ኣብ መንጎ ክልተ ዓድታት: ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊባኖስ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽልዋ ኲናት ተኣሲሮም

Israel Continues Attacks On Lebanon Amid US-Iran Ceasefire Deal

NORTHERN ISRAEL, ISRAEL, - APRIL 15: Israeli armored personnel carriers move near destroyed houses in Southern Lebanon, as seen from a position on the Israeli side of the border on April 15, 2026 in Northern Israel, Israel. Israel and Lebanon's ambassadors have held historic talks in Washington, the first direct diplomatic meeting between the two sides in decades. During the two-week ceasefire period between the US and Iran, Israel and the Iran-backed militant group, Hezbollah, have continued fighting. On April 8 Israel intensified strikes on what it says were Hezbollah targets, killing more than 350 people, according to health officials in Lebanon. (Photo by Amir Levy/Getty Images) Credit: Amir Levy/Getty Images

ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ናይ ደገ ሰራሕተኛታት፡ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ካብ’ቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ/ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ማሕበረሰባት እዮም። ኣብ ውሽጢ ቁጠባዊ ጽልዋታት’ቲ ኲናት ተዓጽዮምን ተቐርቂሮምን፡ ዓድናን ቦታናን ድዩ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ስምዒቶም ድማ ይሃስዮም ከምዘሎን ክኢላታት ይዛረቡ።


Listen to Australian and world news, and follow trending topics with SBS News Podcasts.

TRANSCRIPT:

"እዛ ሃገር፣ ካልኣይቲ ዓደይ ጌረ’የ ዝርእያ። ቀሊል ኣይኮነን፣ ግን ነዛ ሃገር ገዲፈ ዝወጻሉ ግዜ ኣኺሉ’ዩ ኢለ ይሓስብ።"

እዚኣ ናንሲ’ያ፣ ኣብ ደቡብ ካብ ከተማ በይሩት ኣብ ትርከብ ሺዓ ሙስሊሚን ብብዝሒ ዝነብሩላ ዳሔሕ ትነብር ጓል ፊሊፒን ዘቤታዊ ሰራሕተኛ’ያ።

ዳሔሕ ብዙሕ ግዜ ቀንዲ መደበር ሔዝቦላህ ተባሂላ ትግለጽ።

ናንሲ ድማ ካብ 2003 ክሳብ 2026 ን23 ዓመታት ኣብኡ ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ኩሉ ምስክር ኮይና ርእያቶ’ያ።

ኲናት እስራኤል-ሔዝቦላህ 2006, ናዕቢታት ሊባኖስን ዒራቕን ኣብ 2015ን 2019ን፣ ቅልውላው ፋይናንስ ሊባኖስ ካብ 2019 ንንየውን፣ ምፍንጃር ወደብ በይሩት 2020ን።

ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኲናት እስራኤል-ሓማስ 2023ን ንዕኡ ዝተኸተለ ወራር እስራኤል ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ 2024ን።

ሕጂ ናብ ፊሊፒንስ ተመሊሳ ክትከይድ ወሲና’ላ፣ ምስ’ዚ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ደጊም ድሕነት ስለዘይብሉ እዚ ውሳነኣ ዝበለጸ’ዩ ትብል።

እንተኾነ ግን ሒደት ሰዓታት ኤስቢኤስ ንናሲ ምስ ኣዘራረባ፣ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግዚያዊ ውዕል ሰላም ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ከምዝተገብረ ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ወገና - ፕረዚደንት ሊባኖስ ዮሴፍ ዓውንን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን - ናይ 10 መዓልታት ምቁራጽ ተዂሲ ተሰማሚዖም።

ኣካል ናይ’ቶም ዝርርባት ዘይነበረ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሚሊሻ ሔዝቦላህ ይብል ዝኾነ ስምምዕ ንእስራኤል ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ነጻ ምንቅስቓስ ክፈቕደላ የብሉን።

ሚስተር ነታንያሁ ግን ወተሃደራት እስራኤል ኣብ’ቲ እስራኤላውያን ወተሃደራቱ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ዘጥቅዕዎ ዞባ ናይ 10 ኪሜ ስፍሓት ዘለዎ ‘ናይ ጸጥታ ዞና’ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ክጸንሕ’ዩ ይብል።

ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ናብ ሊባኖስ ዝለሓመ 2 መጋቢት’ዩ።

ንቴህራን ብምድጋፍ፣ ሔዝቦላህ ተዂሲ ከፊቱ፣ ድሕሪኡ ድማ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ኣበጊሱ፣ እዚ ድሕሪ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓቢይ ግጭት ቁሩብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምግባሩ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።

