ናይ ፈለማ ኣስላማይን መበቆሉ ደቡብ ኤሻውን ዞራን ማምዳኒ ንኒው ዮርክ ክመርሓ ብምምራጹ ታሪኽ ሰሪሑ።

ዞራን ማምዳኒ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ካብ ዘይፍለጥ ፖለቲከኛ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ምምራሕ ነውዮርክ ተሳጊሩ።

A man wearing a suit placed his hand on his chest while speaking to a microphone

Zohran Mamdani defeated former governor Andrew Cuomo and Republican Curtis Sliwa to become New York's new mayor. Source: AP / Yuki Iwamura

ኣሶሸትድ ፕረስ: ማእከላይ ወሳኒ ዴስክ ን ካልኦት ናይ ኣመሪካ መራኸቢ ብዙሃንን ነቲ ወዲ 34 ዓመት ደሞክራሲያዊ ሶሻሊስታዊ ሕጹይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ናይ ምዕጻው ምድማጽ ዓወቱ ኣቃሊሖሞ ።

ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ ወዲ 67 ዓመት ኣንድሪው ኩሞ ፡ ኣብ መባእታዊ ዉድድር ምስ ማምዳኒ ድሕሪ ምስዓሩ እዩ ከም ናይ ውልቂ ሕጹይ ዳግም ተወዳዲርዎ። ንሱ ናብዚ ዉድድር ዝቐረበ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኒው ዮርክ ምዃን ብ ውርደት ተባሪሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ።

ማምዳኒ ኣብ ኒው ዮርክ ከንቲባ ንክከውን ኣብ ዝገበሮ ዉድድር ፡ ነቲ ካብ ተዛማዲ ን ኡስ ናይ ጸጋማይ ፖለቲከኛ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ከቢድ ናይ ምርጫ ወፍሪ ኣትዩ እዩ፡ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ደይቡ ዘሎ ።

እቲ ዝረኸቦ ዓወት ፡ ብሰንኪ ዝኽተሎ ፖሊሲን እስላማዊ ድሕረ ባይታኡን ካብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፡ ካብ ኢሊታት ቢዝነስን ካብ ዓቃባውያን መራኸቢ ብዙሃንን ሓያል መጥቃዕቲ ስዒሩ እዩ ።

A person in a pink shirt hugs a woman in a crowd
Supporters for Democratic mayoral candidate Zohran Mamdani celebrate at an election night watch party. Source: AP / Yuki Iwamura

"ብዶናልድ ትራምፕ እተኸድዐ ህዝቢ ከመይ ጌርካ ክትስዕሮ ከምትኽእል ከርኢ ዝኽእል ሰብ እንተ ኣልዩ ፡ ነዛ ከተማ ንዕኡ ሃቦ ። "በለ ።

"ስለዚ ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ትከታተለኒ ከም ዘለኻ ስለ ዝፈልጥ ፡ ንዓኻ ኣርባዕተ ቃላት እዩ ዘሎኒ ፦ ነቲ ድምጺ ድምጺ ዓው ኣብሎ ።"

ንሱ ኣብቲ ተራ ነበሪ ኒው ዮርክ ኣብ ዘጋጥሞ ክብሪ መነባብሮ ዘተኰረ ፖሊሲ ፡ በቲ ዘይወግዓዊ ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዲ ተኸቲሉ ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዘተኰረ ጎስጓስ ተጠቒሙ እዩ ተዓዊቱ።

ዞራን ማንዳኒ መን'ዩ?

ማምዳኒ ኣብ ኡጋንዳ ካብ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎም ስድራ ተወሊዱ ፡ ካብ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣትሒዙ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይነብር ኣሎ ፡ ኣብ 2018 ዜጋ ኣመሪካ ኰይኑ ።

ንሱ ወዲ ናይ ሰራሒት ፊልም ሚራ ናኢርን ፍሉጥ ፕሮፌሶርን ኪኢላ እፍሪቃ ማሕሙድ ማምዳኒን እዩ ።

ኣብቲ ብሉጽ ናይ ሃብታማትን ፍሉጣትን ብሮንክስ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስነ-ፍልጠት ዝተማህረ ማንዳኒ: ኣብ ማይን ዝርከብ ኮለጅ ቦውዶይን ተማሂሩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓድሽ ሓሳባት ዝጫጭሓሉ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ።

ኣብ ትሕቲ ኣሊያስ ያንግ ካርዳሞም ፡ ኣብ 2015 ናብ ናይ ራፕ ዓለም ኣተወ ፡ እዚ ድማ ብናይ ሂፕ-ሆፕ ጉጅለ ዳስ ሬሲስት ተጸልዩ እዩ ኣትይዎ።

A young man wearing a dark suit and white shirt claps and smiles among a crowd of supporters.
Mamdani will become New York's first Muslim mayor when he takes office in January 2026. Source: Bloomberg, Getty / Adam Gray

ማምዳኒ ናብ ናይ ውድድር ዓለም ናይ ፕሮፌሽናል ሙዚቃ ኽሰግር ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀጸለን ፣ እቲ ናብ ፖለቲከኛ ምኳን ገጹ ዝመለሰ ማምዳኒ ንነብሱ ካልኣይ ደረጃ ኣርቲስት ኢሉ እዩ ጸውዓ ።

ማምዳኒ ቀጺሉ ፡ ብፋይናንሲያዊ ጸገም ዝቃለሱ ሰብ ገዛ ፡ በቶም ከይስኣኑ ብምሕጋዝ ፡ ኣቐዲሙ ምኽሪ ብምሃብ ፡ ናይ ምክልኻል ኣማኻሪ ኰነ ።

ብ2018 ድማ ኣባል ዓብዪ ጉባኤ ዝዀነ ኲንስ ኰይኑ ተመርጸ ፣ እዚ ጉባኤ እዚ ፡ ነቶም ብብዝሒ ድኻታትን ስደተኛታትን ዝነብሩሉ ዝነበሩ ማሕበረ ሰብ ዝኣኻኽብ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ነቲ ኣብ ጉባኤ ናይ ኒው ዮርክ ከባቢ ዝውክል እዩ ነይሩ ።

A man speaking into a handheld microphone
Mamdani's main rival Andrew Cuomo resigned in disgrace from his position as New York state's governor four years ago. Source: AAP / Michael Nigro / Laura Brett


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Share

3 min read

Published

Updated

Source: AFP, Reuters, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now