- እዞም ሓደሽቲ መምርሒታት እንታይ እዮም ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባኦም ኣበይ እርከብ?
- ብዛዕባዚ ለውጢ ንደቀይ ብኸመይ እዛረቦም?
- ዉሉደይ ብኸመይ ርክቡ ብማሕበራዊ መራኸቢ ክቕጽል ይኽእል?
- ንጹልነት ከይስምዖ ንውሉደይ ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል?
- ቅድሚ ሕሳባቶም ምንጻግ እንታይ ዓይነት ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለኒ?
- እቲ እገዳ ምስጀመረ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ትካላት ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣብ መድረኻተን ሕሳብ ንኸይህልዎም ርትዓዊ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዳ ከድልየን እዩ ። ቲክቶክ ፡ ኢንስታግራም ፡ ስናፕቻት ፡ ፌስቡክ ፡ ኪክ ፡ ሬዲይት ፡ ትረኣድስ ፡ ትዊች ፡ ኤክስ ፡ ዩቲዩብን ካልእን ድሮ ተጠቓሊሎም ኣለዉ ፡ ተወሳኺ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ክውሰኸሎም ይኽእል እዩ ።
ነቲ ዝተኣታቶ ዘሎ ሓድሽ ቀይድታት ዝከታተል ኮምሽነር ኢ-ስፊቲ ፡ እቲ ለውጢ ዕላማኡ ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ካብ ጸቕጥታትን ሓደጋታትን ንምክልኻል ምዃኑ ፡ ናብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ሕሳባቶምውን ናብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከይቃልዑ ንምክልኻል እዩ ።

Companies are expected to use age-assurance technology to estimate a user’s age. Young people will still be able to watch publicly available content on some platforms, such as YouTube and TikTok. Source: iStockphoto / Suzi Media Production/Getty Images
እቲ ሓላፍነት ኣብተን ወነንቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸበኢታት መድረኽረኽ እዩ ዝወድቕ ። ትሕቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ድሕሪ ምጅማር ዕለት እቲ እገዳ ሕሳቦም እንተሃልዩ ንወለዶም ወይውን ንቖልዑ ዝወሃቡ መቕጻእቲ የለን ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመንእሰያት ዝግበር እገዳ ካብ 10 ታሕሳስ ዝጅምር እኳ እንተ ኰነ ፡ ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ግና ፡ እቲ ንስድራ ቤታት ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ፡ እቲ ሕጊ ባዕሉ ዘይኰነስ ፡ ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ብዛዕባኡ ከም ዝዛራረቡ እዩ ። ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ: ነቲ መስርሕ ብዙሕ ውጥረት ከም ዘይህልዎ ክገብሮ ይኽእል እዩ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፡ ላዕለዋይ መምህር መራኸቢ ብዙሃንን መራኸቢታትን ዝዀነት ዶክተር ካተሪን ፔጅ ጀፍሪ ፡ ወለዲ ኣብ ህይወት መንእሰያት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ክጅምሩ ከም ዘለዎም ገሊጻ ኣላ ። ብዙሓት መንእሰያት ፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ቀንዲ መገዲ ገይሮም ምስ ፈተውቶም የዕልሉ ፡ ብዛዕባ ዘገድሶም ነገራት የካፍሉ ፡ መንነት ድማ ይሃንጹ እዮም ። ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ ከኣ ፡ ቈልዑ ኣብ ክንዲ ምንዓቖም ፡ ዝተሰምዑ ኮይኑ ከምዝስምዖም ክገብር ይኽእል እዩ ።

The responsibility falls on the platforms themselves. There are no penalties for parents or children if an under-sixteen still has an account after the start date. Source: iStockphoto / Dragon Claws/Getty Images
- ብዛዕባ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ለውጢ እንታይ ይስመዓካ?
- ኣዚዩ ዘጨንቐካ ነገር እንታይ እዩ?
- እቲ ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል ነገር እንታይ ይመስለካ?
እዚ ከኣ ንቕንዕና ቦታ ከም ዝህልዎ ይገብር ፣ ንመንእሰያት ድማ ኣብ ክንዲ ንቆጻጸሮም ዘለና ንድግፎም ዘለና ኮይኑ ከም ዝስምዖም ይገብር ።
ማሕበራዊ ርክብ ንድሕነት መንእሰያት ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ፡ ወለዲ ደቆም ርክባቶም ከየቋርጽ ካልእ ኣማራጺታት ምእንቲ ኺደልዩ ክሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም ።
እዞም ዝስዕቡ ኣማራጽታት ይርከብዎም:
- መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ኣፕ (Messaging apps) በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣይተኣገዱን
- ብ ኣኣካል ምስ ፈተውቶም ብቐጻሊ ክራኸቡ ይኽእሉ
- ሕሳብ ወይ ኣካውንት ዘይሓቱ ናይ ጉጅለ መዕለሊ (Group chats) መድረኻት ክፉታት ክኾኑ'ዮም።
- ኣብ ንጥፈታትን ፍጻመታት ማሕበረሰብ፡ ባህላውን ኣብ ቤት ትምህርቲን ክዋስኡ ምትብባዕ።
ንገለ መንእሰያት - ብፍላይ ከኣ ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈላለዩ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ፡ LGBTIQ + ማሕበረሰባት ፡ ገጠራት ወይ ምስ ስንክልና ዝነብሩ - ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ቦታታት ፡ ካብ ብኻልእ ዘይረኽብዎ ናይ ምርኻብ ዕድል ዝፈጥረሎም ክኸውን ይኽእል እዩ። እተፈላለየ መዳያት ርክብ ንኺሃንጹ ምድጋፎም ፡ ነቲ ዘጋጥሞም ጕድኣት ንምንካይ ክሕግዞም ይኽእል እዩ ።