እስራኤል መጥቃዕታት ሔዝቦላህ ክልተ እስራኤላውያን ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም፣ 13 ወ3ተሃደራት ድማ ኣብ ሊባኖስ መይቶም ትብል።

ሰብ መዚ ሊባኖስ ብወገኖም ልዕሊ 2100 ሰባት ዝተቐትሉን 1.2 ሚልዮን ሰባት ድሕሪኡ መረበቶም ገዲጎም ክኸዱ ዝተገደዱ ይጽብጽቡ።

ጽልዋታት ድሮናትን መጥቃዕታት ኣየርን እስራኤል ንዞባኣ ምስ ኣናወጾ ናንሲ ነቲ ሓደጋ ትገልጾ።

"ኣብ’ቲ ኣብ’ዚ ዝነበረ ኲናት ኣነ እቶም ድምጺ ዘለዎም ቦምብታት’ዮም ብፍላይ ዘፍርሑኒ፣ በዚ ክሓልፉ’ንከለዉ ብድሮናት፣ ዘየቋርጽ 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ። ስለ’ዚ ኩሉ ግዜ ከም’ዚ ክኸውን’ንከሎ ልኡኽ ክንሰድድ ንደሊ፣ መጠንቀቕታ’ውን ይህቡና’ዮም፣ ካብ ገዛ ኣየውጽኡናን’ዮም።

ንሳ ኤምባሲ ፊሊፒንስ ኣብ ሊባኖስ በብጉጅለ ኣብ ምምላሶም ይሕግዝ ኣሎ ትብል።

እቲ ኤምባሲ ከቢድ ኩነታት ዘጋጠሞም ፊሊፒኖ እቲ ወለንታዊ ናይ ምምላስ መደብ ክሳብ ዘሎ ክጥቀምሉ ይምሕጸን።

ናንሲ ደጊማ።

"ኤምባሲና ብጣዕሚ’ዮም ዝተሓባበሩ፣ ነቶም ወረቐት ዘለዎምን ዘይብሎምን ክንሕግዞም ይሕግዙና። ነቶም ክምለሱ ወይ ክወጹ ድሌት ዘለዎም ጉዕዞኦም ኣብ ምስላጥ።" 

ብመሰረት ናይ’ቲ ከባቢ ሕታም፣ ዘ ፊሊፒን ደይሊ ስታር (6 ሚያዝያ)፣ ንስራሕ ናብ እስራኤል፣ ሊባኖስን ሃገራት ወሽመጥን ክብገሱ ዝነበሮም ልዕሊ 40ሽሕ ፊሊፒኖ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ ከይገበሩ ተሪፎም።

ውሱናት በረራታት ጥራይ ምህላዎም ንምውፋር’ቶም ሰራሕተኛታት ናብ’ቲ ዞባ ኣሰናኺሎሞ።

ኣቐዲማ፣ ጋዜጣ ዘ ማኒላ ታይምስ ኣምባሳደር ፊሊፒንስ ኣብ ሊባኖስ ማርሎው ሚራንዳ፣ መጥቃዕታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ በይሩት ነቶም ዜጋታትን ንስድራቤቶምን ኣብ ሓደጋ ስለዘውደቕዎም ግዴታዊ ምግዓዝ ከባቢ 15ሽሕ ፊሊፒኖ ዘቤታዊ ሰራሕተኛታት ክግበር ጸዊዓ።

"ንሕጂ ምስ’ቲ ምስ’ቲ ዘስርሓኒ’የ ዝሰርሕ ዘለኹ። ዘይገደፈትንኒን ክሳብ ሕጂ ደሞዘይ ትህበኒ ዘላን ንፈጣርየይ የመስግን’የ። ዝበዝሑ ኣብ’ዚ ዘለዉ ፊሊፒና ግን ሕጂ ስራሕ የብሎምን፣ ገለ ኣስራሕቲ’ውን ገዲፎሞም’ዮም።"

እንተኾነ ግን ንፈለማ ግዚኡ ኣይኮነን እዚ ዘጋጠመ።

ዶክተር ፖውል ታባር ተሓጋጋዚ ፕሮፈይሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ወስተርን ሲድኒ፣ ክፍሊ መጽናዕቲ ንባህልን ሕብረተሰብን’ዩ።

ንሱ ብተወሳኺ ዳይረክተር መጽናዕታዊ ትካል ንመጽናዕታት ማይግረሽን ኣብ ሌባኒዝ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ ኣብ በይሩት’ዩ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት [ኢንተርናሽናል ኦርጋናይዜሽን ፎር ማይግሬሽን - IOM] 128 ሽሕ ሰባት ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ናይ ሓባር መዕቆቢታት ኣብ ሊባኖስ ይጸንሑ’ለዉ።

