Key Points
- ጠላዕ ካብ ገንዘብ ክሳዕ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ጸገም ከስዕብ ይኽእል እዩ ።
- ስድራቤትን ኣዕሩኽን በቲ ናይ ሓደ ሰብ ምጥላዕ ይጽለዉ: እንተዀነ ግን ደገፍ ይረኽቡ እዮም ።
- ሰባት ሓገዝ ምእንቲ ኸይደልዩ ፡ ባህላዊ ስምዒት ኽገትኦም ይኽእል እዩ ።
ኣብ 2021 ብናይ ኣውስትራሊያ ትካል ሓለዋ ጥዕናን ድሕንነት ዝተዳለዉ ሓበሬታታት ከምዝሕብርዎ ብገምጋም ሓደ ካብ ሰለስተ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ናይ ጠላዕ ስራሕ ገንዘብ የውጽእ ፡ 7.2% ካብ ኣውስትራሊያውያን ዓበይቲ ሰባት ድማ ናይ ጠላዕ ሓደጋ የጋጥሞም ።
ካብ ጠላዕ ዝስዕብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብእተፈላለየ መልክዕ እዩ ዝግለጽ ፣ ገለ ካብዚ ድማ ገንዘባዊ ፡ ሕጋዊ ፡ ስምዒታዊ ጕድኣት እዩ ።
እዚኦም ነቲ ኣብቲ ናይ ጠላዕ ጸገም ዝወደቐ ውልቀ-ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ንስድራቤቶምን ንማሕበራዊ ርክባቶምን 'ውን ይጸልዎም ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፕሮፌሰር
ጠላዕ ኣብ ናይ ኢንተርነት ኦንላይን ይኹን ኦፍላይን ብቐሊሉ ክሕባእ ይኽእል እዩ ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሕቡእ ወልፊ ተባሒሉ ዝጽዋዓሉ ምኽንያት ፡ ኣብ ቅድሚ ካልእ ሰብ ስለ ዘይትርእዮ ወይ ናይ ጠላዕ ጸገም እንተ ኣልይዎም ብትንፋሶም ስለ ዘይትሽትቶ እዩ ። ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ጠላዕ ፡ ኣብ ዝቕጽል ደረጃ እዩ ዝስራዕ ፣ ጠላዕ ኣብ ሞባይል ቴሌፎን እናገበርካ ኣብ ቤትካ ብኣካል ክትህሉ ትኽእል ኢኻ ። ስለዚ ፡ ንዝተፈላለዩ ሰባት ይስሕብ እዩ ፡ ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ዝግበር እንተኾይኑ። ናብ ፖከር ማሽናት ዝተፈልየ ተዓዘብቲ ኣለዎ ፡ [ግን] እቲ ሳዕቤን ወይ ሃስያ ግና ተመሳሳሊ እዩ ፡ እቲ ገንዘባዊ ወጻኢታት እውን ከምኡ ተመሳሳሊ እዩ ።Sally Gainsbury, Professor of Psychology at the University of Sydney.
