ናይ ኢትዮጵያ ሶማሊያ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኢሶሕዴፓ) ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ ናይቲ ክልል ፕሬዚዳንት አቶ አብዲ መሐመድ ዑመር (ኣብዲ ኢለ) ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ከምዝገደፈ ናይቲ ክልል ናይ ኮሙኒከኢሽን ቢሮ ሓላፊ አቶ እድሪስ እስማዒል ንማዕከናት ዜና ገሊጹ፡፡
በቲ መግለጺ መሰረት፣ ኣቶ ኣብዲ ካብቲ ናይቲ ክልል ፕሬዚዳንትነት እንተተኣልየ’ኳ ናይቲ ሰልፊ ኣቦ መንበር ኮይኑ ክቕጽል እዩ።
ኣብ ክንድኡ ናይቲ ክልል ምክትል ፕሬዚደንት ሓላፊ ቢሮ ማይ ዝነበረ አቶ አሕመድ ዓብዲ ናይቲ ክልል ጊዚያዊ ፕሬዚደንት ኮይኑ ከምተመርጸ አቶ እድሪስ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጅግጅጋ ብዝተላዕለ ዕግርግር ብዙሕ ሰብ ሞይቱ ንብረት ተሰሪቑ ናይ መንበሪ፡ ንግድን ናይ እምነት ትካላትን ከምዝነደደን ተፈሊጡ ኣሎ።
ትማሊ ሚሸት ናይ ፈደራል መንግስቲ ሓላፊ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ሚኒስትር አቶ አሕመድ ሺዴ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ናይቲ ክልል ሰላምን ድሕነትን ናብ ንቡር ንምምላስ ሓይሊታት ምክልኻል ጣልቃ ኣትዩ ኣሎ፡ ናይቲ ክልል ፖሊስውን ኣብዚ ጉዳይ ክተሓባበር ጸዊዑ።
ኣብቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተሓተትቲ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ እቲ ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ገሊጹ ኣሎ። በቲ ዕግርግር ዝወረደ ክሳራ ዘጽንዕ ውጽኢት መጽናዕቱ ናብ ህዝቢ ብወግዒ ዝገልጽን ኮሚቴ ከምዝቐውምን’ውን ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ጅግጅጋ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ሓሙሽተ ዜጋታት ከምዝተቐትሉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ትማሊ ቀትሪ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ናብቲ ከተማ ብም እታው ተቖጻጺርዋ። ኣብ ማእከል ከተማ ጅግጅጋ ዝርከብ ናይ ሚካኤል ቤተ-ክርስቲያን ኣፍደገ 4 መንእሰያት ከምተቐትሉ፡ ኣብ ቀበሌ 06 ድማ ካልእ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ከምተቐትለን ዶቸ ቬለ ጸብጺቡ ኣሎ። ብዘይካዚ ሓደ ካልእ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ነባሪ ጅግጅጋ ብሓይሊታት ጸጥታ እቲ ክልል ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝሞተውን ተፈሊጡ ኣሎ። ሃገራዊ ግምባር ነጻነት ኦጋዴን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ሶማሊያ ክልልን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብምውሳድ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ብኻልእ ዜና፡ ብሰንበት ኣብ ድሬዳዋ ብዝተላዕለ ግጭት 10 ሰባት ከምዝሞቱ ናይ ድሬዳዋ ፖሊስ ኮሚሽን ኣፍሊጡ። ናይ ከተማ ድሬዳዋ ፖሊስ ኮሚሽን ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሳጅን ባንተአለም ግርማ ንዶይቼ ቬለ ከምዝነገሮ እቶም 10 ሰባት ዝሞቱ ብሰንኪ እቲ ዕግርግር ዝተላዕለ፡ ሓዊ ብምቅጻሉ ብትኪ ተዓፊኖም እዮም ሞይቶም።

