ምጽራግ ፈንጂን ዝተቐብሩ ነታጒታትን ክቕይር ዝኽእል ብሉጽ ኣውስትራልያዊ ምህዞ

0

DIANA, PRINCESS OF WALES, WEARS A PROTECTIVE JACKET AS SHE WALKS NEXT TO THE EDGE OF A MINEFIELD IN ANGOLA, DURING HER VISIT TO SEE THE WORK OF THE BRITISH RED CROSS. (PHOTO BY JOHN STILLWELL ). 11/07/03 : The future of the Diana, Princess of Wales Memorial Fund set up after her death is under threat. It has frozen all its grants to beneficiaries and been forced to approach other charities in a bid to keep its own projects going. The fund s crisis follows a protracted legal battle with the US company, the Franklin Mint. In June 2000 the Memorial Fund lost a court battle in the US against the firm in which they failed to stop the company making products bearing the Princess s image. The battle led to a 4 million legal bill for the fund. (Photo by John Stillwell - PA Images/PA Images via Getty Images) Credit: John Stillwell - PA Images/PA Images via Getty Images

28 ዓመታት ልዕልቲ ዳያና ናይ ዌይልስ ቆላሕታ ዓለም ናብ ጽልዋታት ፈንጂታት/ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ብኲናት ዝተጸልዉ ሃገራት ክኸውን ድሕሪ ምግባራ፣ ሓደ ኣውስትራልያዊ ምህዞ/ፈጠራ ንጻዕርታት ምጽራግ-ነተጒቲ ብዓቢይ መጠን ቀይርዎ’ሎ። ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ኤም-ሪይድ ትሕቲ ምድሪ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ብልክዕ ክፈልጥ ዝኽእል መሳርሒ ኣማዕቢሉ፣ ድሕነት ዘለዎን ዝቐልጠፈን ምጽራይ ፈንጂታት ክህሉ ድማ ዓቢይ ተስፋ ፈጢሩ’ሎ።


SBS News Podcasts ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑ፣ ኣዛረብቲ ዝኾኑ ኣርእስታትን ዛዕባታትን ድማ ተኸታተልዎም።

ቅዳሕ ትሕዝቶ ብጽሑፍ:

"እወ፣ እቶም ሃዛት ፈሊጠዮም ኔረ። ምስ’ቶም ኣሃዛት ግን ሰብኣዊ ገጽ ምቕማጥ ብሓቂ ነቲ ክውንነት ናባና ዝቐረበ ገይርዎ። ንኣብነት እታ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝረኸብኩዋ 13 ዝዓመታ እግራ ዝተቖርጸት ጓል ሳንድራ። ንከምኣ ዝኣመሰሉ ሰባት፣ ዝተረፈ ህይወቶም ዝተፈልየ’ዩ ክኸውን። እንተኽኢልና ነዞም ነተጒቲ ደው ከነብሎም’ዩ ዘለና።"

ልዕልቲ ዌይልስ ዳያና ኣብ ውሽጢ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ዘለውዎም ጎላጉል ኣንጎላ ዝሓለፈትሉ ዳርጋ ሰለስተ ዕቑዳት ዓመታት ኮይኑ’ሎ።

ዝኽፈትን ዝዕጾን መሸፈኒ ገጽ ዘለዎ ቆብዕን ጥይትን ስኩጆን ዝከላኸል ጃኬትን ለቢሳ፣ ዳያና ካብ’ቲ ንዕቑዳት ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ዝተረፉ ሕቡኣት መሳርሒታት ኲናት ዝተመረዘ ነተጒቲ ዝመልአ መሬት እናተመላለሰት ሓሊፋ።

"ጽዑቓት ኣርባዕተ መዓልታት’የን ኔረን፣ ብዙሕ ነገር ተዓዚበ። ብፈንጂታት ዝተተንከፉ ሰባት ተመልኪተ። ነቶም ነተጒቲ ንባዕሎም’ውን ርእየዮም። ኣንጎላ ቀይሕ መስቀል ኣብ መላእ ዓለም ክበጽሖ ወይ ክፍጽሞ ናይ ዝኽእል ሓንቲ ኣብነት’ያ፣ ምስ’ቲ ንዕዘቦ ዘለና ዝጸንሐ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ቀይሕ መስቀልን እቲ ግብረሰናያዊ ማሕበርን፣ ሰብ መዚ ኣንጎላን ምህላዉ ማለት’ዩ።"

