ወዲ 116-ዓመትን ነቲ ኣብ 1918 ዘጋጥመ ለበዳ ሰዓል ስጳኛ (Spanish Flu) ዝሰገረ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝዓረፈ ስድራኡ ኣፍሊጦም።
እቲ ኣብ 8 ግንቦት 1904, ዝተወልደ ፍርዲ ብሎም "ብሳላ ጸጋ ኣምላኽ ንኽንድዚ ዝ ኣክል ዓመታት ብህይወት ነቢሩ" ብምባል ኣባላት ስድራኡ ንAFP ገሊጾም።
መዝገብ ዓለም ጊነስ፡ ኣብ ዓለም ብህይወት ዘሎ ዝዓበየ ሰብ ኢሉ መዝጊብዎ ዘሎ ንወዲ 112 ብሪቶን ቦብ ወይቶን እንተኾነኳ፡ መዲያታት ደቡብ ኣፍሪቃ ግና ን ሚስተር ብሎም "ዘይወግዓዊ" ናይ ዓለም ዝዓበየ ሰብ ኢሎም ገሊጾሞ።
ብምሉኦም ኣባላት ስድራ ሚስተር ብሎም መንእሰይ'ከሎ እዮም ብለበዳ ስፓኒሽ ፍሉ ጸኒቶም።
እንተኾነ ንሱ ካብታ ን 46 ብሓዳር ምስ ኣ ዝጸንሐ በዓልቲ ቤቱ ዝወለዶም 3 ቆልዑ ኣዕብዩን ሓሙሽተ ደቂ ደቁን ውን ኔሮሞ።
"ክሳብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኦፓ (ኣቦ ሓጎና) ዕንጸይቲ ይፍልጽ ኔሩ፡" ወሃብ ቃል ስድራቤቱ ዝኾነ ኣንድረ ናይዶ ን AFP ብምግላጽ ሞዶሻ ከምዘይፈሊ ዝነበረ ድማ ዘኪሩ።
"ድልዱል ሰብኣይ እዩ ኔሩ፡ ኣዚዩ ሕቡን ሰብኣይ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እንተኾነ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልታት "ካብ ዓቢ ሰብኣይ ናብ ቁንጹብ ሰብ" ኮይኑ ክጭበጥ ከምዝረኣዩ ስድራኡ ገሊጾም።
ኣብ ኢስተርን ኬፕ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ገጠራት ኣደላይድ ጥቓ ጎቦታት Great Winterberg ዝተወልደ ሚስተር ብሎም፡ ኣብ ኬፕታውን ዝርከብ ሆስፒታል ታይገርበርግ እዩ ዓሪፉ።
ምኽንያት ሞቱ ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነን "ንቡር ተፈትሮኣዊ ሞት" ከምዝሞተ ሚስተር ናይዶ ገሊጹ።