ዶክበር ፓውል ታባር ንኤስቢኤስ ከምዝሓበሮ ከም ታሪኽ፣ ፍልሰት ኣብ ሊባኖስ ዝጀመረ ኣብ ግዜ ኲናት ሓድሕድ ኣብ 1975 ዝተላብዐ ክሳብ’ዚ ሊባኖስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘጋጥማ ዘይምርግጋእ ዝቐጸለን’ዩ።

ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ብቐንዱ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ይምቀሉ ይብል።

"ሓደ ጉጅለ፣ እዚ ጉጅለ ብብዝሒ ካብ ጎረቤት ዓረባዊት ሃገር ሶርያ ዝመጹ’ዮም። እዚ ጉጅለ ብዓብላሊ ዝተጸምዱን ዝተዋፈሩን ኣብ ሕርሻ’ዩ፣ ኣብ ከተማታት ኣብ ጽላት ህንጻ፣ ብዝተሓተ መጠኑ ድማ ምናልባት ኣብ ጽላት ቤት መግብታት ናይ’ቲ ቁጠባ ምሃብ ኣገልግሎት።"

ዶክተር ታባር እቲ ካልእ ጉጅለ ኣካል ናይ’ቲ ዝሰፍሐ ማሕበረሰብ ናይ ደገ ስራሕተኛታት’ዩ - ነቶም ካብ ስሪላንካን ፊሊፒንስን ካልኦት ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ ዘካትት።

እዚኦም ብዓብላሊ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ ወይ ስራሕ ዝተጸምዱ’ዮም ይብል።

"ኣብ ምእላይ ስድራቤታት፣ ኣብ ምጽራይን ምእላይ ህጻናትን ንስድራቤታት ይሕግዙ፣ ወዘተ። ኣብ ዕዮታት ገዛ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ስራሕተኛታት ገዛ ወይ ሓገዝቲ ተባሂሎም’ዮም ዝጽውዑ፣ ግን ኩሎም ኣይኮኑን ኣብ’ቲ ጽላት ዝተዋፈሩ፣ ገሊኦም ካልኦት ድማ ኣብ ጽላታት ምጽራይ ዝተዋፈሩ’ዮም።"

ዶክተር ታባር ይብል ብዙሓት ናይ ደገ ስራሕተኛታት ምስ ናይ’ቲ ሃገር ካፋላ ዝበሃል ኣሰራርሓ ዕዮ ዝተቖርኑ’ዮም ይብል - ንዕቑዳት ንናይ ደገ ሰራሕተኛታት ተባሂሉ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ኣካይዳ።

"ብግዝያዊ ቪዛ ገለ ይመጹ፣ ዝበዝሐ እዋን ፓስፖርቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወይ ምክትታል ናይ’ቶም ከፊሎም ዘምጽእዎም (ስፖንሰር ዝገብርዎም) ስድራቤት ወይ ኣካል ይኸውን። ስለ’ዚ ከም ውጽኢቱ ኣብ ኣዝዩ ዘይተረጋግአ ኩነታትን ቦታን ኣብ ሊባኖስ ክህልዉ ይኽእሉ፣ ኣብ’ቲ እዋን ድማ ካብ’ቲ ሃገር ክስጎጉ ወይ ክባረሩ ይኽእሉ’ዮም።"

እቲ ስርዓት ብልክዕ ዘይርትዓውን ዘይቅቡልን’ዩ ይብል።

ፍሉጥ ግዜ ነቲ መዓልቲ ስራሕ ዝጅምርሉን ዝውድኡሉን የለን፣ ከምኡ ኣይሰርሕን’ዩ። በቶም ስድራቤታት እንተተደሊኻ ኩሉ ግዜ ትጥለብ ማለት’ዩ፣ እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ክፉት ክኸውን ይኽእል፣ ንትምገበሉ ወይ ትድቅሰሉ ግዜ’ውን ዘካትት ወይ ዝምልከት’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።"

ዶክተር ታባር ሕሉፍ ምዝመዛ’ሎ ኢሉ ይኣምን።

ገሊኦም’ውን ካብ’ቶም ካልኦት ዝያዳ ኣታዊ ይረኽቡ ይብል።

"ከም ርድኢተይ እቲ ደሞዝ ኣብ መንጎ 150 ዶላር ንወርሒ ክሳብ 350 ወይ 400 ዶላር’ዩ። ሕጂ፣ እቶም 300ን ልዕሊኡን ዝኽፈሉ ከም ልምዲ ዝያዳ ዝተማህሩን ገለ ሞያዊ ክእለት ንምእላይ ህጻናት ወይ ዓበይቲ፣ ምእላይ ኣብ ገዛ (ነርሲንግ ኣት ሆም)ን ወዘተ ኣብ ዝምልከት ይህልዎም።

