቱ ደቂ ኣንስትዮ ዝተወፈየ እንቁቕሖ እንተዘይተረኺቡ ብ IVF ዕሸል ናይ ምርካብ ዕድል ዝወሓደ እዩ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ፡ ድሕሪ 40 ዓመት ፡ እንቋቝሖ ለገስቲ ደም ዝጥቀማ ኣንስቲ ፡ ካብተን እንቋቝሖአን ዝጥቀማ ኣንስቲ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ሕጻን ናይ ምርካብ ዕድል ይበልጽ ።
ኣብ መወዳእታ: ጥንቁቕ ንምዃን፡ ኣብ ማህደር እንቋቑሖ ዝግበር ምርመራ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ፍርያምነተንን ናይ ምጥናስ ዕድለንን ንኽፈልጣ ዝሕግዝ እዩ ።

እቲ "ናይ እንቋቝሖ ግዜ" ተባሒሉ ዝጽዋዕ መስርሕ መርመራ ፡ ነቲ ኣብ ደም ዝርከብ ጸረ-ሙላረን ሆርሞን (AMH) ዘለዎ ደረጃ ዝልክዖ እዩ ፣ እዚ ሆርሞን እዚ ፡ ብዋህዮታት መፍረ ዝርከብ ሆርሞን እዩ ። እቲ ኣተሓሳስባ ፡ እንቋቝሖ ብብዝሒ እንተተረኺቡ ፡ AMH ብብዝሒ ከም ዝርከብ ስለ ዝገብር ፡ ከም "ምቑጻር እንቋቝሖ" እዩ ዝሕሰብ።

ይኹን እምበር ፡ ብመጽናዕቲ ከም እተረጋገጸ ፡ እቲ መርመራ ኣብ ፍርያምነት ጓል ኣንስተይቲ ዘተኣማምን ፈተና ኣይኰነን ። ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ደረጃ AMH ብዘየገድስ ፡ ብገምጋም ፡ ወርሓዊ ተመሳሳሊ ናይ ምጥናስ ዕድል ኣለወን ።


Share

Published

By Karin Verspoor
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service