ካብ ዝተፈልየ ባህሊን ቋንቋን ድሕረ ባይታ ኣብ ዘለዎም ማሕበረሰባት ጠላዕ ምጥላዕ (CALD) ኣዚዩ ዝጋነን ኣይኮነን ። ኰይኑ ግና ፡ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ፡ ብዝያዳ ንጕድኣት ጠላዕ እተቓልዑ እዮም ፣ ካብቲ ካልእ ማሕበረሰብ ንላዕሊ ድማ ፡ ብዝያዳ ናይ ምጥላዕ ፀገማት የጋጥሞም እዩ ።

ኣብ 2021 ብናይ ኣውስትራሊያ ትካል ሓለዋ ጥዕናን ድሕንነት ዝተዳለዉ ሓበሬታታት ከምዝሕብርዎ ብገምጋም ሓደ ካብ ሰለስተ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ናይ ጠላዕ ስራሕ ገንዘብ የውጽእ ፡ 7.2% ካብ ኣውስትራሊያውያን ዓበይቲ ሰባት ድማ ናይ ጠላዕ ሓደጋ የጋጥሞም ።
ካብ ጠላዕ ዝስዕብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብእተፈላለየ መልክዕ እዩ ዝግለጽ ፣ ገለ ካብዚ ድማ ገንዘባዊ ፡ ሕጋዊ ፡ ስምዒታዊ ጕድኣት እዩ ።
እዚኦም ነቲ ኣብቲ ናይ ጠላዕ ጸገም ዝወደቐ ውልቀ-ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ንስድራቤቶምን ንማሕበራዊ ርክባቶምን 'ውን ይጸልዎም ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፕሮፌሰር ስነ ኣእምሮ ዝዀነት ሳሊ ጋንበሪ: ባህርይ እዚ ወልፊ እዚ ንኽትፈትሖ ከቢድ ዝገብሮ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ ።
ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰባት ምኽሪ ወይ ካውንስሊንግ ናይ ምዕራባዊያን ኣተሓሳስባ ተጌሩ'ዩ ዝሕሰብ። ስለዚ ብዙሕ ሰብ ነቲ ጉዳዮም ኣብዉሽጢ ስድራ ጥራይ ክተርፍ እዩ ዝግበር።Natalie Wright, Director of the Office of Responsible Gambling in New South Wales
ኣዝማድን ፈተውትን ናይቶም ምጥላዕ ወልፊ ዘለዎም ክጸልዎም ይኽእል እዩ ።
መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ምጥላዕ እተተሓሓዘ ቝጠባዊ ጕድኣት የጋጥሞም እዩ ። ኣብቲ ርክብ ውጥረት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ፣ ነቲ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እውን ኽዋጽእሉ ኣለዎም ።
"ስለዚ ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ፡ እቲ ሰብ ምጥላዕ ክቕይር ይጽዕር እንተ ኣልዩ ብዘየገድስ ፡ ንርእሶም ክሕግዙ ኣለዎም ። ንሓደ ኽሓዊ ዝፍትን ዘሎ ሰብ ክሕግዙ ወይ ክድግፉ ክጽዕሩ ከለዉ እውን ጠቓሚ እዩ "ብምባል ፕሮፌሰር ጋንበሪ ትገልጽ ።

ኣደም * ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎ ነባሪ ምዕራብ ሲድኒ እዩ ። ካብ 2014 ኣትሒዙ ካብ ጸገም ጠላዕ ተገላጊሉ ኣሎ ። መንነቱ ንምሕላው ስሙን ድምጹን ተቐይሩ እዩ ።
ንሱ ናቱ ቀረባ ቤተሰቡ በዚ ተጸልዮም እዮም ይብል። ንዕኡ ስድራኡ ከምዝደገፍዎ ይዛረብ።
“ብሓፈሻኡ ፡ ኣብ ባህሊ ማእከላይ ምብራቕ ፡ ምኽሪን ሓገዝ ምድላይን ፡ ወልፊ ብዘየገድስ ፡ኣይሕሰብን እዩ ። ንዓይ ግና ፡ ካብ ቀረባ ስድራ ቤተይ ሓገዝ ክረክብ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ፡ ኣዝዮም እዮም ዝድግፉኒ ነይሮም ። ናይ ርሑቕ ኣዝማደይ ግና... ገለ ሓገዝ ዝደሊ ዘይኮነስ ጸገም ከምዘለኒ ጌሮምዮም ዝጥምቱኒ ኔሮም።”
ነቲ ንኽሓዊ ዝሓቶ ዝነበርኩ ደገፍ ብዝሓሸ ክድግፍዎ ክኢሎም እዮም ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ወልፊ ኣብ ዘይኮንካሉ እዋን ንኽትርድኦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
