ጸሓፍን ተመራማሪ ታሪኽን መምህር ገብረኺዳን ደስታ ዓሪፎም።

መምህር ገብረኪዳን ደስታ "ፅውፅዋይ ትግርኛ" ; "መቐረት ምስላትታ ትግርኛ" ካብተን ናብ ህዝቢ ዘቕረብወን ናይ ትግርኛ መጻሕፍቶም እየን።

News

Ghebrekidan Desta Source: Tigray Tv

መምህር ገብረኪዳን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ዛና ከተማ ደብረ ከርቤ ዝተወልዱ ኮይኖም ፈለማ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ትምህርቲ ክህነት ዛዚሞም፤ ናብ ጐንደር ብምኻድ ድማ ቅኔ ዜማ ተማሂሮም።

 ደሓር ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ከተማ ደብረ ኸርበ ዛና፡ ኣብ እንዳ የኔታ ናሁሰናይ፡ ዜማታት ማህሌታይ ያሬድ ተማሂሮም። ትጉህን ስሙይን ሊቅ ብምዃን ከም ዘገልገሉ ቢቢሲ ትግርኛ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዘስፈሮ ጽሑፍ የረድእ።

  ቀጺሎም ድማ ኣብ ጎንደር ዝተዓዘቡዎ ትምህርቲ ሳይንስ ንምቕሳም ብዝሓደሮም ባህጊ ንዓባይ ሓፍቶም ሓሙሽተ ሕምባሻ ክትሕምብሸሎም ብምሕታት ንሽረ ብምኻድ ተመዝጊቦም፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት  ናብ ሓምሻይ ክፍሊ ሓሊፎም። ካብ ሻውዓይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ድማ ኣብ ጐንደር ተማሂሮም ካብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ሽልማት ብሉጻት ተምሃሮ ከም ዝተቐበሉ ድሕሪ ባይትኦም ይሕብር።

 ኣብ ምዕቃብ ባህልን ቋንቋን ተጋሩ ቀፃላይ መጽናዕትን ምርምርን ብምክያድ ዝፍለጡ መምህር ገብረኺዳን ፤ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እንከለዉ ኣብቲ ሽዑ ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ምንቅስቓስ መሪሕ ተዋሳኣይ ብምንባሮም ብ1959 ዓ.ም ብጥይት ተወቒዖም።

 ኣብ ባህርዳር መምህር ቋንቋታት ኮይኖም የምህሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውን  ጸ፣ ሠ፣ ሐ ዝበሃሉ ፊደላት ግእዝ ተኣልዮም ሓደ ፀ፣ ሓደ ሰ፣ ሓደ ሀ ጥራሕ እዮም ዘድልዩ ንዝብል ሞገት ብምቅዋም ፤ ኩሎም ፊደላት ኣብ ቋንቋታት ግእዝን ትግርኛን ነናቶም ግልጋሎት ስለዝህቡ ክጠፍኡ የብሎምን ብምባሎም ፈተነ ቅትለት ከም ዝተፈጸመሎም ይዛረቡ።

 መምህር ገብረኪዳን ደስታ ብ1987 ዓ.ም ኣካዳሚ ቋንቋትታ ትግራይ ክምስረት ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ትግራይ ፈላሚ ኣውደ መፅናዕቲ ምስተኻየደ ንዕኡ ስዒቡ ብ1988 ዓ.ም "ፅውፅዋይ ትግርኛ" እትብል መጽሓፍ አሐቲሞም። ብድሕሪኡ ውን "መቐረት ምስላትታ ትግርኛ" ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ድማ እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ፡ ገድሊ ሃፀይ ዮሃንስ 4ይ" ብትግርኛን ኣምሓርኛን ጽሒፎም ንንባብ ኣብቂዖም።

 ኣብ መጻሕፍቶም ንተረኻት ሊህቃን ኣምሓራ ብምንቃፍ ዝልለዩ ኮይኖም ኩናት ዓድዋ ሕቖ ተጋሩ ኣብ ክልተ ዝቖረጸ ፤ ክበዓል ዘይግብኦ እዩ ብምባል ይፍለጡ። ኣብ ክንድኡ ልዕሊ 500 ወተሃደራት ጣልያን ዝተደምሰሱሉ ኩናት ዶግዓሊ ክኽበር እምነት ዝነበሮም እዮም። በዚ ከኣ ብብዙሓት ዝነኣዱን ዝንቀፉን ጸሓፊ ኮይኖም።

 ኣብቲ ዓሚ ሕዳር ተጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ምስ መራሕቲ ትግራይ ንበረኻ ወጺኦም። ሰራዊት ትግራይ ንመቐለ መሊሱ ምስተቖጻጸረ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ እቲ ኩናት ነቲ ብተጋሩ ዝውነን ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላልነት ዘለዎ ቋንቋ፣ፊደል፣ ታሪኽ ኣክሱም የሓን ደኣማትን ንምምንጣል በሊሂቃን ኣምሓራ ዝተሃንደሰ እዩ ዝብል ሞገት ኣቕሪቦም ነይሮም።

 መምህር ገብረኪዳን ደስታ ፤ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑን ኮይኖም ሎሚ 7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service