ንሱ ዘይከም ኣውስትራልያ ንዕኦም ክፍሊት ማሕበራዊ ድሕነት የለን ክብል ይውስኽ።

ከም’ቲ ብልምዲ ብመሰረት ሕጊ ዕዮ ኣብ ሊባኖስ ሓደ ሊባኖሳዊ ዝወሃቦ መሰላት ዝተሸፈኑን ዝተሓለዉን ኣይኮኑን። ስለ’ዚ እንተተጎዲኦም፣ መድሕን የለን። እንተሓሚሞም ምናልባት ክፉል ዕረፍቲ ኣይረኽቡን። ብዝያዳ ኣገዳሲ ድማ ኣበል ናይ ጡረታ ወይ ክፋሉ የብሎምን፣ ኣካል ዝኾነ ዓይነት ነቶም ደቂ ዓድን ሊባኖሳውያን ሰራሕተኛታት ዝምልከቶም መደብ ጡረታ ወይ ሱፐርኣኑወሽን ኣይኮኑን።

ናይ 10 መዓልታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተበጺሑ እንተሃለወ’ኳ መጻኢ ሊባኖስን ናይ ደገ ሰራሕተኛታትን ገና ንጹር ኣይኮነን።

እቲ ኲናት ብተወሳኺ እቶም ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ዝልእክዎ ኣታዊ ናብ ዓዲ ኣሰናኺልዎ’ሎ።

ናብራ ከተኣኻኽላ ግድን መንገድታት ክረኽባ ኣብ ዝፍትናሉ፣ ናንሲ ትብል ኩላተን ፊሊፒና ሰራሕተኛታት ኣይኮናን ንዓዲ ክኸዳ ፈቓደኛታት ዝኾና። 

"ኩለን ፊሊፒና ኣይኮናን ዓዲ ክኸዳ ዝደልያ፣ ምኽንያቱ ብዛዕባ ኣብኡ ዘለዉ ስድራቤተን’ውን’የን ዝሓስባ ዘለዋ። ኲናት እንተሃለወ’ኳ ኣብ’ዚ ክጸንሓ ይመርጻ፣ ዝቕልብኦ ስድራ፣ ንቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ህጻናት ስለዘለውወን። ብኸምኡ’የን ገሊኤን ዓዲ ክኸዳ ፈቓደኛታት ዘይኮና።"

ዶክተር ታባር ይብል ዝበዝሓ ዝምድናን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰበን ኣብ ሊባኖስ ስለዝምስርታ ክምለሳ ድማ ንዕአን ከቢድ’ዩ። 

ሓላፊ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ባርሃም ሳልሕ ካብ ደቡባዊ በይሩት ሃዲሞም ሕጂ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ዘለዉ ስድራቤታት በጺሕዎም።

"ጽንዓትን ተጻዋርነትን ደረት ኣለዎ። ሊባኖስ በዚ ፍልጥቲ’ያ ኮይና ጸኒሓ። ሊባኖስ ንዘልኣለም ማና ተጻዋርነትን ምቕባል ኣጋይሽን’ያ ኮይና ጸኒሓ። ሊባኖስ እዚ ዘየቋርጽ ዓንኬላት ኲናትን ግጭታትን ኣይግባኣን’ዩ። ግዚኡ ንሰላም’ዩ፣ ግዚኡ ንምርግጋእ’ዩ።"

ሓካይም ብዘይዶብ [Doctors without borders [MSF]] ናይ ደገ ስራሕተኛታት ኣብ መንጎ ጽልዋታት ኲናትን ንዕኦም ዘግልሉ ሰብኣውያን ግብረመልስታትን ተቐርቂሮም ኣለዉ ይብል።

IOM ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ከባቢ 30% ወይ ድማ 48000 ካብ’ቶም ዝተለለዩ ወጻእተኛታት ኣብ ሊባኖስ ተመዛቢሎም ወይ ኣብ ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋታት ዘለዎም ከባቢታት ይነብሩ ክብል ይግምት።

ማሕበረሰባት ወጻእተኛታት ስርዓታዊ ብድሆታት ዘጋጥሞም ኣብ ዝቐጸለልሉ፣ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ብቀጢን ፈትሊ ጠልጠል ኢሉ ኣብ ዝሃለወሉ ኣብ ቀረባ ዝረአ መዋጽኦ ኣሎ እንተኾይኑ ገና ንጹር ኣይኮነን።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now