ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኽትዛወር ከለኻ ፡ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ከባቢኻ ስፍራ ኣታኽልቲ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ ። እንተዀነ ግን: ኣልዒልካ ክትወስድ ሕጋዊ ድዩ ? እዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ መዓስ ፍርያት ክትወስድ ከም ዘሎካ ፡ ስለምንታይ ፍቓድ ከም ዘድልየካ ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ሕርሻ ብኸመይ ናይ ርእስኻ ምግቢ ከም እተፍሪ ዝገልጽ እዩ።
- ካብ ናይ ካልእ ሰብ ሕርሻ ፍርያት ክወስድ እኽእል ዶ?
- ኣብ ናይ ካልእ ሕርሻ ፍርያት ሕርሻ እንተርእየ እቲ ክኽተሎ ዝግባእ ስነ ስርዓት እንታይ'ዩ?
- ኣብ ኣፍደገ ናይ ገዛይ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ ገደና ሕርሻ ክገብር እኽእል ዶ?
- ናይ ምሓበረሰብ ጋርደን ዝበሃል እንታይ እዩ?
- ረብሓታት ናይ ማሕበረስብ ጋረን (community garden) እንታይ'ዮም?
ካብ ናይ ካልእ ሰብ ሕርሻ ፍርያት ክወስድ እኽእል ዶ?
ኣብ ናይ ሰብ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይ ሕርሻ ዝበሰለ ፍረ እንተ ኣርኢኻ ንኽትወስድ ትፍተን ትኸውን ።
ኣብ ከተማ ፍሪማንትል ንጉጅለ ማሕበረሰብ ሓለዋ ድሕነት ዝመርሕ ጃራድ ዱጋን ካብ ናይ ካልእ ሰብ ጀርዲን ፍርያት ምውሳድ ዘይሕጋዊ እዩ ይብል ።
"ብርግጽ ብዘይፍቓዶም ናብ መሬት ናይ ዝኾነ ሰብ ምእታው ኣይፍቀድን እዩ ። ስለዚ ፡ ናብ መሬት ሓደ ሰብ ኬድካ ፡ ካብ ንብረቶም ዋላ ሓንቲ ኽትወስድ ኣይትኽእልን ኢኻ ፣ ምኽንያቱ ከምኡ ምግባር ከም ስርቂ ጌርካ እዩ ዝርአ " ።
ብኻልእ ኣበሃህላ ፡ ፍርያት ቅድሚ ምውሳድካ ፡ ነቲ ዋና ፍቓድ ሕተቶ ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይ ካልእ ቤት እውን ዝምልከት እዩ ።
"ካብቲ ዋና ፍቓድ የድልየኻ እዩ ። ምኽንያቱ እዚ ናይቲ ሰብ እምበር ናይ ካውንስል ኣይኮነን ። "

ኣብ ናይ ካልእ ሕርሻ ፡ ፍርያት ሕርሻ እንተርእየ እቲ ክኽተሎ ዝግባእ ስነ ስርዓት እንታይ'ዩ?
ካብ ናይ ሓደ ሰብ ጀርዲን ወይ ገደና ፍርያት ክትወስድ እንተ ደሊኻ ፡ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ቀሊል እዩ ፦ ሕተት ።
"ስለዚ ፡ ኩሉ ግዜ ፍቓድ ከድልየካ እዩ - ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣቢልካ ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ፡ ወይ ድማ ትሕትና ብዘለዎ ወረቐት ኽትገድፈሎም ትኽእል ኢኻ ። ፍቓድ እንተ ረኺብካ ድማ ፡ ክንደይ ክትወስድ ከምዝተፈቐደልካ ኽትሓቶምን ነቲ ተኽሊ ከምዘይተጕድኦን ምርግጋጽ ጽቡቕ እዩ "ይብል ሚስተር ዱጋን ።
ብዙሓት ሰባት ፡ ብፍላይ መጀመርታ እንተ ሓቲትካዮም ፡ ነቲ ዘለዎም ፍርያት ከማቕሉ ሕጉሳት እዮም ። አረ ገሊኣቶምሲ ፍረታት ወይ ኣሕምልቲ ኣብ ደገ ሓዲጎም ንኻልኦት ክወስዱ ይዕድሙ እዮም ።
"ሓደ ካብቲ ኣብ ቅድሜኻ ክትርእዮ ትኽእል ኣብነት ፡ ብጐደና ኽትኸይድ ከለኻ ፣ 'ብናጻ" ዝብል ምልክት ዘለዎ ንእሽቶ ሳጹን እውን ትርኢ ትኸውን ፣ እዚ ለሞን ዝመልአ መትሓዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ነዚ ብናጻ ንህዝቢ እዮም ዝህብዎ ዘለዉ ። ስለዚ ፡ ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ "ይብል ዱጋን ።

ኣንድርያ ስኪቡባ ኣብቲ ኣብ ፐርዝ ንኡስ ዞባ ነድላንድ ዝርከብ ገዝኣ ኣዘውቲራ እትገብሮ ነገር እዩ ።
ኣብ ድሕሪ ገዛይ ኣብ ዘሎ ስፍራ ኣታኽልቲ ንይ ቀደም ኦም ለሚን ኣለኒ ፣ ኣብ ዓዓመት ብዙሕ ፍረ ስለ ዝፈሪ ድማ ዕድለኛ እየ "በለት ።
ብእተኻእለኒ መጠን እኣሪ ፡ ኣብ ሳጹን ኣእትየ ድማ ፡ ሰባት ክወስዱ ፡ ኣብ ሳጹን ገይረ እሓድገሎም ።Andrea Sciubba
ኣብ ኣፍደገ ናይ ገዛይ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ ገደና ሕርሻ ክገብር እኽእል ዶ?
