ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንሰለስተ ሰሙን ምንውሑ ኣፍሊጡ። ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ዝሰፍሐ ኲናት ክዛዘም ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ብደረጃ መራሕቲ ዝያዳ ዝርርባት ክካየዱ ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ።
SBS News Podcasts ጠዊቕኩም ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑን ዝለዓለ ቆላሕታ ዝሰሓቡ ኣርእስታት ተኸታተሉን
ቅዳሕ (TRANSCRIPT):
ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንሰለስተ ሰሙን ከምዝናዋሕ ኣፍሊጡ።
"ምስ'ቶም ኣዝዮም ዝለዓሉ ሰበስልጣን ሊባኖስን እስራኤልን ድማ ጽቡቕ ኣኼባ ኣካይድና። ከምኡ’ውን ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ፕረዚደንት ሊባኖስን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤልን ናብ'ዚ ክመጹ እዮም ኢልና ንሓስብ። ተወሳኺ ሰለስተ ሰሙን ተኹሲ ዘይብሉ፡ ተኹሲ ደው ምባል፡ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ክንርእዮ ኢና። ከምኡ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘጋጥም ነገር ኣይኮነን፡ ግን ክሓስቡሉ ዘለዎም ሒዝቦላህ ኣሎ።"
እዚ ምንዋሕ ዝተገብረ ነቲ ንዓሰርተ መዓልታት ዝጸንሐ ናይ መጀመርታ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ስዒቡ'ዩ፡ ዋላ'ኳ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሒዝቦላህን ትሑት ጻዕቂታት ዘለዎም መጥቃዕታት እንተቐጸሉ።
እስራኤል፡ ኣካል ናይ'ቲ ከም መከላኸሊ ዞና ጸጥታ እትገልጾም፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ዝርከቡ መሬታት ምሓዛ ቀጺላ ኣላ።
ብወገን ሒዝቦላህ ነቲ እስራኤል ዘቕረበቶ ጠለብ ዕጥቂ ምፍታሕ ፍቓደኛ ክኸውን ምዃኑ ዘመልክቱ ኣንፈታት ውሑዳት እዮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ንእስራኤል መጥቃዕቲ እንተጋጢምዋ መጥቃዕትታታ ክትቅጽል ዘየማትእ ደገፉ ሂብዋ ኣሎ።
"እንተተተኲስዎም እስራኤላውያን ንነብሶም ክከላኸሉ ክግደዱ’ዮም፡ ከምኡ ድማ’ዮም ክገብሩ። ክከላኸሉ ኣይክእሉን’ዮም ፈጺመ ኣይክብልን’የ። ከምኡ ክገብሩ እንተዘይህልዎም ጽቡቕ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ከምኡ እንተኾይኑ፣ ገለ ነገር ወይ መጥቃዕቲ እንተተፈጺምዎም፣ ንነብሶም ክከላኸሉ ክግደዱ እዮም፡ ከምቲ ትፈልጥዎ ግን ብጥንቃቐን ብንጹርን ክፍጽምዎ’ዮም፡ ብዙሕ ክገብርዎ ዝኽእሉ ኣለዎም።"
ሒዝቦላህ፣ እስራኤል ከም ቀንዲ ወተሃደራዊ ዒላማ ገይራ ትገልጾ እኳ እንተኾነት፡ ኣብ’ቶም ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየዱ ዘተታት ብቐጥታ ኣይተኻተተን።
ሓሰን ፋድላላህ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ባይቶ ሊባኖስ ወከልቲ’ቲ ጉጅለ እዩ።
ንሱ ሒዝቦላህ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክቕጽል ይደሊ - ግን ምሉእ ተማእዛዝነት እስራኤል መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ይብል።
ዝሓለፈ ሰሙን [[180426]] ሚስተር ፋድላላህ እስራኤል ኣብ’ቲ ጎቢጣቶ ዘላ ክፋላት ሊባኖስ ዝርከቡ ኣባይትን ዓድታትን ምድብዳብ ቀጺላቶ ምህላዋ ገሊጹ።
"ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ጸቕጢ ንምግባር እዚኦም ጥሕሰታት ከም ዛዕባ ክለዓሉ ብመስመራት ፓኪስታን ኣቢልና ምስ ኢራን ተዘራሪብና። እቲ መኸተ ምክልኻል’ውን ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣማራጺታት የጽንዕ ኣሎ። ከምዚኦም ዓይነት ጥሕሰታት ክቕጽሉ ኣይክፈቅድን’ዩ። እቲ ውሳነ ኣብ ዞባ ውግእ ዘሎ ኩነታት ብምግምጋም ዝውሰድ እዩ።"