"((“ሰባት ንጠላዕ ክገድፉ ብኸመይ ደገፍ ከም ዝረኽቡ ኣብ ዝግበር ኣገባብ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ ። ብዙሓት ሰባት ድማ ዘይወግዓዊ ደገፍ ይደልዩ ። ስለዚ ፡ እዚ በዓልሞያ ጥዕና ይኹን ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ከም መራሕቲ ማሕበረሰብ ወይ መራሕቲ ሃይማኖት ፡ ወይከኣ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶም ደገፍ ይገብሩ እዮም ። እዚ ብግቡእ እንተ ተዋሂቡ: ብሓቂ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ። "
[ገሊኣቶም] ሰባት ሰሙናዊ ምኽሪ እናሃብካ: ስራሕ እናቐያየርካ: መደባት ናብራኻ ብምቕያር: ወይ ካልእ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናገበርካ ጥራይ ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም ። ንዅሉ ሰብ ክዓዪ ዝኽእል ነገራት ኣሎ ።Adam*, recovering from problem gambling

ግቡእ ደገፍ ክሳዕ እተገብረሉ ዝዀነ ይኹን ናይ ደገፍ መገዲ ሓጋዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ፕሮፌሰር ጋንበሪ ሓቢራ ።
ነቲ ምስ ምጥላዕ ዝተሓሓዝ ጸገም ፡ ምስቲ ኣብ ነፋሪት ዘጋጥም ሃንደበታዊ ኵነታት ኣመሳሲላቶ ኣላ ፣ ተጓዓዝቲ ንኻልኦት ቅድሚ ምሕጋዞም ፡ ነቲ ናይ ኦክስጅን ማስኬራ ኺወድይዎ ከም ዘለዎም ምኽሪ ይወሃቦም ።
ሰባት ብዙሕ ደገፍ ከም ዘለዎም ክፈልጡ ኣገዳሲ እዩ ፡ በይኖም ኣይኮኑን ፡... ናይ ባዕልኻ ኦክስጅን ማስኬራ ቀዲምካ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ።Professor Gainsbury.

ናይ ኒው ሳውዝ ዌልስ መንግስቲ ዘካይዶ ጎስጓስ እቲ The Number that Changed our Lifeወይ ንህይወትና ዝቐየሮ ቁጽሪ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ንዝመጹ ናይ ጠላዕ ጸገም ዘለዎምን ብኸመይ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ዝጠራጠሩን ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ ።
ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሓገዝ ንዘድልዮ ፈለማ ን Gamble Aware ምውካስ ከም ዝዀነ ናታሊ ራይት ትገልጽ ።
ብ1800 - 858 - 858 - 858 ናብ Gamble Aware መስመር ሓገዝ ብምድዋል ፡ ተርጓሚ ክጥቀሙን ምስ ሓደ መማኸሪ ብቋንቋኦም ክዛረቡን ይኽእሉ እዮም ።
“ብ50 ቛንቋታት ኢና ምኽሪ እንህብ ። ስለዚ ፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ንዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ሓገዝ ይርከቦ እዩ ። ስድራቤት ነቲ ምስ ጠላዕ ዝቃለስ ዘሎ ሰብ ኣብ ምድጋፍ ዓቢ ግደ ይጻወቱ: እቲ እንህቦ ኣገልግሎት ድማ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት እውን ይድግፍ እዩ. ስድራቤት ብፍላይ ከኣ ኣብ ባህሊን ቋንቋን እተፈላለዩ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣገዳስነት ኣብ ግምት ዘይ ኣቱ ኣይኮነን ።”
ኣብ መወዳእታ: ብመሰረት ፕሮፈሰር ጋንበሪ እቶም ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ናይ ተጣላዕቲ ንበይኖም ዘይምዃኖም ምፍላጥ እዩ: ንገዛእ ርእሶም ደገፍ ምርካብ ድማ ወሳኒ እዩ ።
*ናይ ብሓቂ ስም ኣይኮነን።
ሓገዝ ንምርካብ እዞም ዝስዕቡ መስመር ተኸተሉ:
· National Gambling Helpline on 1800 858 858