ምስ'ቲ ኣብ'ቲ እዋን ዝነበረ ተመስጦ ህዝቢ ምስ ዳያና፣ እቲ ምብጻሕ ናታ ናብ ኣንጎላ ዓለምለኻዊ ምዝርራብ ኣበጊሱን ነዚ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓቀኛ ጻዕርታት ኣነቓቒሑን።

እታ ልዕልቲ ከይጸንሐት ድሕሪ'ዚ ምብጻሓ ካብ'ዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ፣ እቲ ጉዕዞኣ ግን ንመደባት ምጽራግ ነተጒቲ ምወላታት ክድንፍዑ ኣነቓቒሑ፣ ነቲ ጸገም ቆላሕታ ብምሃብ፣ ናብ'ቲ ጸረ-ሰብ ነተጒቲ ክጠፍኡ ዝዕልም፣ ውዕል ኦታዋ (ኦታዋ ትሪቲ) ክፍጠር ኣምሪሑ።

ጸገም ዝተቐብሩ ነተጒቲ፣ ግን ገና ኣይተወደአን።

ብመሰረት እዚ ምዕባለ ስትራተጂካዊ ኲናት ኔቶ (Strategic Warfare Development Command) ግሎባዊ ክሳብ ሕጂ 110 ሚልዮን ፈንጂ ዝተዘርኦም/ነተጒቲ ዝመልኡ መሬታት ኣለዉ።

እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ግብረሰናያዊ ትካል ምጽራግ ነተጒቲ ዝኾነ፣ ዚ ሃሎ ትራስት፣ ኣብ 2023 ልዕሊ 5700 ሰባት ብሰንኪ ፈንጂታትን ተተኮስትን ተቐቲሎም ወይ ተጎዲኦም ኢሉ።

ሕጂ ግን ሓደ ኣውስትራልያዊ ፈጠራ/ምህዞ ኣብ ምጽራግ ፈንጂታት ዓቢይ ለውጢ ከምጽእ ይትስፎ'ሎ።

"እቲ ናይ ቀደም ኣገባብ፣ ብልክዕ ሕጂ'ውን ናይ ሕጂ ኣገጋብ ዘሎ፣ ሓጺን ፈቲሾም ዝረኽቡ (ሜታል ዲተክተርስ) ወይ መሬት ዝስርስሩ (ግራውንድ ፐነትረይቲንግ ሬይዳር) ይጥቀሙ። ኣብ መሬት ገለ ዘይንቡር (ኣኖማሊ) እንተሃልዩ ይፍትሹ። እቲ ዘይንቡር ነገር ሓደ ፈንጂ ክኸውን ይኽእል፧ ሓጺን ክኸውን ይኽእል፧ ዝኾነ ነገር ክኸውን ይኽእል፧ ስለ'ዚ ብዙሓት ሓሶት፣ ወይ ሓሶት ህላወ ሓደ ነገር ዘመልክቱ (ፎልስ ፖዚቲቭስ) ይኾኑ። ኣብ'ቶም ዘይንቡራት ተርእዮታት ተሞርኪስካ ሰላሳ እንተኹዒትካ ሓደ ፈንጂ ይኸውን ማለት'ዩ። ናትና ቴክኖሎጂ ግን ምስ ማግነታዊ ምቅላሕ (ማግነቲክ ሪዞናንስ) ናይ ቅርጺ ናይ'ቲ ፈንጂ ዝተቓነየ፣ RDX ወይ TNT ክኸውን ዝኽእል፡ ትሑት ፍሪኲንሲ ማዕበል ሬድዮ (low frequency radio wave) ናብ መሬት ይሰድድ። ዘይንቡር ነገር ኣብ'ዚ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ገለ ነገር ኣብ'ዚ ኣሎ፣ እዚ እቲ ፈንጂ'ዩ፣ እወ ወይ ኣይፋሉን ዝብል። እዚ'ዩ ድማ ናይ ብሓቂ ዝላ ኣብ ቴክኖሎጂ።"

ጆን ሻናሃን ኣካያዲ ሓላፊ ኤምሪድ'ዩ።.