ሚስተር ፋድላላህ ብተወሳኺ ሒዝቦላህ ዘለዎ ተቓውሞ ኣብ’ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ርክባት ገጽ ንገጽ ደጊሙ ብምግላጽ ሊባኖስ ካብ ኩሉ ዓይነት ቀጥታዊ ርክብ ምስ እስራኤል ክትወጽእ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ፣ ምልክታት ናይ’ቲ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ዝተለዓዓለ ኲናት ኣንጻር ኢራን ኣብ ምዝዛም ከጋጥሞ ዝኽእል ጸገም ዘርኢ እዩ።
ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሺንግተንን ተበሲሑ ዝነበረ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንዘይተወሰነ እዋን ምስተናውሐ፣ ኣብ ኢራን ዘሎ መሪሕነት ከምዝተመቓቐለ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዘተታት ይቕጽሉ ኔሮም። ዋላ’ኳ ድሕሪኡ ወኪላት ኣሜሪካ መገሽኦም ናብ ፓኪስታን ከቋርጹ እንተተገብረ።
ሚስተር ትራምፕ ናብ ዝኾነ ነገር ተሃንዲዱ ከምዘይኣቱ ይዛረብ።
"ኣይትሃውኹኒ። ኣይትተሃወኽ ጀፍ። ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ሰባት እወ ኣብ ቬትናም ን18 ዓመታት ነይርና ኢና ትብሉ ኢኹም፡ ኣብ ዒራቕ ድማ ንብዙሕ፡ ብዙሕ ዓመታት፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክብል ኣይድልን’የ፡ ምኽንያቱ እዚ ዓቢይ ስለዝነበረ - ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ወይ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ወሲዱ፣ ሸውዓተ ዓመት ድማ ኣብ ኲናት ኮርያ ነይርና። ኣነ ግን ነዚ ንሽዱሽተ ሰሙን ጥራይ’የ ክፍጽሞ ጸኒሐ። ሰራዊቶም (ንኢራናውያን) ድማ ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ’ዩ።"
ከም መደብ ኑክሊያር ኢራንን መጻኢ ጉዕዞ ባሕሪ ብመጻብቦ ሖርሙዝን ዝኣመሰሉ ቁልፊ ጉዳያት ገና ኣይተፈትሑን፡ እቲ ተኹሲ ምቁራጽ ካብ ዝጅምር ንደሓር ክልቲኦም ወገናት መራኽብ ንግዲ ሒዞም ኣለዉ።
ተኣፋፍነት’ቲ ስምምዕ ብዘየገድስ፣ ኣብ’ቲ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝተቐትሉ ዝገልጽሉ፣ እቲ ውዕል ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ኢራን ገለ ሓለዋን ድሕነትን ይህብ።
ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ግጭት ምስ ሒዝቦላህ ካብ ዝጋደድ ንደሓር፡ እስራኤል ዳርጋ 2500 ሰባት ከም ዝቐተለት ሰብመዚ ይገልጹ።
ካብዚኣቶም ሓንቲ ጋዜጠኛ ኣማል ኸሊል’ያ፡ ብ22 ሚያዝያ 'ድርብ መጥቃዕቲ/ድርብ ዳርባ' ‘ዳብል ታፕ’ ተባሂሉ ኣብ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ዝተቐትለትን፡ እስራኤል ንጋዜጣኛታት ወይ ኣባላት ሚድያ ኮነ ኢላ ዒላማ ገይራቶም ናብ ዝብሉ ክሲታት መወሰኽታ ዝኾነትን።
ሓዋ ንኣማል፣ ዓሊ ኸሊል፣ ከም'ዚ ክብል ይገልጽ።
"እስራኤላውያን እዚ ኣይኮነን ንኣማል ንፈለማ ግዜ ፈኪሮምላ ዝነበሩ። ንመንበሪ ገዝኣ’ውን ኣብ ሓደጋ ከእትውዎ ፈኪሮም ኔሮም’ዮም። እዚ ጸላኢ'ዚ ጠላም ስለዝኾነ ኣብ ዝኾነ ህሞት ከጥቅዕ ከምዝኽእል ኩሉ ግዜ ኣጠንቂቕናያ ኢና። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ወይ ሰዓትን ፈረቓን ሰለስተ መጥቃዕታት ምፍጻም ማለት እስራኤላውያን ንኣማል ኸሊል ክቐትልዋ ከም ዝሓሰቡ ዘርኢ መርትዖ'ዩ።"
ክሳብ ሕጂ ኣብ'ቲ ግጭት ዝሞቱ እስራኤላውያን ዝሕብር ኣሃዛት ንምርካብ ዝኸበደ እዩ።
ኣልጀዚራ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር ኣስታት 26 እስራኤላውያን ከምዝሞቱ ሓቢሩ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ብደረጃ መሪሕነት ዝያዳ ዝርርብ ክካየድ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውንን ብኣካል ክራኸብ ትጽቢት ይግበር።






