ንትምህርቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 51 ዓመት ናብ ኣውስትራሊያ ዝተሰደ ኣቶ ያረድ ኤልሳእ፡ ናይ ፈለማ ሰብ ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣብ ኣውስትራሊያ ክነብር ዝጀመረን፡ ጻዕዳ ኣውስትራሊያዊት ተመርዕዩ ብ ኢንጂኔሪንግ ናይ መንግስቲ ቪክቶሪያ ፕሮጀክትታት ዘማኽርን እዩ።

ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ሻሙናይ ሃገራዊ ፈተና ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ ተመሃሮ ተመሪጾም ናብ ጀነራል ዊንጌት ዝበሃል ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይከዱ ብምንባሮም፡ ንሱውን ሓደ ካብቶም ዉሑዳት ነቲ ዕድል ዝረኽቡ ኮይኑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወደአ። ካብዚውን ምስካልኦት ሰለስተ ኢትዮጵያዊያን ተመሪጹ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ኣብ 1969 ወዲ 17 ዓመት ከሎ ናብ ኣውስትራሊያ ክመጽእ ክኢሉ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውስትራሊያ ዘይኣተዉሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ ንበዓል ያረድ ጽቡቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ከምዝነበረ ይዛረብ። “ኣብ ባቡር ይኹን ኣብ መገዲ ዝረኽበካ ኩሉ ቀሪቡ ክሓተካን ከዕልለካን እዩ ዝደሊ፡ በቃ ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኮይኑ ረኺብናዮ” ብምባል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ይገልጽ።
ብዕደና (Mining) ክመሃር ተላኢኹ እንተነበረኳ፡ ናብ በረኻ ከይደ ኣይሰርሕን’የ ብምባል ብሲቪል ኢንጂኔሪንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ RIMT ተማሂሩ፡ ኣብ ዚንባብወን ሕጂ ድማ ን ኣስታት 32 ዓመታት ከም ኣማኻሪ ናይ መንግስቲ ቪክቶሪያ ናይ ሓጽቢታትን ፓርክታትን ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብቲ ፈለማ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወሉ እዋን ንኣስታት 10 ዓመታት ሓደ መርከበኛ ሓደ ድማ ብ ኣውስትራሊያ ናብ ካልእ ክሓልፍ ዝረኸቦ ኤርትራዊ ከምዘይነበረ እዩ ዝገልጽ ኣቶ ያሬድ። ድሒሩ ግና ፍስሃየ ኣብርሃም ዝተባህለ ብትምህርቲ ዝመጸን ድሒሩ ምስ ቃልሲ ኤርትራ ዝተኣሳሰሮን ከምዝረኸበ ገሊጹ። ፍስሃየ ኣብርሃም ናይ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓላፊን፡ ንፍሉጥ ናይ ዓይኒ ሓኪም ፍረድ ሀሎውስን ን ኣውስትራሊያዊ ደራሲ ቶም ከነሊ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዘላለየን፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ናይ ኤርትራ ዝነበረን እዩ።
ኢንጂኔር ያረድ፡ ምስቲ ኣብ ሰማኒያታት ብዝሑ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝምድናኡ እናሓየለ ብምኻዱ ጽምዋ ኣይተሰመዖን። ምስ ሓንቲ ኣውስትራሊያዊት ጻዕዳ ን 32 ዓመት ሓዳር ጌሩ ኣቦ ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወዲን ኮይኑ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ንኣስታት 51 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ሰብ እዩ።
ምሉእ ዕላል ምስ ኣቶ ያሬድ ኤልሳእ ብድምጺ ተቐዲሑ ኣብዚ ተተሓሒዙ ኣሎ።


