ኣብ 1918 ዝነበረ ለበዳ ዝሰገረ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየ ሰብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሪፉ።

ዘይወግዓዊ ናይ ዓለምና ብዕድመ ዝዓበየ ሰብ "ብጸጋ ኣምላኽ" ኣብ መበል 116 ዓመት ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡

Fredie Blom enjoys a cigarette as he celebrates his 116th birthday at his home in Delft, near Cape Town, South Africa.

Fredie Blom enjoys a cigarette as he celebrates his 116th birthday at his home in Delft, near Cape Town, South Africa. Source: AFP

ወዲ 116-ዓመትን ነቲ ኣብ 1918 ዘጋጥመ ለበዳ ሰዓል ስጳኛ (Spanish Flu) ዝሰገረ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝዓረፈ ስድራኡ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ 8 ግንቦት 1904, ዝተወልደ ፍርዲ ብሎም "ብሳላ ጸጋ ኣምላኽ ንኽንድዚ ዝ ኣክል ዓመታት ብህይወት ነቢሩ" ብምባል ኣባላት ስድራኡ ንAFP ገሊጾም።

መዝገብ ዓለም ጊነስ፡ ኣብ ዓለም ብህይወት ዘሎ ዝዓበየ ሰብ ኢሉ መዝጊብዎ ዘሎ ንወዲ 112 ብሪቶን ቦብ ወይቶን እንተኾነኳ፡ መዲያታት ደቡብ ኣፍሪቃ ግና ን ሚስተር ብሎም "ዘይወግዓዊ" ናይ ዓለም ዝዓበየ ሰብ ኢሎም ገሊጾሞ።

ብምሉኦም ኣባላት ስድራ ሚስተር ብሎም መንእሰይ'ከሎ እዮም ብለበዳ ስፓኒሽ ፍሉ ጸኒቶም።

እንተኾነ ንሱ ካብታ ን 46 ብሓዳር ምስ ኣ ዝጸንሐ በዓልቲ ቤቱ ዝወለዶም 3 ቆልዑ ኣዕብዩን ሓሙሽተ ደቂ ደቁን ውን ኔሮሞ።

"ክሳብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኦፓ (ኣቦ ሓጎና) ዕንጸይቲ ይፍልጽ ኔሩ፡" ወሃብ ቃል ስድራቤቱ ዝኾነ ኣንድረ ናይዶ ን  AFP ብምግላጽ ሞዶሻ ከምዘይፈሊ ዝነበረ ድማ ዘኪሩ።

"ድልዱል ሰብኣይ እዩ ኔሩ፡ ኣዚዩ ሕቡን ሰብኣይ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እንተኾነ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልታት "ካብ ዓቢ ሰብኣይ ናብ ቁንጹብ ሰብ" ኮይኑ ክጭበጥ ከምዝረኣዩ ስድራኡ ገሊጾም።

ኣብ ኢስተርን ኬፕ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ገጠራት ኣደላይድ ጥቓ ጎቦታት Great Winterberg ዝተወልደ ሚስተር ብሎም፡ ኣብ ኬፕታውን ዝርከብ ሆስፒታል ታይገርበርግ እዩ ዓሪፉ።

ምኽንያት ሞቱ ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነን "ንቡር ተፈትሮኣዊ ሞት" ከምዝሞተ ሚስተር ናይዶ ገሊጹ።

 


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service