ናይ ፈለማ ኣስላማይን መበቆሉ ደቡብ ኤሻውን ዞራን ማምዳኒ ንኒው ዮርክ ክመርሓ ብምምራጹ ታሪኽ ሰሪሑ።

ዞራን ማምዳኒ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ካብ ዘይፍለጥ ፖለቲከኛ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ምምራሕ ነውዮርክ ተሳጊሩ።

A man wearing a suit placed his hand on his chest while speaking to a microphone

Zohran Mamdani defeated former governor Andrew Cuomo and Republican Curtis Sliwa to become New York's new mayor. Source: AP / Yuki Iwamura


ኣሶሸትድ ፕረስ: ማእከላይ ወሳኒ ዴስክ ን ካልኦት ናይ ኣመሪካ መራኸቢ ብዙሃንን ነቲ ወዲ 34 ዓመት ደሞክራሲያዊ ሶሻሊስታዊ ሕጹይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ናይ ምዕጻው ምድማጽ ዓወቱ ኣቃሊሖሞ ።
ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ ወዲ 67 ዓመት ኣንድሪው ኩሞ ፡ ኣብ መባእታዊ ዉድድር ምስ ማምዳኒ ድሕሪ ምስዓሩ እዩ ከም ናይ ውልቂ ሕጹይ ዳግም ተወዳዲርዎ። ንሱ ናብዚ ዉድድር ዝቐረበ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኒው ዮርክ ምዃን ብ ውርደት ተባሪሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ።
ማምዳኒ ኣብ ኒው ዮርክ ከንቲባ ንክከውን ኣብ ዝገበሮ ዉድድር ፡ ነቲ ካብ ተዛማዲ ን ኡስ ናይ ጸጋማይ ፖለቲከኛ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ከቢድ ናይ ምርጫ ወፍሪ ኣትዩ እዩ፡ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ደይቡ ዘሎ ።
እቲ ዝረኸቦ ዓወት ፡ ብሰንኪ ዝኽተሎ ፖሊሲን እስላማዊ ድሕረ ባይታኡን ካብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፡ ካብ ኢሊታት ቢዝነስን ካብ ዓቃባውያን መራኸቢ ብዙሃንን ሓያል መጥቃዕቲ ስዒሩ እዩ ።
A person in a pink shirt hugs a woman in a crowd
Supporters for Democratic mayoral candidate Zohran Mamdani celebrate at an election night watch party. Source: AP / Yuki Iwamura
"ብዶናልድ ትራምፕ እተኸድዐ ህዝቢ ከመይ ጌርካ ክትስዕሮ ከምትኽእል ከርኢ ዝኽእል ሰብ እንተ ኣልዩ ፡ ነዛ ከተማ ንዕኡ ሃቦ ። "በለ ።
"ስለዚ ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ትከታተለኒ ከም ዘለኻ ስለ ዝፈልጥ ፡ ንዓኻ ኣርባዕተ ቃላት እዩ ዘሎኒ ፦ ነቲ ድምጺ ድምጺ ዓው ኣብሎ ።"
ንሱ ኣብቲ ተራ ነበሪ ኒው ዮርክ ኣብ ዘጋጥሞ ክብሪ መነባብሮ ዘተኰረ ፖሊሲ ፡ በቲ ዘይወግዓዊ ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዲ ተኸቲሉ ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዘተኰረ ጎስጓስ ተጠቒሙ እዩ ተዓዊቱ።

ዞራን ማንዳኒ መን'ዩ?

ማምዳኒ ኣብ ኡጋንዳ ካብ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎም ስድራ ተወሊዱ ፡ ካብ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣትሒዙ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይነብር ኣሎ ፡ ኣብ 2018 ዜጋ ኣመሪካ ኰይኑ ።
ንሱ ወዲ ናይ ሰራሒት ፊልም ሚራ ናኢርን ፍሉጥ ፕሮፌሶርን ኪኢላ እፍሪቃ ማሕሙድ ማምዳኒን እዩ ።
ኣብቲ ብሉጽ ናይ ሃብታማትን ፍሉጣትን ብሮንክስ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስነ-ፍልጠት ዝተማህረ ማንዳኒ: ኣብ ማይን ዝርከብ ኮለጅ ቦውዶይን ተማሂሩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓድሽ ሓሳባት ዝጫጭሓሉ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ።
ኣብ ትሕቲ ኣሊያስ ያንግ ካርዳሞም ፡ ኣብ 2015 ናብ ናይ ራፕ ዓለም ኣተወ ፡ እዚ ድማ ብናይ ሂፕ-ሆፕ ጉጅለ ዳስ ሬሲስት ተጸልዩ እዩ ኣትይዎ።
A young man wearing a dark suit and white shirt claps and smiles among a crowd of supporters.
Mamdani will become New York's first Muslim mayor when he takes office in January 2026. Source: Bloomberg, Getty / Adam Gray
ማምዳኒ ናብ ናይ ውድድር ዓለም ናይ ፕሮፌሽናል ሙዚቃ ኽሰግር ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀጸለን ፣ እቲ ናብ ፖለቲከኛ ምኳን ገጹ ዝመለሰ ማምዳኒ ንነብሱ ካልኣይ ደረጃ ኣርቲስት ኢሉ እዩ ጸውዓ ።
ማምዳኒ ቀጺሉ ፡ ብፋይናንሲያዊ ጸገም ዝቃለሱ ሰብ ገዛ ፡ በቶም ከይስኣኑ ብምሕጋዝ ፡ ኣቐዲሙ ምኽሪ ብምሃብ ፡ ናይ ምክልኻል ኣማኻሪ ኰነ ።
ብ2018 ድማ ኣባል ዓብዪ ጉባኤ ዝዀነ ኲንስ ኰይኑ ተመርጸ ፣ እዚ ጉባኤ እዚ ፡ ነቶም ብብዝሒ ድኻታትን ስደተኛታትን ዝነብሩሉ ዝነበሩ ማሕበረ ሰብ ዝኣኻኽብ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ነቲ ኣብ ጉባኤ ናይ ኒው ዮርክ ከባቢ ዝውክል እዩ ነይሩ ።

A man speaking into a handheld microphone
Mamdani's main rival Andrew Cuomo resigned in disgrace from his position as New York state's governor four years ago. Source: SIPA USA / Laura Brett


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

Updated

Source: AFP, Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service