Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

SBS Examines፥ ተፈጥሮ፡ ጽምዋ ኣብ ምምካት ክሕግዝ ይኽእል ዶ፧

Two people pose in front of two collaged pictures on green nature

A local study in Melbourne has found that nature prescribing can help reduce loneliness in LGBTQIA+ migrants and refugees. Credit: Olivia Di Iorio / Nerkez Opacin

ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፡ ተፈጥሮ ከም ሓደ መራኸቢ ቦታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሳተፍቲ ብዘይምትዕዝዛብን ሕቶታትን ድሕነት ዝስምዖም ቦታ ኮይኑ ኣገልጊሉ።


Published

Updated

By Olivia Di Iorio

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፡ ተፈጥሮ ከም ሓደ መራኸቢ ቦታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሳተፍቲ ብዘይምትዕዝዛብን ሕቶታትን ድሕነት ዝስምዖም ቦታ ኮይኑ ኣገልጊሉ።


ኢያን ሲል ዳይረክተር ምክያድ LGBTQIA+ ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝደጋገፍ ማሕበር Many Coloured Sky ኣብ መልበርን'ዩ። ጽምዋ ሓደ ዓቢይ ጸገም ኣብ'ዚ ማሕበረሰብ'ዩ ክብል ንSBS Examines ሓቢሩ።

"ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብና፡ ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ካብ ናቶም ባህላዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት'ዮ ዝተሓተ ድሕነት ዘለዎም ኮይኑ ዝስመዖምን ብዝወሓደ መጠን ጥራይ ምትእስሳር ዝህልዎምን ክብሉ ዝነግሩና፡ ምኽንያቱ እዚኦም ድሕነቶም ክረኽቡ ኢሎም ሃዲሞምሉ ካብ ዝመጹ ባህሊ ዝኾኑ ሰባት ስለዝውክሉ።" ክብል ይገልጽ።

"ብዙሓት ካብ'ቶም ኣባላት ማሕበረሰብና ኣብ መንጎ ምስ ባህለይ፡ ድሕረ ባይታይ፡ ስድራይን ማሕበረሰበይን ምትእስሳረይ ክቕጽል ዶ ወይስ ኣብ ማሕበረሰብ LGBTIQ+ ቦታ ክረክብ ሓዲኡ ክመርጹ ይግደዱ'ዮም። ኣብ መንጎ'ዚኦም ከቢድ ዝኾነ ቅልስ ጉዕዞ ኣሎ።"

ሚም ካብ ቪየትናም ናብ ኣውስትራልያ 11 ዓመታት ይገብር ድሕሪ ምምጽኡ ነዚ ጥራይ ክሓልፎ ከምኡ ክገብር ሃሊይዎ።

"ሓፋር'የ ኔረ፡ እንግሊዘይ ድማ ዝተወሰነ ጥራይ'ዩ ኔሩ። ስለ'ዚ ዝበዝሕ እዋን ምስ'ቲ ቪየትናማዊ ማሕበረሰበይን ዘመድ ኣዝማደይን ጸኒሐ። ስለ'ዚ ድሕነት ተሰሚዑኒ፡ ብዙሕ ግን ኣይወጽእን ኔረ።  ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጠይ ይሕዞን ጾታዊ መንነተይን መንነተይ ባዕሉን ክሓብእ ፈቲነ፣" ክብሉ ንSBS Examines ሓቢሮም።

ብመንገዲ'ዚ መደብ፡ ሚም ን36 ካልኦት LGBTQIA+ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሓደ ናይ ሸሞንተ ሰሙን መደን ተፈጥሮ (ኔቸር ፕሮግራም) ክሳትፉ ተዓዲሞም።

ተሳተፍቲ ኣዕዋፍ ተዓዚቦም፣ ምግቢ ተኻፊሎምን ብናይ ደገ ንጥፈታት ኣስተንቲኖምን፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብእግሮም ተጓዒዞም፣ ከምኡ'ውን ጀርዲን ተኸናኺኖም።

መሪሕ ተመራማራኢ ነርከዝ ኦህፓቺን፣ ድሕሪ'ዚ መደብ፣ ኣብ'ቶም ተሳተፍቲ ምጉዳል ጽምዋን ወሰኽ ኣብ'ቲ ምትእስሳሮም ምስ ተፈጥሮን ኔሩ ክብል ንSBS Examines ገሊጹ።

"[ተፈጥሮ] ከም ሓደ ዘይሻራዊ፣ ምትዕዝዛብ ዘይብሉ ባይታ ርክባትን ምትእስሳራትን ኮይኑ የገልግል።"

ሚም እዚ መደብ ሰላማዊ ኣገባብ ምስ ሰባት ዝራኸበሉን ምስ ማሕበረሰብን ዝተኣሳሰረሉን'ዩ ኢሎም።

"ተፈጥሮ ፈውሲ'ዩ... ሰላም ይስመዓኒ።"

ኣብ'ዚ ትሕዝቶ SBS Examines ተፈጥሮ ጽምዋ ኣብ ምምካት ከመይ ይሕግዝ ክንፍትሽ ኢና።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now