SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ምውዳእ እዚ ዓመት፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 7.75 ቢልዮን ክረግጽ እዩ።

ብመሰረት ሓደ ናይ ጀርመን ማእከል መጽናዕቲ ብዛዕባ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት 2020 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 7.75 ቢልዮን ክበጽሕ እዩ።

The world's population has increased by 83 million people in 2019.
The world's population has increased by 83 million people in 2019. Source: Moment RF

1 min read

Published

Updated



Skip to article content

ኣብ ድሮ እዚ ንኣትዎ ዘለና ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዓለም  7.75 ቢልዮን ዝኾኑ ህዝቢ ኣብ ዝባን መሬት ክህልዉ እዮም- ብመሰረት ግምት ናይ ጀርመን ማእከል መጽናዕቲ ህዝቢ ዓለም (DSW) ።

አዚ ምስቲ ከምዚ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር'ከሎ  83 ምልዮን ተወሳኺ ህዝቢ ኣብዚ ዓለም ክህሉ እዩ። እቲ ተወሳኺ ብዝሒ ዳርጋ ምስቲ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ጀርመን ዝመጣጠን ምዃኑ እቲ ማእከል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መጽናዕቲ DSW, ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ብገምጋም  2.6 ህዝቢ ናብ ዓለም ይውሰኽ። እዚ ካብቶም ዝውለዱ እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣጉዲልካ ዝርከብ ብዝሒ እዩ።

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 8 ቢሊዮን ዝረግጽ ኣብ 2023 ከምዝኸውን ተገሚቱ ኣሎ።

There will be some 7.75 billion people living on Earth on New Year's Eve.
There will be some 7.75 billion people living on Earth on New Year's Eve. Source: EyeEm

እቲ ማእከል ብተወሳኺ ከምዝሓበሮ፡ ኣዴታት ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን ብገምጋም  4.4 ቆልዑ ኣለዉወን፡ እዚ ምስቲ 2.4 ናይ ዓለም ገምጋም ብዝሒ ብዕጽፊ ይዓቢ።

ብመሰረት ትንበያ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ 2050 ዳርጋ ብዕጽፊ ናብ 2.5 ቢልዮን ክብ ክብል እዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now