ከልቢ ኣዝዩ እሙንን ነዊሕ ዝጸንሐን ዓርኪ ወዲ ሰብ ድዩ፧

Dogs have been part of human life for longer than was thought (AP-Supplied).jpg

Source: AP

ከልቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጽ ዓርኪ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ - እንተኾነ ግን እዚ ምሕዝነት ካብ’ቲ ንሓስቦ ግዜ ንላዕሊ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝጀመረ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ። ስልጣነ ወዲሰብ ቅድሚ ምጅማሩ ንኣሽሓት ዓመታት ከልቢ ኣብ ጎድኒ ወዲሰብ ድሮ ይነብር ከምዝነበረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።


Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.

TRANSCRIPT

ከልቢ ንኣሽሓት ዓመታት ኣካል ህይወት ወዲ ሰብ ኮይን ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ ግን ሓድሽ መጽናዕቲ ዘመልክቶ እቲ ዝምድና ካብ’ቲ ንሓስቦ ንላዕሊ ኣቐዲሙ ዝጀመረ ምዃኑ’ዩ።

ክልተ ኣብ መጽሄት ‘ነይቸር’ ዝወጹ ሓደስቲ መጽናዕታት ገለ ካብ’ቶም ዝተኣከቡ ኣዝዮም ቀዲሞም ዝነበሩ ‘ዲኤንኤ ኣኻልብ’ መርሚሮም፣ ከባቢ 16000 ዓመታት ይገብር ድማ ኣኻልብ ምስ ደቂሰብ ድሮም ይነብሩ ከምዝነበሩ ኣረጋጊጾም - እዚ ድማ ቅድሚ ሕርሻን (ምጅማሩን) የዐርዩ ቅድሚ ምኽታም ወይ ከተማታት ምፍጣረን’ዩ።

ዊልያም ማርሽ፣ ካብ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሙዝየም ታሪኽ ተፈጥሮ (ናቹራል ሂስትሪ ሙዝየም) ኣገዳስነት ናይ’ዚ ተረኽቦ ይገልጽ።

"ኣኻልብ ካብ ህዝበ ተኹላ ከም ዝቦቐሉ ወይ ከም ዝመጹ ንፈልጥ ኢና። እዚ ህዝበ ተኹላ ካበይ ከም ዝመጹ ግን ኣይንፈልጥን ኢና፣ ግን እቲ ኣረጋጊጽና ንፈልጦ ኣኻልብ ከባቢ 6 – 7 ሽሕ ዓመታት ካብ’ቲ ዝሓሰብናዮ ቀዲሞም ከምዝነበሩ’ዩ።

እዚ መጽናዕቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ክፋላት እዛ ዘመናዊት ቱርኪየን ዝተረኽቡ ጥንታዊ ቅርስታት ዝተሞርኮሰ’ዩ፣ ንሓደ ኣብ ሓደ ባዕቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተረኽበ 14300 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓጽሚ መንጋጋ ናይ ሓደ ከልቢ’ውን ዘካተተ’ዩ።

ተመራመርቲ ዲኤንኤ ናይ’ዚ መርሚሮምን ምስ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ዘመናውን ጥንታውን ኣኻልብን ተዃሉን ካብ መላእ ዓለም ኣነጻጺሮሞ።

እቲ ዝረኸብዎ ድማ ኣኻልብ ብልክዕ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኤስያን (ዩሬሽያን) ምስ’ቶም ናይ ቀደም ሰባት ከምዝተዘርግሑ ወይ ዘስፋሕፍሑ’ዩ።

ዶክተር ፖንተስ ስኮግላንድ ነዚ መጽናዕቲ ካብ’ቶም ዘካየዱ ኮይኑ ኣብ መንጎ’ቲ ሽዕኡ ዝነበረ ህይወትን ሕጂ ዘሎን ዓቢይ ፍልልይ ምህላዉ ብዘየገድስ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ግን ዝነበረ ወይ ዝተለምደ ይመስል ይብል።

"ነቲ መበቆል ናይ’ዚ ዝምድና ብ5000 ዓመታት ንድሕሪ ደፊእናዮ ጥራይ ዘይኮነ፣ ደቂሰባት 16000 ዓመት ይገብር ምስ’ዞም ኣኻልብ ዝራኸብሉን ዝዋስኡሉን ዝነበረ ኣገባብ ምስ’ዞም ሕጂ ኣብ ቤትና ዝነብሩ ዘለዉ ኣኻልብ ንዋስኣሉን ንራኸበሉን ኣገባብ ዝመሳሰል ከምዝኾነ ደምዲምና ኣለና።"

እቲ ክሳብ ሕጂ ንጹር ዘይኮነ ግን እዚ ከመይ ጀሚሩ’ዩ።

ተመራመርቲ ኣኻልብ ካብ’ቶም ሓመዳዊ ዝሕብሮም ተዃሉ መጺኦም ኢሎም ይኣምኑ፣ ኣብ ገለ እዋን፣ ገለ ተዃሉ ኣብ ዙርያ መዓስከራት ደቂሰባት ክመጹ ወይ ክቐርቡ ጀሚሮም፣ እቶም ብዝወሓደ መጠን ተጻባእቲ (ኣግረሲቭ) ዝነበሩ ተጻዊሮሞም፣ ገለ ተረፍ ዝብላዕ ድማ ይስንድውሎም።