ኤምሪድ ወይ Magnetic Resonance of Explosives and Drugs፣ ምስ ትካል ምርምር ሲኤስኣይሮ ተሻሪኹ ዝሰርሕ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ'ዩ።

ብሓባር ክልቲኦም ናይ ፈለማ ብኢድካ ዝተሓዝ ትሑት ማዕበላት ሬድዮ ተጠቒሙ ሞለኲለርያዊ ኣሰራት ተተኮስቲ ወይ ነተጒቲ (molecular signatures of explosives) ፈልዩ ዘላሊ መሳርሒ ኣፍርዮም።

"ነብሲ ወከፍ ንፍትሾ ተተኳሲ ወይ ክልኩል መድሃኒት ዝገድፎ ዓሻራ'ለዎ። ነቲ ልክዕ ዓሻራ ፈቲሽና ክንረኽቦ ንኽእል ንሕና ጥራይ ኢና። ስለ'ዚ ዘይንቡር ነገር ኣብ'ዚ ኣሎ ኣይኮናን ንብል ዘለና፣ ከም'ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ እዚ’ዩ እቲ ነገር ኢና ንብል ዘለና። ብክልተኣዊ (ባይናሪ) ዝግለጽ ከም'ዚ’ዩ ትብሎ'ዩ።"

ምጽራግ ነተጒቲ ጥንቃቐ ዘድልዮ መስርሕ'ዩ፣ ከባቢ 117000 ነተጒቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ከምዝጽረጉ ይግመት።

ምስ ትካል ዘ ሃሎ ትራስት ኮይኑ ኣብ ነተጒቲ ዝተዘርኡ ቦታታት ኣንጎላ ፈተነታት ዘካየደ ጉጅለ ኤምሪድ፣ ነቲ ኣብ ክውን ዓለም ዘጋጥም ይቐድሖ፣ እቲ መሳርሒ ድማ ንምጽራግ ነተጒቲ ብውሑዱ ብ30% ከቀላጥፎ ይኽእል ይብል።

ኒክ ካትሞር ዋና ኣካያዲን ዋና ሓላፊ ቴክኖሎጂን፣ ኣብ ሓቀኛ ዓለም ከይተፈተኑ እዞም መሳርሒታት ክሳብ ክንደይ ዘተኣማምኑ'ዮም ዝፈልጥ የለን ይብል።

"እቲ ንፍትነሉ ኣገባብ ንሓቀኛ ኩነታት ብምቕዳሕ'ዩ። ሓቀኛ ነተጒቲ ዝተቐብሩ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዉ ነተጒቲ ዝተቐብሮም ቦታታት ተጠቒምና፣ ንቐብሮም፣ ልክዕ ከም ዝተቐብሩ ነተጒቲ ዘለዎ ቦታ፣ በቲ ንፍትሸሉ መሳርሒ ወይ ዲተክተር ገይርና ናብ'ቲ መሬት ንፍትሽ፣ ክንረኽቦ ንኽእል እንተኾይና ንውስን፣ ክሳብ ክንደይ ብብቕዓትን ጽፈትን ፈቲሽና ክንረኽቦ ንኽእል፣ ክሳብ ክንደይ ብዘተኣማምን ነዚ ነካይዶ። ምኽንያቱ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ንድለይ እምበር፣ እቲ ናይ መወዳእታ ንደልዮ ፍርቂ ጥራይ ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ'ዩ፣ ነተጒቲ ገዲፉ ክኸይድ ዝደሊ ዋላ ሓደ የለን።" 

