Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ትራምፕ ን ኢራን የፈራርሕ፡ ዓለም ድማ ናብ ዳግም ስግኣት ትወድቕ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርርብ ዝርርብ ሰላም ድሕሪ ምጅማሩ፡ ጉዳይ ሊባኖስ ቀንዲ መሰሓሓቢ ነጥቢ ምስኮነ ትራምፕ ንኢራን ኣጠንቂቕዋ ።

A man in a dark blue suit and a light blue tie points towards someone while speaking at a podium, with US flags and the presidential seal visible behind him. Some raised hands are seen in a blurry foreground.
As negotiators met in Switzerland, Donald Trump warned Iran it could face further strikes over Hezbollah. Source: Getty / Tom Williams

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ን ኢራን ከምዝድብድባ ኣፈራሪሑ፡ እዚ ዝመጸ ኢራን ንህዝዝቦላህ ምድጋፋ ከምትቕጽሎ ድሕሪ ምፍልላጣ፡ ነቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝጸንሐ ተኣፋፊ ዝዀነ ምቁራጽ ተዅሲ ዘተ ከም ዝፈሸለ ኣብዝንገረሉ ዘሎ እዩ።

እቲ መጠንቀቕታ ዝመጸ ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ኢራናውያንን ኣብ ስዊዘርላንድ ፡ ነቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዞባዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እተገብረ ናይ ፈለማ ዝርርብ ንኽግበር ኣብ ስምምዕ ምስተበጽሐ እዩ ።

ትራምፕ ፡ ዘተ እናተገብረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትሩዝ ሶሺያል ፡ ኢራን "ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ክቡር ዝዋግኡ ናይ ውክልና ኲናት ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ ኣለዋ" ክብል ጺሒፉ ።

"ከምኡ እንተ ዘይገይሮም ፡ ንኢራን ከም ዝሓለፈ ሰሙን ኣበርቲዕና ክንሃርማ ኢና ፡ ዝገደደ ክመጻ እዩ!" ብምባል'ውን ኣጠንቂቑ ።

ክልቲኦም ወገናት ሕጂ'ውን ኣብ ዝርርብ ኣለዉ፡

ኢራን በቲ ቀንዲ ተደራዳሪኣ ዝኾነ መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ፡ ዋሽንግተን ኣብ ኣጠቓቕማ ቛንቋኣ "ትጠንቀቕ" ክብል ቅልጡፍ ምላሽ ሂበሉ ፣ ዕጡቓት ቴህራን ግብረ መልሲ ንምሃብ ተዳልዮም ከም ዘልዉን ናይ ኣመሪካ ምፍርራሕ ፡ ኢራን ዘለዋ ስልጣን ክቕይር ኣይክእልን ። ክብል ገሊጹ።

እቲ ናይ ምፍኽኻር ቃላት ፡ እቲ ዘተ ገና ናይ ሓቂ ምይይጥ ቅድሚ ምጅማሩ ፍታሕ ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣብ ጥርጥር ኣውዲቕዎ ይርከብ ።

ማዕከናት ዜና ኢራን ከም ዝጸብጸባኦ ፡ ልኡኽ ቴህራን ነቲ ትራምፕ ዝሃቦ ርእይቶ ስዒቡ ፡ ካብቲ ቦታ ከም ዝወጸን ፡ እቲ ዝተጀመረ ዘተ ከም እተቛረጸን ዝሕብሩ ገለ ማዕከናት ዜና ሓቢረን ።

ይኹን እምበር ፡ እቲ ጸብጻብ ድሒሩ ዝፈሸለ ፡ ሓደ ነቲ ዘተ ብቐረባ ዝከታተል ዲፕሎማት ንኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ፡ እቲ ኢራናዊ ልኡኽ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎን ፡ ካብ መንጎ ክስሕብ ከም ዝደሊ ከም ዘይሓበረን ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ዘተ ሰላም በቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ወጥሪ ይጽሎ፡

እቲ ብፓኪስታንን ቀጠርን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ቡርገንስቶክ ዝእለ ዘሎ ዘተ ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ነባሪ መዕለቢ ንምርካብን ውጥረት ንምፍዃስን ን60 መዓልቲ ዝቕጽል መስርሕ ሰላም ንምኽፋት ዝዓለመ እዩ ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ሊባኖስ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ነቲ ዝርርብ ብቕልጡፍ ዕንቅፋት ኰነ ።

ኢራን ከምትገልጾ፡ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እስራኤል ከም ዝቐጸለን ኣብ ሊባኖስ ዝግበር ተግባራት ኣብ መኽፈቲ ዝርርባት ዓብላሊ ከም ዝኸውን ገሊጻ ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸተመ ኣፈናዊ ስምምዕ ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ፡ እንተላይ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ንዝግበር ተጻብኦታት ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ ነይሩ ።

ኰይኑ ግና ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ተደጋጋሚ ግጭት ስለ እተላዕለ ፡ እቲ ምስሊ ከምቲ ዘለዎ እንተ ቐጺሉ ጥርጣረ ኣሕዲሩ እዩ ።

ኢራን ፡ ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምብጻሕ ትርጉም ዘለዎ ገስጋስ ክግበር ከም ዘይከኣል ኣትሪራ ተዛሪባ ኣላ ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትለማለም ግና ዓቢ ምክፍፋል ሓሳብ ቀጺሉ ይርከብ፡

ምክትል ፕረዚደንት ጀድ ቫንስ ፡ ነቲ ዘተ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን ፡ ዝያዳ ትሕት ዝበለ ቃና እዩ ነይርዎ ፣ እቲ ኣኼባ "ታሪኻዊ" ከም ዝዀነን ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝነበረ ዝምድና ከም ብሓድሽ ከም ዝቕየርን ድማ ገለጸ ።

"ሓድሽ ቈምዕራፍ ዶ ክንከፍት ኢና ?" ድማ በለ ።

"ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዘሎና ርክብ ንሓዋሩ ክንልውጦ ንኽእል ዲና ?"

ተህራን ካብ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ርሒቓ ነቲ ንነዊኅ እዋን ዝቐጸለ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናይ ምምዕባል ድሌታ እንተ ሓዲጋቶ ፡ ኣመሪካ ነቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ርክብ ብመሰረቱ ንምቕያር ተዳልያ ከም ዘላ ቫንስ ገሊጹ ።

ይኹን እምበር ፡ እቲ ገሊኡ ኣዝዩ ዘሰሓሕብ ጕዳያት ግን ገና ኣይተፈትሐን ።

ኢራናውያን ሰበ-ስልጣን ንዩክለሳዊ ፕሮግራም እታ ሃገር ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ከም ዘይተመያየጡ ገሊጾም ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ማስዑድ ፔዘኪያን፡ ቴህራን ነቲ ዩራንየም ናይ ምህብታም መሰላ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ኣረጋጊጹ እዩ ።

— With additional reporting by Agence France-Presse.


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


3 min read

Published

By Mikele Syron

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now