Social media companies will be required to take reasonable steps to stop people under 16 from having accounts on their platforms. Source: iStockphoto / Ekkasit Jokthong/Getty Images
ገለ መንእሰያት ክሓርቁ፡ ክጭነቑ ወይ ካብ ብጾቶም ዝተቖርጹ ኮይኑ ክስምዕዕም ይኽእል፡ ወለዲ ብኸምዚ ዝስዕብ ይድግፍዎም፡
- ንስምዒቶም ተረድእሎም (“ከምኡ ክስምዓካ ንቡር እዩ።”)
- ዕርክነቶም ከም ዘየጥፍኡ ፡ የግዳስ እቲ ኣገባብ ከምዝተቐየረን ኣዘኻኽሮም ።
- ምስ ኣየኖት ኣዕርኽቶም ብዝያዳ ዝምድናኦም ክቕጽሉ ኣብ ምልላይ ደግፎም።
- ከም ብ Kids Helpline’s My Circle ወይ Beyond Blue forums. ዝበሉ ብኽኢላታት ንዝወጸ ውሑስን ምቁጽጻርን ናይ ኦንላይን መገድታት ዕድል ፍጠሩ ።
ካብ Kids Helpline, ሊዮ ሄድ እውን ፡ ምስ ደቅኻ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ናይ ምትእምማንን ምምዕባል ኣገዳሲ እዩ ይብል ። እዚ ማለት ከኣ ፡ ኣብ ኦንላይን ገለ ጸገም እንተ ኣጋጢሙዎም ፡ ከይፈርሑ ናባኻ ክመጹ ከምዝኽእሉ ምርግጋጽ ።

Parents shouldn't be dismissive of their children's feelings. Source: iStockphoto / Antonio_Diaz/Getty Images
ወለድን መንእሰያትን ሓቢሮም ንኽዳለዉ ምስራሕ:
- ስእልታት ፡ ቪድዮታት ፡ ዝተገብሩ መልእኽትታት ፡ ከምኡ እውን ኣብ ኦንላይን ዝርከብ መሞሪታት ካብቲ ዝጸንሐ ሕሳባት ኣቕምጥ ።
- ዝርዝር ናይቶም ርክቦም ክቕጽል ዝደልይዎም መሓዙቶም ብምሓዝ ፣ ብኸመይ ክራኸብዎም ከም ዝኽእሉ ምውሳን።
- ኣማራጺ ኣፕሊኬሽንን ውሑስ ኣጠቓቕማኦንላይን ዘለዎም ማሕበረሰባት ዳህስስ ።
- ንምሕዝነትን ጥዕናን ዘይጎድእ ኣጠቓቕማ መሳርሒ ደረት ግበሩ
ሕሳባት ወይ ኣካውንትታት ብኡንብኡ እኳ እንተ ዘይተወገደ: ኣቐዲምካ ምድላው ውጥረት ክንኪ ይኽእል እዩ ።

Once the ban comes into effect, parents should continue talking with their children about online life. Credit: Johner Images/Getty Images/Johner RF
እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ፡ ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ እቲ ብኦንላይን ዝግበር ህይወት ብቐጻሊ ኺዛራረቡ ኣለዎም ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ኣብ መላእ ኦንላይን እውን ሓደጋታት ኣሎ ፣ ስለዚ ፡ ንዲጂታዊ ድሕነት ዝግበር ጻዕሪ ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ ።
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ውሉድካን ቀጻሊ ምትእምማን ምህላው ወሳኒ እዩ ። ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ፣ ኵሉ ሳዕ ናባኻ መጺኦም ስምዒቶምን ሻቕሎቶምን ክነግሩኻ ከም ዝኽእሉ ኽትነግሮም ትኽእል ኢኻ ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ እዋንን ድሕሪን እቲ ምስግጋር ዝግበር ሓያል ደገፍ እዩ ።
ምስ ደቅኻ ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምርን ጽቡቕ ናይ ድሕነት ሓበሬታታት ተወሳኺ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ክርከብ ይከኣል፡the e-safety commissioner website.
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au