ጸረ-ሰብ ነተጒቲ ኣብ መሬት ተቐቢሮም ክሕብኡን ሓደ ሰብ ምስ ረገጾም ወይ ምስ ሓለፎም ከምዝትኮሱ ኮይኖም ዝተሰርሑ'ዮም።

ብመሰረት ኣሃዛት ኣገልግሎት ኣንጻር ነተጒቲ ው.ሕ.ሃ U-N's Mine Action Service 2025፣ 100 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ምስ ስግኣት ነተጒቲ ይነብሩ።

ኣቐዲሙ ኣብ'ዚ ዓመት ሃገራዊ ትካል ስጉምቲ ኣንጻር ነተጒቲ ኣንጎላ [National Mine Action Agency] ጥቓ 1000 ዝኾኑ ብነተጒቲ ዝተዘርኡ ቦታታት፣ ካብ'ቲ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዕቑዳት ዘብቅዐ ኲናት ሓድሕድ፣ ንምጽራይ እታ ሃገር 240 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ የድልያ ኢሉ።

እንተኾነ ግን ነተጒቲ ዝተቐብሮም ቦታታት ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ዝጸልዉ ይብል ኒክ ካትሞር።

"እቲ ቀጥታዊ ጽልዋ ካብ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ብቐሊሉ ርዱእ'ዩ፣ ሰባት ይጉድኡ ወይ ይቕተሉ። እንተኾነ ግን ካብ'ዚ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ጽልዋ'ዩ ዘሎ። እታ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ መነባብሮን ቆጥቋጣት እናቆረጽካን እናቃጸልካ ትነብረሉ ዓይነት ህላወ ዘለዋ ኣንጎላ ብልክዕ ጽብቕቲ ኣብነት'ያ። እዚ ድማ ንኣንጎላ ጥራይ ዘይኮነ ዝጸሉ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ሃገራትን'ውን'ዩ፣ ምኽንያቱ እዞም ሰባት ህይወቶም ክነብሩሉ ዝኽእሉ ትድርተሉ ኣገባብ፣ ናብ ለውጢ ክሊማ ባዕሉ ጽልዋ ዘለዎ ምጥፋእ መዕቆቢ እንስሳታትን ጫካታትን ተበርክትዎ ዘለኹም።" 

ኤምሪድ ምስ ትካል ዘ ሃሎ ትራስት ኮይኖም መሳርሒኦም ንምፍታን ንዝተናወሐ ናይ ሰለስተ ወርሒ ግዜ ናብ ኣንጎላ ኣብ 2026 ክምለሱ ትጽቢት ይገብሩ።

እቲ ኩባንያ ክሳብ መወዳእታ 2026 ኣብ ዘሎ እዋን ነቲ ኣብ ፈለማ 2027 ዘዋፍርዎ ሞዴል ናይ መወዳእታ መልክዑ ከትሕዞ ትጽቢት ይገብር።

ኣብ ኣንጎላ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2002 ዝተዛዘመ ኲናት ዝተረፉ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ሰባት ምጉድኦምን ምምዝባሎምን ይቕጽሉ።

ጆን ሻናሃን ይብል ከም'ቶም ነቶም ነተጒቲ ዝተቐብሩሎም ቦታታት ኣብ ኣንጎላ ዘካብቡ ዝኣመሰሉ ማሕበረሰባት ኣብ ገዛእ መሬቶም ብድሕነት ክነብሩ ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ።

"ልዕልቲ ዳያና ኣብ ነተጒቲ ዝተዘርአ መሬታት ኣንጎላ እንተሓሲብኩም፣ ብመሰረቱ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝነበርናዮ ኣብኡ ኢና ኔርና፣ ጽቡቕ ገይሮም ዘርጊሖሞ፣ ድሕሪኡ እዚ መሬት ናብ'ቶም ንዝሓለፉ ዕቑዳት ክጥቀምሉ ዘይከኣሉ ማሕበረሰባት ምስ ተመልሰ እቲ ጽልዋ ትርእይዎ። ንቁጠባዊ ምኽንያታት ድዩ ወይስ ንቱሪዝም፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣዝርእቲ ከብቁሉሉ ጥራይ ደቆም ብነተጒቲ ከይብንቆሱኻ ማለት'ዩ። እቲ ዝሰርሕዎ ኩሉ ብጣዕሚ ዝድነቕ'ዩ። ምስኦም (ትካል ሃሎ ትራስት) ምስራሕ ንፈትዎ'ዩ።"