ኣብ ኣፍደገ ገዛ ዝርከብ መሬት ብሓፈሽኡ ብናይ ካውንስል ዝመሓደር ናይ ህዝቢ መሬት እዩ ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ወናኒ ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሳዕሪ ምቕራጽ ዝኣመሰለ ልሙድ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣለዎ ።
ኣብ ኣፍደገኻ ፍረታት ወይ ኣሕምልቲ ከተብቁል ንኽፍቀደልካ ኣብ ናይ ከባቢኻ ዘሎ ናይ ካውንስል ሕጊ ይምርኮስ ።
"ስለዚ እዚ ካብ ካውንስል ናብ ካውንስል ይፈላለ እዩ ። ገሊኦም ነዚ ኺፈቕዱሉ ፡ ገሊኦም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክኽልክልዎ ይኽእሉ እዮም " ።
ናይ ምሓበረሰብ ጋርደን ዝበሃል እንታይ እዩ?
ኣብ ገዛኻ ንመግቢ ዝኸውን ከተብቍል ቦታ እንተ ዘይብልካ ፡ ኣብ ኮማዊ ጀርዲን ምሕባር ካልእ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ሶፍያ ካርቫጃል፡ ኣብ ከባቢ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 30 ቃጽዖታት ዉልቀሰባት ዘለዉዎ ኮማዊ ስፍራ ኣታኽልቲ ሁርስትቪል ከምቲ ኣባል እያ ።
"ብፍላይ ጀማሪ እንተ ዄንኻ ፡ ንሓያሎ ዓመታት ከምኡ ክገብሩ ካብ ዝጸንሑ ሰባት ክትመሃር እትኽእለሉ ብሉጽ መገዲ እዩ ። ከመይ ጌርካ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ከም እትተክል ብዙሕ ትምሃር ኢኻ ። ከም ጕጅለ መጠን ብኸመይ ብሓባር ከም እትሰርሕ እውን ትምሃር ኢኻ ፣ እዚ ከኣ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ "በለት።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኮማዊ ኣታኽልቲ ፡ ብዛዕባ ሓመድን ኮምፖስቲን ፡ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ኣትክልቲ ከም ዝበቍል ፡ ብኸመይ ክንክን ከም ዝግበረሎም ይመሃሩ እዮም ።
"ነፍሲ ወከፍ ናይ ማሕበረሰብ ኣታኽልቲ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዝሰርሕ: እቲ ቀንዲ ናይ ሓባር ነገር ግን መጀመርታ ናይ ትምህርቲ ግዜ ስለ ዘሎካ ገለ ነገር ክትተክል ትኽእል ኢኻ: ኣብ መወዳእታ ድማ ገለ ነገር ካብ ፍርያትካ ናብ ገዛኻ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።" ትብል ።
ረብሓታት ናይ ማሕበረስብ ጋረን (community garden) እንታይ'ዮም?
ናይ ማሕበረሰብ ኣታኽልቲ ዋላኳ ቲ ኣባል ንምዃን መጸበዪ ግዜን ዝርዝር ቅጥዒ ኣባልነት ይፈላለ እምበር ንኹሉ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ክፉት እዩ ። መብዛሕትኦም ክትጅምሮ ዘሎካ ናውቲ መሳርሒ የዳልዉልካ እዮም ።
ናይ ማሕበረሰብ ኣታኽልቲ ኣብ ማእከላት ዕዳጋ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ኣብ ዓድኻ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ኣትክልቲ ተፍርየሉ ዓቢ ኣገባብ እዩ ።Sofia Carvajal
ኣብ ርእሲ እቲ ምፍራይ ፍርያት ኣታኽልትታት ዝህቦ ዕድላት ብዙሓት ናይ ማሕበረሰባት ጋርደን ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ንዚርከቡ ሰባት እውን ንጥፈታት ዘካይዱሉ ባይታ ይፈጥሩ እዮም ።
"ቆልዑት እንተልዮምኹም ፡ ኣብ ጀርዲን መጻሕፍቲ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም ። ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ብዙሕ ፕሮግራማት ኣለና ። ብዘይካዚ ፡ ማሕበረሰብ (ናይ ኣእምሮ ጸገም ንዘለዎም) ኒውሮዲቨረጀንት ክኣትዉን መደብ ኣሎና ። ኣዝዩ ህዱእ እዩ ። ብዛዕባ ዜሮ ጐሓፍ ፖሊሲ፡ ኮምፖስት ፡ መደባት ፐርማቻልቹር'ውን ኣለና ። እዚ ናይ ማሕበረሰብ ኣታኽልቲ ኣገዳስነት ኮይኑ - እዚ ብመልክዕ ኮሙኒቲ ዝጥርንፍ እዩ "ትብል ሚስ ካርቫጃ ።
ስለዚ ፡ ሓድሽ ፍርያት ከተካፍል ወይ ገዛእ ርእስኻ ከተዕቢ ትደሊ እንተ ዄንኻ ፡ ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘድልየካ ኽትተክል ትኽእል ኢኻ ። ካብ ናይ ካልእ ሰብ ጀርዲን ፍሩታ ወይ ኣሕምልቲ ክትወስድ እንተደሊኻ ቅድሚ ምውሳድ ፍቓድ ምሕታት ኣዘውትር ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au