ምስ ግዜ፣ ኣብ ዙርያ ሰባት ወይ ሰብ ኣብ ዘለውዎ ዝያዳ እናቐሰኑ መጺኦም፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ምስ ሰባት ክነብሩ ጀሚሮም።

ተመራመርቲ እዚ ዝምድና ንክልቲኦም ማለት ነቶም ኣኻልብን ወዲሰብን ቀይርዎም ኢሎም ይኣምኑ፣ ሰባት ኣብ ምህዳንን ሓለዋን ሓገዝ ዝረኽብሉ መኽሰብ ረኺቦም፣ እቶም ፈላሞት ኣኻልብ ድማ፣ መግቢ፣ ድሕነትን ኣብ መንጎ ሰባት ቦታ ወይ መዕቆቢ ክረኽቡ ክኢሎም ወይ ከሲቦም።

ተመራመርቲ ድሕሪ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዘመነ በረድ (ኣይስ ኤጅ)፣ ክሊማ ምስ ሞቐን ሃዲኖምን ማእሪሮምን ዝነበሩ ሰባት ናብ ሓደስቲ ከባቢታት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ምስ ገዓዙ፣ እቶም ኣኻልብ ምስኦም ግዒዞም ኢሎም ይሓስቡ - ዶክተር ስኮግላንድ ኣኻልብ ኣብ’ቲ ግዜ ምስ ተዃሉ ኣዝዮም ዘይመሳሳሉ ወይ ዝተፈልዩ ኔሮም ክብል ግምቱ የቐምጥ።

"ነቲ ዘርኢ ዘመልክት ኑክለሳዊ ጀኖም እንተተመልኪትናዮ፣ እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ኣኻልብን ተዃሉን ብሓቂ ብልዑል መጠን ንጹር’ዩ። ብቕጽበት ምስ ዝረኣዩ ፍልልዮም ንጹር’ዩ፣ ኣብ መንጎኦም ብዘይካ’ቶም ድቓላ ተዂላ-ከልቢ ሰባት ባዕሎም ዝፈጠርዎም ኣብ 1930ታትን 50ታትን ዘራኽብ የብሎምን።"

እዚ ዝሕብረና እቲ እንስሳ ዘቤት ናይ ምግባሮም መስርሕ ቀስ ኢሉ ዝተኻየደ ከምዘይነበረ’ዩ፣ ኣብ ገለ እዋን እቲ ዝነበረ ሕንጻጽ ወይ ዶብ ተሰጊሩ።

ምስ ምስፍሕፋሕ ሕርሻ ሓደስቲ ጉጅለ ህዝብታት (ደቂ ሰብ) ምስ መጹ (በጽሑ)'ውን እንተኾነ፣ እቲ ዘርኣዊ መበቆል ናይ’ቶም ቀዳሞት ኤውሮጳውያን ኣኻልብ ከም ዘለዎ ጸኒሑ።

ካልእ ወሳኒ መደምደምታ ወይ ተረኽቦ ናይ’ዚ ምርምር ኣኻልብ ከመይ ቀልጢፎም ተስፋሕፊሖም ዝብል’ዩ።

ኣሽሓት ኪሎሜትራት ተረሓሓቖም ዝተረኽቡ ቅርስታት - ካብ ዩከይ ጀሚርካ ክሳብ ቱርኪየ - ዘደንጹ ምምስሳላት የርእዩ።

"ንሕና ብዘርኢ ፍጹም ዝተፈላለዩ ክኾኑ ኢና ንጽበዮም ኔርና፣ ምኽንያቱ ምስ ፈጺሞም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰባት ስለዝተኣሳሰሩ። እዚኦም ጉጅለታት ሰባት ድማ ነንሓድሕዶም ዘራኽብ ወይ ዘተኣሳስር ዝኾነ ነገር የብሎምን። እንተኾነ ግን ዲኤንኤ ናቶም እንተተመልኪትና፣ ብሓቂ ኣዝዮም ብዘርኢ ተመሳሰልቲ’ዮም፣ ስለ’ዚ እዚ ዘመልክቶ ኣብ መላእ’ታ ኣህጉር ብቕልጡፍ ዘስፋሕፍሕሉ ኣገባብ ወይ መንገዲ ክንደሊ ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ንሕና ንግምቶ ድማ ካብ ከባቢ ሓውሲ ደሴት ኢጣልያን ቦልካንን ዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ሃደንቲን-ማእረርትን ከምዘለዉን ድሕሪ’ቲ ዝለዓለ ምምካኽ በረድ ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ንብምሉኡ ምዕራባዊ ኤውሮጳ ደጊሞም ከምዝወረርዎን’ዩ። ነዞም ኣኻልብ ናብ’ዞም ሰፋሕቲ ከባቢታት ኩርናዓት ዓለም ፈሕ የብልዎም ወይ የስፋሕፍሕዎም ኢልና’ውን ንሓስብ።"


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now