ድሕሪ'ዚ ኤምሪድ ቲኤንቲ ፈልዩ ዝሕብር ቲኤንቲ ሰንሰር ከማዕብል ይሰርሕ ኣሎ፡ እዚ ዓቢይ ፍልልይ ዘምጽእ ዝገብር'ዩ ይብል ሚስተር ሻናሃን።

"ስለ'ዚ እቲ ዝመጽእ ዓይነት መሳርሒና ንቲኤንቲ ፈልዩ ዝሕብር TNT sensor ክኸውን'ዩ፡ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ሓደ ሰንሰር ወይ መፈተሺ ክንሕውሶ ወይ ከነሕብሮ'ዩ። ቲኤንቲን ኣርዲኤክስን ፈትሽና ክንፈልጥ እንተኽኢልና፡ ልዕሊ 90% ዝተቐብሩ ነተጉቲ ኣብ ዓለም ማለት'ዩ፡ ነዚ ክሳብ '27፡ '28 ኣብ ዘሎ እዋን ከነብጽሖ ኢና ንምልከት ዘለና። በዚ'ዮም ድማ ኩሎም ሃንደሳታት፡ ነዚ ክትገብሩ እንተኽኢልኩም፡ ቅድሚ ሕጂ ተኻይዱ ዘይፈልጥ፡ እኹል'ዩ ይብሉ። እዚ ዓቢይ ስራሕ'ዩ። ስለ'ዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ግዜ ከምኡ ክንገብር እንተኽኢልና ዓቢይ ለውጢ ዘምጽእ ክኸውን'ዩ።"

ውዕል እገዳ ኦታዋ 1997 (The 1997 Ottawa Mine Ban Treaty) ንጸረ-ሰብ ነተጒቲ ኣጊዱን ልዕሊ 50 ሚልዮን ክዓኑ ሓጊዙን።

ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ'ቲ ውዕል ክወጻ ይደልያ እንተለዋ'ኳ፡ ከም በዓል ዩናይትድ ስቴትስ፡ ቻይና፡ ሩስያን እስራኤልን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣባላት ኣይኮናን።

ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ፡ እታ ኣብ ዓለም ብዝለዓለ መጠን ነተጒቲ ዝተቐብሩላ ሃገር ዩክረይን፡ ተሳትፎኣ ኣብ'ቲ ውዕል ከተወንዝፎ ኣድሚጻ።

ጆን ሻናሃን እዚ ሓድሽ ምህዞ ኣብ ገለ እዋን ንዩክረይን ካብ'ዚ ጸገም ክትናገፍ ክሕግዛ ክኽእል ተስፋ'ገብር።

"ቴክኖሎጂ ከመይ ኢሉ ክሕግዝ ይኽእል ንምምልካት ኣብ መስከረም ናይ'ዚ ዓመት ናብኡ (ዩክረይን) ክኸይድ'የ። ነዚ ኣብ'ዚ ዓመት እቲ ዝጽበየና ዘሎ ጸገም፡ ካብ'ቲ ናይ ኣንጎላ ኣዝዩ ዝተፈልየ ዝኾነ፡ ክንርድኦ ዳህሰሳ ንገብረሉ ገይርና ኢና ንምልከቶ ዘለና፡ ንዓመታ ካብ ኣንጎላ ምስ ተመለስና ተመሊስና ክንከይድ ኢና። ብሓቂ ሕጂ ኣዝዩ ከም'ቲ ዝደለናዮ ዘድምዕ ምዃኑ ንፈልጦ ምህርቲ ኣለና፡ ናብ'ዚ ከቢድ ጸገም ዩክረይን ንምድጋፍ ከመይ ገይሩ ይዋፍረሉ ንምልከተሉ ክንርኢ ኢና።" 

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service